1. እዘን ምስላታት እዚኤን ድማ ናይ ሰሎሞን እየን፡ ናይ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰባት ከኣ ኣኻኸብወን

2. ክብሪ እግዚኣብሄርሲ ምስዋር ነገር እዩ፡ ክብሪ ነገስታት ግና ምምርማር ነገር እዩ።

3. ልዕልና ሰማይን መዓሙቝ ምድርን ልቢ ነገስታትን ኣይተመርማርን እዩ።

4. ንብሩር ካብ ዛዕጉ ኣጽርዮ እሞ፡ ሽዑ ነንጠረኛ ኣቕሓ ይወጸሉ

5. ንረሲእ ካብ ቅድሚ ንጉስ ኣርሕቆ፡ ሽዑ ዝፋን ንጉስ ብጽድቂ ይጸንዕ

6-7. ኣብ ቅድሚ እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ መስፍን ካብ እትዋረድሲ፡ ናብዚ ልዕል በል፡ ኪብሉኻ ይሕሸካ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይትጀሀር፡ ኣብ ቦታ ዓበይቲ ኣይትቑም

8. ብጻይካ ምስ ኣሕፈረካ፡ ኣብ መወዳእታ እትገብሮ ኸይጠፍኣካስ፡ ናብ ባእሲ ኣይትቐልጥፍ

9-10. ዝሰምዔ ኸይጸርፈካ፡ ስምካ ኸኣ ከይከፍእሲነገርካ ምስ ብጻይካ ተማጻረምስጢር ካልእ ግና ኣይትቕላዕ

11. ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ።

12. ንትሰምዕ እዝንን ጥበበኛን ገላጺ ኸም ቀለቤት ወርቅን ከም ስልማት ጽሩይ ወርቅን እዩ።

13. እሙን ልኡኽ ነቶም ዚልእክዎ ኸምቲ ዛሕሊ ውርጪ ብጊዜ ቕውዒ እዩ፡ ንሱ ንነፍሲ ጐይታኡ የቕስና

14. ብዛዕባ ህያቡ ብሓሶት ዚጅሀር ሰብሲ፡ ከምቲ ዝናም ዜብሉ ደበናን ንፋስን እዩ።

15. ፈራዲ ብትዕግስቲ ይቕልስ፡ ልዙብ መልሓስ ከኣ ኣዕጽምቲ ይሰብር

16. መዓር እንተ ረኸብካ፡ እምብዛ ኸይትጸግብ እሞ ከይትተፍኦስዚአኽለካ ብላዕ

17. ብጻይካ ኸይመንወካ እሞ ከይጸልኣካስ፡ ናብ ቤቱ እግርኻ ኣይተዘውትር

18. እቲ ኣብ ብጻዩ ሓሶት ዚምስክርሲ ሞደሻን ሰይፍን በሊሕ ፍላጻን እዩ።

19. ጠላሚ ሰብ ብመዓልቲ ጸበባ ንዚጽግዖብዅባዅ ስንን መንሳተቲ እግርን እዩ።

20. ንሕዙን ልቢ ደርፊ ዚደርፈሉስ ከምቲ ብጊዜ ቝሪ ንመደረብታኡ ዚቕንጥጦን ኣብ ጨው ከኣ መጺጽ ዜእትወሉን እዩ።

21. ጸላኢኻ እንተ ጠመየእንጌራ ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውንማይ ኣስትዮ

22. በዚ ኸምዚ ጓህሪ ኣብ ርእሱ ትእክብእግዚኣብሄር ከኣ ኪፈድየካ እዩ።

23. ንፋስ ሰሜን ዝናም የምጽእሓማይት ልሳን ከኣ ገጽ ተጸውግ

24. ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ፡ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሐይሽ

25. ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጸ ብስራት፡ ከም ዝሑል ማይ ንዝጸምኤት ነፍሲ እዩ።

26. ኣብ ቅድሚ ረሲእ ሰንከልከል ዚብል ጻድቕ፡ ከምቲ ኣተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዔላን እዩ።

27. መዓር ኣብዚሕካ ምብላዕ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ከምኡውን ከቢድ ነገር ምምርማር ዜሸግር እዩ።

28. መንፈሱ ዘይገትእ ሰብሲ ቀጽሪ ዜብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።