1. ከምቲ በረድ ንጽብሓትዝናም ከኣ ንቐውዒ፡ ከምኡውን ንዓሻ ኽብረት ኣይግብኦን

2. ምኽንያት ዜብሉ መርገምሲ ኸምታ እትነፍር ጭሩ፡ ከምታ እትበርር ለዃዂቶ ኣይበጽሕን እዩ።

3. ሓለንጊ ንፈረስልጓም ንኣድጊበትሪ ንዝባን ዓሻ እዩ።

4. ንስኻ ድማ ንእኡ ኸይትመስልሲንዓሻ ኸም ዕሽነቱ ኣይትምለሰሉ።

5. ዓሻጠቢብ ከም ዝዀነ ኸይመስሎስ፡ ከም ዕሽነቱ ምለሰሉ

6. እቲ ብኢድ ዓሻ መልእኽቲ ዚሰድድ ባዕሉ ኣእጋሩ ይቘርጽ እሞ መከራ ይሰቲ

7. ኣእጋር መጻጕዕ ጠልጠል ይብላ፡ ምስላ ኸኣ ኣብ ኣፍ ዓያሱ ኸምኡ እዩ።

8. ንዓሻ ኽብረት ምሃብሲ፡ ከምቲ ኸረጺት ዕንቊ ናብ ኲምራ እምኒ ምድርባይ እዩ።

9. ምስላ ኣብ ኢድ ዓያሱ ኸም እሾኵ ኣብ ኢድ ሰካር እዩ።

10. እቲ ምስ ዓሻን ምስ ሓላፍ መገድን ዚውዓዓል፡ ከምቲ ንዚረኸበ ዚወግእ ወርዋር ፍላጻ እዩ።

11. ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዚምለስዓሻ ኸምኡ ንዕሽነቱ ይደጋግሞ።

12. ኣነ ጥበበኛ እየ፡ ዚብል ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፡ ካብ ብኡኡስ ብዓሻ ተስፋ ምግባር ይበልጽ።

13. እቲ ሃካይ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ አሎ፡ ኤረ ኣብ ኣደባባይ ኣንበሳ አሎ፡ ይብል

14. ከምቲ ማዕጾ ኣብ ወንድወንዶኡ፡ ሃካይውን ከምኡ ኣብ ዓራት ይዘውር።

15. ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ እሞ፡ ናብ ኣፉ ምምላስ ድኻም ይዀኖ።

16. ሃካይሲ ኻብ ሾብዓተ ሰብ ብምስትውዓል ዚምለሱ ንሱ ብጥበብ ዝበለጸ ይመስሎ።

17. እቲ ናብ ዘይነገሩ ዜአቱ ሓላፍ መገዲ ከምቲ ንእዝኒ ኸልቢ ዚሕዝ እዩ።

18-19. እቲ ንብጻዩ ጠቢርዎስኪጻወተካ እየ ዝገበርክዎ፡ ዚብል እያድን ፍላጻን ሞትን ከም ዚውርውር ዕቡድ እዩ።

20. ዕጨይቲ እንተ ተወድኤ፡ ሓዊ ይጠፍእሓማዪ እንተ ዘየሎ ኸኣ ባእሲ ይውዳእ

21. ከሰል ንጓህሪ ዕጨይቲ ንሓዊ ኸም ዚኸውን፡ ናግራም ሰብኣይ ከኣ ከምኡ ባእሲ የሳውር

22. ዘረባ ሓማዪ ኸኣ ጥዑም ኵላሶ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ

23. ርሱን ከናፍርን እኩይ ልብንሲ ብዓፍራ ብሩር ከም እተለበጠ ኣቕሓ መሬት እዩ።

24. ጸላኢ ብኸናፍሩ የምስል፡ ኣብ ውሽጡ ግና ጥበራ የንብር

25. ኣብ ልቡ ሾብዓተ ዜፈንፍን አለዎ እሞ፡ ድምጹ ኣልዚቡ እንተ ተዛረበ እኳ፡ ኣይትእመኖ

26. ጽልኡ ብተንኰል እንተ ተሐብኤ እኳ፡ ክፍእቱስ ኣብ ማሕበር ኪቕላዕ እዩ።

27. ጕድጓድ ዚዅዕት ኣብኣ ይወድቕእምኒ ዜንከባልል ከኣ ንሳ ትምለሶ

28. ሓሳዊት ልሳን ነቶም ዘቝሰለቶም ትጸልኦምመቀባጠሪ ኣፍ ከኣ ጥፍኣት የምጽእ።