1. ጥበብ ቤታ ሀነጸት፡ ሾብዓተ ኣዕኑድ ጸረበት።
2. ሰባብሕታ ሐረደት፡ ወይና ዘለለት፡ መኣዳውን ኣሰናደወት።
3. ኣግራዳ ለኣኸት፡ ኣብቲ ኣዝዩ ዝበረኸ ስፍራ ኸተማ ዀይና ትጽውዕ አላ፡
4. ዘይለበመ እንተሎ፡ ናብዚ ይምጻእ። ነቶም ኣእምሮ ዜብሎምውን ከምዚ ትብሎም አላ፡
5. ንዑ፡ እንጌራይ ብልዑ፡ ዝዘለልክዎ ወይነይ ስተዩ።
6. ብህይወት ክትነብሩስ ዕሽነት ሕደጉ፡ ብመገዲ ምስትውዓል ከኣ ተመላለሱ።
7. ንመላገጺ ዚምዕድ ንርእሱ ጸርፊ ይቕበል፡ ንረሲእ ዚግስጽ ከኣ ነውሪ ይመጾ።
8. ምእንቲ ኸይጸልኣካስ፡ ንመላገጺ ኣይትገስጾ፡ ንጠቢብ ገስጾ እሞ ኬፍቅረካ እዩ።
9. ንጠቢብ ትምህርቲ ሀቦ እሞ ወሲኹ ኺጠብብ፡ ንጻድቕ ምሀሮ እሞ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ።
10. መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ።
11. ዕለታትካ ብኣይ እየን ዚበዝሓ፡ ዓመታት ዕድሜኻውን ኪውሰኻልካ እየን እሞ፡
12. ጥበበኛ እንተ ዀንካ፡ ንርእስኻ ትጠብብ፡ መላገጺ እንተ ዀንካ፡ በይንኻ ኢኻ እትስከሞ።
13. ዓሻ ሰበይቲ ህውከተኛ እያ። ዘይለባም፡ ገለ እኳ ዘይትፈልጥ እያ።
14-16. ነቶም ኣቕኒዖም ዚኸዱ ሓለፍቲ መገዲ፡ ዘይለባም እንተሎ ናብዚ የግልስ፡ ኢላ ኽትጽዎዖምሲ፡ ኣብ ደገ ቤታን ኣብ በሪኻ ስፍራ ኸተማን ኣብ መንበር ትቕመጥ። ነቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኸኣ፡
17. ናይ ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ፡ ብሕቡእ ዚብላዕ እንጌራ ኸኣ ባህ የብል እዩ፡ ትብሎ።
18. ንሱ ግና ምዉታት ኣብኡ ኸም ዘለዉ ዕዱማታውን መዓሙቝ ሲኦል ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...