1. ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረሞገስ ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ።

2. ሃብታምን ድኻን ይራኸቡ፡ ንዅላቶም ዝገብሮም እግዚኣብሄር እዩ።

3. ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ

4. ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ።

5. እሾዅን መፈንጠራን ኣብ መገዲ እቲ ቔናን እዩ፡ እቲ ንነፍሱ ዚሕልዋ ካብኡ ይርሕቕ

6. ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

7. ንድኻ ሃብታም ይገዝኦተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።

8. እቲ ኣበሳ ዚዘርእ መከራ ይዐጽድብሸቦጥ ቍጥዓኡ ይጠፍእ

9. እቲ ርሕሩሕ ቈላሕታ ዘለዎ፡ ንድኻ ኻብ ኣንጌራኡ ይህቦ እሞ፡ ይባረኽ

10. ንመላገጺ ስጐጎ እሞ፡ ቈየቛ ኺወጽእ እዩ፡ ባእስን ጸርፍን ከኣ ኪውዳእ እዩ።

11. እቲ ንጽህና ልቢ ዚፈቱ እሞ ጸጋ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ፡ ፈታዊኡ ንጉስ እዩ።

12. ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ንጥበብ ይከናኸናኣ፡ ንሱ ግና ንቓላት እቲ ጠላሚ ይግልብጦ

13. ሃካይ፡ ኣብ ወጻኢ ኣንበሳ አሎ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ እቕተል እኸውን እየ፡ ይብል

14. ኣፍ ኣመንዝራ ሰበይቲ ዓሚቝ ጕድጓድ እዩ፡ እግዚኣብሄር እተቘጥዖ ሰብ ኣብኣ ይወድቕ

15. ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ፡ ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ

16. ንድኻ ዜጥቅዖ የሀብትሞንሃብታም ዚህቦ ኣብ ስእነት ጥራይ የብጽሖ።

17-18. ኣብ ውሽጥኻ ኣንተ ኣርነብካየን፡ ኵላተን ኣብ ከናፍርካ እንተ ኣለዋስጥዑም እዩ እሞ፡ እዝንኻ ጽሎቃላት ጠቢባን ከኣ ስማዕብልብኻ ናብ ፍልጠተይ ኣቕልብ

19. እምንቶኻ ብእግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ኣነ ሎሚ ንኣኻ፡ እወ ንኣኻ ምሂረካ

20-21. ነቶም ዚልእኩኻ ቃላት ሓቂ ምእንቲ ኽትመልስ፡ ርግጽ ነገርን ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኸፍልጠካ ኢለስ፡ ድሮዶ ናይ ምኽርን ናይ ፍልጠትን ብሉጽ ነገር ኣይጸሐፍኩልካን እየ፧

22-23. እግዚኣብሄር ኪማጐተሎም፡ ነቶም ገፈፍቶም ከኣ ህይወቶም ኪገፎም እዩ እሞ፡ ነቲ ድኻስ ድኻ ስለ ዝዀነ፡ ኣይትግፈፎንሽጉር ድማ ኣብ ደገ ኣይትጥቅዓዮ

24-25. መገዱ ምእንቲ ኸይትምሀር እሞ፡ ንነፍስኻ ኸይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ

26. ካብቶም ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ንዕዳ ዚወሐሱ ኣይትኹን።

27. ምፍዳይ እንተ ሰአንካስ፡ ስለምንታይ እዩ መንጸፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዚውሰድ

28. ኣቦታትካ ዜቘምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል

29. ኣብ ዕዮኡ ፈጣን ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዚቐውም፡ ኣብ ቅድሚ ታሕቶት ሰባት ኣይቀውምን