1. ካብ ሕሩድ ዝመልኦ ቤት ምስ ቈየቛስ፡ ንቕጽቲ ቝራስ ምስ ህድኣት ትበልጽ።
2. ለባም ባርያ ንነውራም ውሉድ ይገዝኦ፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ድማ ርስቲ ይካፈል።
3. መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ከኣ ንወርቂ እዩ፡ ንልቢ ዚፍትኖ ግና እግዚኣብሄር እዩ።
4. እኩይ ሰብ ንበደለኛ ኸንፈር ጽን ይብሎ፡ ሓሳዊ ድማ ነታ እክይቲ መልሓስ ይሰምዓ።
5. ንድኻ ዜባጩ ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ብጕድኣት ዚሕጐስ ከኣ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።
6. ንኣረገውቲ እቶም ደቂ ደቆም ዘውዶም እዮም፡ ንቘልዑ ኸኣ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም።
7. ንዓሻስ ዓብዪ ዘረባ ኣይመጠኑን፡ ንመስፍን ደኣ ግዳ ሓሰውቲ ኽናፍር ከመይ ኢለን።
8. መማለጃ ነቲ እተቐበሎ ኸም ብሩር ዕንቍ እዩ፡ ኣብ ዝኸደ እንተ ኸደ ይሰልጦ።
9. ፍቕሪ ዚደሊ ንበደል ይኽውሎ፡ ናብ ነገር ዚምለስ ግና ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።
10. ካብ ሚእቲ ግርፋት ንዓሻስ፡ ተግሳጽ ንለባም ኣዕሚቑ ይኣትዎ።
11. እኩይ ሰብ ዕልወት ጥራይ ይደሊ፡ ስለዚ ጨካን መልእኽተኛ ይሰደሉ።
12. ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዝጓ ነፈካስ፡ ኰራዅራ ዘሕደግዋ ድቢ ኽትጓነፈካ ይሐይሽ።
13. ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እከይ ዚፈዲ፡ መከራ ኻብ ቤቱ ኣይርሕቕን።
14. ምጅማር ቈየቛ ከም ምኽፋት መገዲ ውሕጅ እዩ፡ ስለዚ ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ።
15. እቲ ንዓማጺ ናጻ ዜውጽኦን ንጻድቕ ዚዅንኖን፡ ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም።
16. ዓሻስ ልቢ የብሉን እዩ እሞ፡ ጥበብ ኪገዝእሲ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዋጋ ንምንታይ ይጠቅም፡
17. ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።
18. ልቢ ዜብሉ ሰብ ኣገን ይጠቅዕ፡ ኣብ ቅድሚ ብጻዩ ኸኣ ይውሐስ።
19. ባእሲ ዚፈቱ ሓጢኣት ይፈቱ፡ ንደጊኡ ዜንውሕ ምብራስ ይደሊ።
20. ጠዋይ ልቢ ዘለዎ ሰናይ ኣይረክብን፡ ወስላታ ዝልሳኑ ኸኣ ኣብ መከራ ይወድቕ።
21. ዓሻ ዝወለደ ብእኡ ይጕሂ፡ ኣቦ ዓሻውን ከቶ ኣይሕጐስን።
22. ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።
23. ረሲእ፡ መገዲ ፍትሒ ንምጥዋይ፡ መማለጃ ኻብ ሕቝፊ ይወስድ።
24. ለባም ሰብሲ ጥበብ ኣብ ቅድሚኡ አላ፡ ኣዒንቲ ዓሻ ግና ክሳዕ ወሰን ምድሪ እየን።
25. ዓሻ ውሉድ ነቦኡ ጓሂ እዩ፡ ንወላዲቱ ኸኣ ምረት እዩ።
26. ንጻድቕ ምቕጻዕ፡ ንኽቡራት ስለ ቕንዕናኦም ምውቃዕ ሰናይ ኣይኰነን።
27. እቲ ፍልጠት ዘለዎስ ቃላቱ ይቝጥብ፡ ህዱእ መንፈስ ዘለዎ ለባም እዩ።
28. ዓሻ እኳ ስቕ እንተ በለስ፡ ጥበበኛ መሲሉ ይርኤ፡ ከናፍሩ ዚዐጹ ኣእምሮኛ ይበሀል።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...