1. ንናእሚ ድማ ቦአዝ ዚብሀል ሃብታም ስልጡን ሰብኣይ ካብ ዓሌት ኤሊሜሌክ ዘመድ ሰብኣያ ነበረ።

2. ሩት እታ ሞኣባዊት ድማ ንናእሚ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ምሕረት ዝረኽበሉ ስዒበ ኣብ ግራት ከይደ ክቕርም ሕደገኒ በለታ። ንሳ ኸኣ ኪዲ ጓለይበለታ

3. ንሳ ድማ ከይዳ ናብ ግራት ኣትያደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ትቐርም ነበረት። እቲ ግራት እቲ ኸኣ ብገርሃ ናይቲ ኻብ ዓሌት ኤሊሜሌክ ዝነበረ ቦኣዝ ኮነላ

4. እንሆ ድማ፡ ቦኣዝ ካብ ቤት-ልሄም መጺኡ ነቶም ዓጻዶእግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽካ በልዎ

5. ቦኣዝ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ ተመዚዙ ዝነበገረ ጊልያኡእዛ መርዓት እዚኣ ናይ መን እያ፧ በሎ

6. እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ እተመዘዘ ጊልያኡ ኸኣ፡ ንሳ ምስ ናእሚ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ሞኣባዊት መርዓት እያ።

7. ደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ኣብ መንጎ እንዳእቲቀሪም ክአሪ ሕደገኒ በለትንግሆ ምስ መጸት ክአ ክሳዕ ሕጂ ደው ኢላ አላ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ቕሩብ ጊዜ እያ ዝጸንሔት፡ ኢሉ መለሰ።

8. ሽዑ ቦኣዝ ንሩት ጓለይ ኣይሰማዕክንዶክትቅርሚ ኢልኪ ናብ ካልእ ግራት ኣይትኺዲ፡ ምስ እዘን ግዙኣተይ ደኣ ልገቢ እምበር፡ ካብዚ ኣይትሕለፊ

9. ናብቲ ዚዐጽድዎ ግራት ርኣዪ እሞ፡ ደድሕሪኦም ስዐቢ። ነቶም ግዙኣትሲ ኸይትንክዮኺ ኣዘኢዘዶ ኣይኮንኩን፧ ምስ ጸማእኪ ድማ፡ ናብቲ ዕትሮታት ኬድኪ ኻብቲ እቶም ግዙኣት ዝቐድሕዎ ስተዪ፡ በላ።

10. ሽዑ ንሳ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ፡ ኣነ ወሰንተኛ ኽንሰይሲ፡ ንኣይ ኽትፈልጠኒ ብምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኸብኩበለቶ

11. ቦኣዝ ድማ፡ እቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገብርክዮኣቦኽን ኣዴኽን እተወለድክላ ምድርን ከም ዝሐደግኪቅድሚ እዚ ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ድማ ከም ዝመጻኣኪ ኣጸቢቖም ነጊሮምኒ አለዉ።

12. እግዚኣብሄር ከም ግብርኺ ይፍዴኺዓስብኺ ኸኣ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኽትጽግዕዮ ኢልኪ መጺእኪ ዘሎኺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሉእ ይኹን፡ ኢሉ መለሰላ።

13. ንሳ ኸኣ፡ ጐይታየከም ሓንቲ ኻብተን ግዙኣትካ እኳ ዘይኮንኩስ፡ ንልቢ ግዝእትኻ ተዛሪብካ ኣጸናኒካኒ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቅድሜኻስ ሞገስ እርከብ በለት

14. ቦኣዝ ድማ በታ ጊዜ ምሳሕናብዚ ቕረቢ እሞ ካብዚ እንጌራ ብልዒቑራስኪ ኸኣ ኣብዚ መጺጽ ጥለቒ በላ። ንሳ ድማ ኣብ ጥቓ እቶም ዓጻዶ ተቐመጠትጥቡስ ሰዊት ከኣ ሀባ። ንሳ ድማ በልዔትጸጊባውን ኣትረፈት

15. ክትቅርም ምስ ተንስኤት ድማ፡ ቦአዝ ነቶም ግዙኣቱ፡ ኣብ ማእከል እንዳእቲ ትቐርም ኣይተሕፍርዋ

16. ካብ ዕትርቲ መዝሒቕኩም ከኣ ክትርአዮ ሕደጉላኣይትኾርዩላውን፡ ኢሉ ኣዘዞም።

17. ካብቲ ግራት ከኣ ክሳዕ ምሸት ቀረመት። ነቲ ዝቐረመቶ ድማ ዘበጠቶሓደ ኤፋ ዚአክል ስገም ድማ ኾነ።

18. ጾይራቶ ኸኣ ናብ ከተማ ኣተወትሓማታ ድማ እቲ ዝቐረመቶ ረአየቶ፡ እቲ ተረፍ ጽጋባውን ኣውጺኣ ሀበታ

19. እታ ሓማታ ኸኣ፡ ሎሚ ኣበይ ቀሪምኪ ኣበይከ ዐዪኺ፡ እቲ እተላለየኪ ብሩኽ ይኹን፡ በለታ። ንሳ ኸኣ ምስ መን ከም ዝዐየየትስም እቲ ሎሚ ምስኡ ዝዐየኹ ሰብኣይ ቦአዝ እዩ፡ ኢላ ንሓማታ ነገረታ

20. ናእሚ ንሰበይቲ ወዳ፡ ንሱ ንህያዋንን ንምውታንን ምሕረቱ ዘይገደፈእግዚኣብሄር ይባርኮበለት። ናእሚ መሊሳ ድማ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ መቕረባና እዩ፡ ንሱ ኻብቶም ዚወርሱና እዩ፡ በለታ

21. ሩት እታ ሞኣባዊት ከኣ፡ ንሱስ ብዘሎ ዓጺደይ ክሳዕ ዚውድኡ ምስቶም ግዙኣተይ ልገቢ ኢሉኒበለታ

22. ናእሚ ድማ ንሩት ሰበይቲ ወዳጓለይኣብ ካልእ ግራት ማንም ከይትንክየክስምስተን ግዙአቱ ኽትወጺ ጽቡቕ እዩ፡ በለታ

23. ዓጺድ ስገምን ዓጺድ ስርናይን ክሳዕ ዚውዳእ ከኣ፡ ነተን ግዙኣት ቦኣዝ ስዒባ ትቕርም ነበረት። ምስ ሓማታ ድማ ትቕመጥ ነበረት።