1-2. ወደየእዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ ኣርነብካዮ

3. እወ፡ ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ

4. ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ

5. ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ።

6. እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ።

7-8. ንመገዲ ቕንዕና ኼዕቍባንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ኸኣ ኪሕልዋስ፡ ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም፡ ብዘይ ጽያፍ ንዚመላለሱ ኸኣ ዋልታኦም እዩ።

9. ሽዑ ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ ኤረ ዅሉ ሰናይ መገዲ ኽተስተውዕል ኢኻ።

10. ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትኣቱ እያ፡ ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ፡

11-12. ካብ ክፉእ መገዲ፡ ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስምኽሪ ኽትሕልወካምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ።

13. ንሳቶም ብመገዲ ጸልማት ምእንቲ ኺመላለሱስንመገዲ ቕንዕና ይሐድግዋ

14. ንሳቶም ክፉእ ብምግባር ይሕጐሱብቔናን ነገርውን ባህ ይብሎም።

15. ንሳቶም ኣብ መገድታቶም ይጠዋውዩ፡ ቄናን መገድታት ከኣ ይኽተሉ

16-17. ካብታ ንፈታዊ ንእስነታ ዝሐደገቶንኺዳን ኣምላኻውን ዝረስዓቶ ዘማዊት ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራ ኸተናግፈካ እያ።

18. ቤታ ናብ ሞትመገዳ ኸኣ ናብ ምዉታት ዜንቈልቍል እዩ እሞ፡

19. ካብቶም ናብኣ ዚኣትዉ ሓደ እኳ ዚምለስ የልቦን፡ ንመገዲ ህይወትውን ኣይረኽብዋን እዮም።

20-21. እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩእቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ እምብኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰናያት ተመላለስንመገዲ ጻድቃንውን ሐልዋ

22. ረሲኣን ግና ካብ ምድር ኺጸንቱ፡ እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።