1-2. ወደየምኽሪ ኸተጽንዕከናፍርካውን ፍልጠት ምእንቲ ኺሕዛስ፡ ናብ ጥበበይ ኣቕልብ፡ ናብ ምስትውዓለይውን እዝንኻ ኣድንን

3. ከናፍር ኣመንዝራ ሰበይትስ መዓር ወለላ የንጠብጥብኣፋ ኸኣ ካብ ዘይቲ ይልስልስ

4. መወዳእታኣ ግና ከም ዕረ መሪርክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሴፍ ከኣ በሊሕ እዩ።

5. ኣእጋራ ናብ ሞት ይወርዳስጕምታ ናብ ሲኦል ይበጽሕ

6. ንመገዲ ህይወት ከይትረኽባስበኻይዳኣ ዀብላሊት እያ እሞ፡ ኣይትፈልጥን እያ።

7. ኣቱም ደቀየ፡ እምበኣርሲ ሕጂ ስምዑኒ፡ ካብ ቃላት ኣፈይ ከኣ ኣይትርሐቑ

8. መገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ፡ ናብ ደገ ቤታ ኣይትቕረብ

9. ክብርኻ ንኻልእዕድሚኻውን ንጨካን ከይትህብ

10. ብጥሪትካ ኻልኦት ከይጸግቡ፡ ፍረ ድካምካውን ናብ ቤት ካልእ ከይሐልፍ፡

11. ኣብ መጠረስታ ነፍሰ ስጋኻ ምስ ተወድኤከይተልቅስ እሞ፡

12-14. ከመይከ ንተግሳጽ ጸላእክዎልበይሲ ንዘለፋ ነዐቖ፡ ስለምንያትከ ድምጺ መምህራነይ ዘይሰማዕኩ፡ ናብቶም ዜስተምህሩንስ ኣእዛነይ ዘየድነንኩኣብ ማእከል ማሕበርን ጉባኤን ናብ ክፉእ ዘበለ ኵሉ ንምብጻእ ቅሩብ ተሪፉኒ ነይረከይትብልሲ፡ መገድኻ ካብኣ ኣርሕቖ።

15. ማይሲ ኻብ ዔላኻ ደኣ፡ ካብቲ ዚፍልፍል ምንጭኻ ደኣ ስተ

16. ምንጭኻ ንወጻኢርባታትካስ ናብ ኣደባባያትዶ ይፈስስ አሎ እዩ፡

17. ንኣኻ ጥራይ ይኹን፡ ጓኖት ኣይካፈሉኻ

18. ምንጭኻ ይባረኽበታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ

19. ፍትውቲ ዋላ፡ ጽብቕቲ ሜዳቝ ትዅነልካ፡ እቲ ኣጥባታ ዅሉ ጊዜ የዕግብካብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ

20. ኣታ ወደይ፡ ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እተፍቅር፡ ሰበይቲ እማትካስ እትሐቍፍ

21. እምብኣርሲ መገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ፡ ነኻይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ

22. እቲ ረሲእ ብኣበሳኡ ይሕንኰልበግማድ ሓጢኣቱ ኸኣ ይእሰር

23. ንሱ ሰኣን ተግሳጽ ይመውት፡ በቲ ዓብዪ ድንቍርናኡ ኸኣ ይጋገ