1. እቲ ብዙሕ ተገሲጹ ክሳዱ ዜትርር ሰብ ብድንገት ይጭፍለቕመድሃኒትውን የብሉን።

2. ጻድቃን እንተ ዐመሩህዝቢ ይሕጐስረሲእ እንተ ሰልጠነ ግና፡ ህዝቢ የስቈርቍር

3. ጥበብ ዚፈቱ ሰብ ነቦኡ የሐጕሶ፡ ምስ ኣመናዝር ዚመሐዞ ግና ገብዘቡ ይውድእ

4. ንጉስ ንሃገር ብፍርዲ የጽንዓ፡ ፈታው መማለጃ ግና የጥፍእ

5. እቲ ንብጻዩ ዜቀባጥረሉ ነእጋሩ መጻወድያ ይገብረሉ

6. ኣብ ገበን እኩይ ሰብ መፈንጠራ አሎ፡ ጻድቕ ግና እልል ይብል ይሕጐስውን

7. ጻድቕ ንገበን ድኻታት የስተውዕሎረሲእ ግና ምስትውዓል ኣይፈልጥን

8. መላገጽቲ ሰብ ከተማ የንድዱ፡ ጠቢባን ግና ኵራ ይመልሱ

9. ጠቢብ ምስ ዓሻ እንተ ተማጐተ፡ ወይ ይዅሪ ወይ ከኣ ይስሕቕዕረፍቲ የብሉን።

10. እቶም መፍሰስቲ ደም ንፍጹም ሰብ ይጸልእዎቅኑዓት ግና ነፍሱ ይደልዩ

11. ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን

12. እቲ ብሓሶት ጽን ዚብል መኰንን፡ ኵሎም ገላውኡ ረሲኣን እዮም።

13. ድኻን ጠቓዕን ይራኸቡ፡ ነዒንቲ ኽልቲኦም ዜብርህ እግዚኣብሄር እዩ።

14. እቲ ንመሳኪን ብቕንዕና ዘፈርዶም ንጉስዝፋኑ ንሓዋሩ ይጸንዕ

15. ሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍር

16. ረሲኣን እንተ በዝሑ፡ ገበን ይበዝሕጻድቃን ግና ውድቀቶም ይርእዩ

17. ንውሉድካ ቕጽዓዮ እሞ ኬዕርፈካንነፍስኻውን ተድላ ኪዀና እዩ።

18. ራእይ ዜልቦ እንተ ዀነ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፡ ሕጊ ዚሕሉ ግና ብጹእ እዩ።

19. ባርያ፡ ምንም እኳ እንተ ኣስተውዐለ፡ ኣይእዘዝን እዩ እሞ፡ ብዘረባ ኣይቅጻዕን

20. ተሀዊኹ ዚዛረብ ሰብዶ ርኢኻ፡ ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ አሎ።

21. እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብሕንቃቐ ዝዐበየ ባርያ ኣብ መወዳእታ ውሉድ ይኸውን።

22. ቍጡዕ ሰብ ባእሲ የልዕልተነቃፊ ሰብ ሓጢኣት የብዝሕ

23. ንሰብ ትዕቢት የዋርዶብመንፈሱ ትሑት ዝዀነ ግና ክብረት ይረክብ

24. እቲ ምስ ሰራቒ ዚሐብር ንነፍሱ ይጸልኣ፡ ንሱ መርገም ይሰምዕ ገለ ኸኣ ኣይገልጽን

25. ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእርቱብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር።

26. ብዙሓት ሰብ ሞገስ ገዛኢ ይደልዩፍርዲ ነፍሲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።

27. ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ጻድቃን ፍንፉን እዩ፡ እቲ ብቕኑዕ መገዲ ዚመላለስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ረሲኣን ፍንፉን እዩ።