1. ኣብ መኣዲ ምስ መኰነን እንተ ተስራዕካ፡ መን ከም ዝዀነ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ኣጸቢቕካ ኣስተብህል

2. ስሱዕ እንተ ዀንካስ፡ ንጐሮሮኻ ኻራ ኣቕርበሉ

3. ጠባሪ ብልዒ እዩ እሞ፡ ነቲ ጥዑም በብልዑ ኣይትብሀጎ

4. ሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዐርንጥበብካ ኣብኡ ኣይተውዕሎ

5. ከምቲ ንሰማይ ኣቢሉ ዚነፍር ንስሪ፡ ብርግጽ ኣኽናፍ የውጽእ እዩ እሞ፡ ኣዒንትኻዶ ናብቲ ዘየሎ ኸተውድቕ ኢኻ፡

6. ናይ ክፉእ ዝዓይኑ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ጣዕሚ መብልዑ ኸኣ ኣየብህግካ

7. ብላዕ ስተይብለካ፡ ኣብ ውሽጡ ግና ተጸባጻቢ እዩ እሞ፡ ልቡ ምሳኻ ኣይኰነን።

8. ነታ ዝበላዕካያ ዅላሶ ኽትተፍኣ ኢኻ፡ ነቲ ጽቡቕ ዘረባኻውን ከተጥፍኦ ኢኻ።

9. ዓሻ ነቲ ጥበብ ዘረባኻ ይንዕቆ እዩ እሞ፡ ኣብ እዝኑ ኣይትዛረብ

10. ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል፡ ናብ ግራት ዘኽታማት ከኣ ኣይትእቶ

11. እቲ ጠበቓኦም ብርቱዕ እዩ እሞ፡ ባዕሉ ኣብ ክንዳኦም ኪማጐተልካ እዩ።

12. ልብኻ ናብ ተግሳጽኣእዛንካ ድማ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብ

13. ንቘልዓ ብሸቦጥ እንተ ግረፍካዮኣይመውትን እዩ እሞ፡ ብዘይ መቕጻዕቲ ኣይትግደፎ

14. ብሸቦጥ ትገርፎ እሞ፡ ንነፍሱ ኻብ ሲኦል ተድሕና

15. ወደየልብኻ ጥበበኛ እንተ ዀነ፡ ኣነውን ልበይ ይሕጐስ

16. እወ፡ ከናፍርካ ቅንዕና እንተ ተዛረበኰላሊተይ ደስ ይብለን።

17-18. ብርግጽ ዓስቢ አሎ፡ ትጽቢትካ ኸኣ ከንቱ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ልብኻ ዅሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀልዎ እምበር፡ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ

19. ኣታ ወደየስማዕ እሞ ጥበበኛ ኹን፡ ንልብኻውን ብመገዲ ኣቕንዓዮ

20-21. ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተዪ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።

22. ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮኣዴኻ ምስ ኣረገት ከኣ ኣይትንዐቃ

23. ንሓቂ ዓድጋ እሞ ኣይትሽጣንጥበብን ተግሳጽን ኣእምሮ ኸኣ።

24. ኣቦ ጻድቕ ብዙሕ ይሕጐስጥበበኛ ወዲ ዝወለደ ኸኣ ባእኡ ባህ ይብሎ።

25. ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይበሎም፡ እታ ዝወለደትካ ኸኣ ትተሐጐስ

26. ወደየልብኻ ሀበኒኣዒንትካ ድማ ብመገደይ ደስ ይበለን።

27. ኣመንዝራስ ዓሚቝ ዓዘቕቲ እያ፡ ሰበይቲ ኻልእ ጸቢብ ጕድጓድ እያ።

28. ከም ከታሪ ተድቢ፡ ንብዙሓት ሰብውን ጠለምቲ ትገብሮም።

29. ዋይዋታ ንመን እዩ፡ ሓዘን ንመን እዩ፡ ባእሲ ንመን እዩ፡ ምስቍርቋር ንመን እዩ፡ ብዘይ ምኽንያት ምቝሳል ንመን እዩ፡ ምቕያሕ ዓይንስ ንመን እዩ፡

30. ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዚድንጕዩ፡ ነቶም ዝደረቐ ወይኒ ኺመርጹ ዚእከቡ እዩ።

31. ወይኒ ምቕያሑ፡ ኣብ ብርለ ምውዕዋዑ፡ ጥዒሙ ምውራዱ ኣይትጠምቶ

32. ኣብ መወዳእታ ኸም ተመን ይነክስ፡ ከም ኣፍዑት ሕንዙ ፋፍ የብል።

33. ኣዒንትኻ ሕውዝውዝ ይብላ፡ ልብኻውን ጠዋይ ነገር ይዛረብ

34. ኣብ ውሽጢ ባሕሪ በጥ ከም ዝበለ፡ ኣብ ጫፍ ደቐል ከም ዝደቀሰ ኢኻ እትኸውን፡

35. ወቒዖምንስ ኣይትሰምዓንንዘቢጦምንስ ኣይተፈለጠንን፡ መኣዝ ክነቅሕ እየ፡ መሊሰ ኽደልዮ እየ።