1. ወደየ፡ ንብጻይካ እንተ ተውሐስካ፡ ስለ ጓና ኸኣ ኢድ እንተ ጠቓዕካ፡
2. ብቓላት ኣፍካ ተትሐዝካ፡ ብቓላት ኣፍካ ተፈንጠርካ።
3. ወደየ፡ ኣብ ኢድ ብጻይካ ኻብ ወደቕካስ፡ ምእንቲ ኽትግርነ፡ ከምዚ ግበር፡ ኪድ እሞ ተደፊእካ ንብጻይካ ነዝንዞ፡
4. ንዓይንኻ ድቃስ፡ ንቕርኒብካ ትኽስታ ኣይትሀብ፡
5. ከምቲ ሜዳቝ ካብ ኢድ ሃዳኒ ዑፍውን ካብ ኢድ ኣፈንጣሪ ዜምልጣ፡ ንርእስኻ ኣድሕን።
6. ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፡ መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን።
7. ወይ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ ወይ ገዛኢ የብሉን፡
8. ግናኸ ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ፡ ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ።
9. ኣታ ሃካይ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ በጥ እትብል፡ መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትንስእ፡
10. ሓንሳእ ምድቃስ፡ ሓንሳእ ከኣ ምትካስ፡ ሓንሳእ ምእንቲ ኽትዐርፍውን ኣእዳውካ ምምስቓል፡
11. ድሕርዚ ኸኣ ድክነትካ ኸም ፈጣን መንገደኛ፡ ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዐጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።
12. ሕሱም ሰብ፡ ዓመጸኛ ሰብ፡ ብወስላታ ኣፍ ይመላለስ፡
13. ብዓይኑ ይጠቅስ፡ ብእግሩ ይዛረብ፡ በጻብዑ የመልክት።
14. ተንኰል ኣብ ልቡ እዩ፡ ኵሉ ጊዜ እከይ ይፍሕስ፡ ባእሲ ድማ ይዘርእ።
15. ስለዚ ጥፍኣት ብድንገት ይመጽእ፡ ብቕጽበት ኣይኒ ይጭፍለቕ፡ ፈውሲውን ከቶ የብሉን።
16. እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር ኣየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡
17. ትዕቢተኛ ዓይኒ፡ ሓሳዊት መልሓስ፡ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፡
18. እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር፡
19. ሓሶት ዚዛረባ ሓሳዊ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ።
20. ወደየ፡ ንትእዛዝ ኣቦኻ ሐልዎ፡ ንሕጊ ወላዲትካ ኸኣ ኣይትሕደጎ፡
21. ኲሉ ጊዜ ኣብ ልብኻ እሰሮ፡ ኣብ ክሳድካውን ኣጥቢቕካ ሐዞ።
22-24. ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባልሃካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ፡ የዛርበካ።
25-26. ብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከኣ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቘላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ።
27. ሰብዶ ሓዊ ሐቝፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ፡
28. ኣብ ሎዕሊ ጓህሪ ኸይዱኸ፡ ኣእጋሩዶ ኣይሐርርን እዩ፡
29. ናብ ሰበይቲ ብጻዩ ዚኣቱ ኸኣ ከምኡ እዩ፡ ዚትንክያ ኸይተቐጽዔ ከቶ ኣይተርፍን።
30. ሰራቒ ጠምዩ ኺዕንገል ኢሉ እንተ ሰረቐ፡ ሰብ ኣይንዕቆን እዩ፡
31. እንተ ተታሕዘ ኸኣ፡ ሾብዓተ ኢድ ይዐዲ፡ ኣብ ቤቱ ዘሎ ኵሉውን ይህብ።
32. እቲ ምስ ሰበይቲ ዚምንዝር ግና ልቢ የብሉን፡ ንነፍሱ ኼጥፍኣ ዚደሊ እዩ ኸምዚ ዚገብር።
33. ቍስልን ነውርን ይረኽቦ፡ ጸርፉ ከቶ ኣይድምሰስን።
34. ቅንኢ ንሰብኣይ ብቝጥዓ የንድዶ እዩ እሞ፡ ብመዓልቲ ሕነ ኣይድንግጽን እዩ።
35. ግዲ ኻሕሳ የብሉን፡ ኣብዚሕካ ውህበት እንተ ኣቕረብካሉ እኳ፡ ኣይቅበልን እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...