1. ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ

2. ብቕንዕናኡ ዚመላለስ ንእግዚኣብሄር ይፈርሆመገዱ ዜጐብጥ ግና ይንዕቆ

3. ኣብ ኣፍ ዓሻ ሸቦጥ ትዕቢት አሎ፡ ንጠቢባን ግና ከናፍሮም ይሕልውዎም

4. ብዕራይ ኣብ ዜብሉ መብልዕ ማል ጥራዩ እዩ፡ ብዙሕ ሲሳይ ግና ብሓይሊ ብዕራይ እዩ።

5. እሙን ምስክር ኣይሕሱንሓሳዊ ምስክር ግና ሓሶት የውስእ

6. መላገጺ ንገንዘብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን፡ ነእምሮኛ ግና ፍልጠት ኣይሽግሮን

7. ካብ ዓሻ ርሐቕ፡ ኣብኡ ኸናፍር ፍልጠት ኣይትርረክብን ኢኻ።

8. ጥበብ እቲ ለባምሲ መገዱ ምፍላጥ እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ጥበራ እዩ።

9. እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩኣብ ማእከል እቶም ቅኑዓት ግና ጽቡቕ ፍቓድ አሎ

10. ልቢ ንምረቱ ባዕሉ ይፈልጦ፡ ኣብ ሓጐሱ ኸኣ ጓና ኣይሕወስን

11. ቤት ረሲኣን ይዐኑድንኳን ቅኑዓት ግና ይዕምብብ

12. ንሰብ ቅንዕቲ ትመስሎ መገዲ አላመወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ።

13. ልቢ እናሰሐቕካውን ይጉሂ እዩ፡ መወዳእታ ሓጐስ ከኣ ሓዘን እዩ።

14. እቲ ብልቡ ዚዐሉ ብመገዱ ይጸግብደጊ ሰብ ድማ ካብ ርእሱ እዩ።

15. ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምንለባም ግን ንስጉምቱ ይጥንቀቐለን

16. ጠቢብ ይፈርህ ካብ እከይ ድማ ይርሕቕዓሻ ግና ደፋርን ኣማኒ ርእሱን እዩ

17. ኰራዪ ሰብ ዕሽነት ይገብርተንኰለኛ ኸኣ ይጽላእ

18. እቶም ደናቝርቲ ዕሽነት ይርስተዩለባማት ግና ፍልጠት ዘውዶም እዩ።

19. እቶም እኩያት ኣብ ቅድሚ ሰናያትረሲኣን ከኣ ኣብ ደጌታት ጻድቃን ይደኑ

20. ንድኻ ብጻዩ እኳ ይጸልኦፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም።

21. እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ሓጢኣት ይገብር፡ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ግና ብጹእ እዩ።

22. እቶም እከይ ዚሐስቡ ኣይጋገዩንዶ እዮም፡ ምሕረትን ሓቅን ግና ነቶም ሰናይ ዚሐስቡ እዩ።

23. ኣብ ዕዮ ዘበለ ረብሓ አሎ፡ ዘረባ ኸናፍር ግና ናብ ረሲእነት ጥራይ የብጽሕ

24. ሃብቲ ንጠቢባን ዘውዶም እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ኵሉ ጊዜ ዕሽነት እዩ።

25. ሓቀኛ ምስክር ነፍሳት የድሕንሓሶት ዚዛረብ ግና ምጥባር ጥራይ እዩ።

26. ጽኑዕ እምንቶ ኣብ ምፍራህ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንደቁ ኸኣ ጸግዒ ይዀኖም።

27. ካብ ወጽመድ ሞት ከተምልጥሲፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ።

28. ምብዛሕ ህዝቢ ክብሪ ንጉስ እዩ፡ ምውሓድ ህዝቢ ግና ጥፍኣት መስፍን እዩ።

29. እቲ ንዅራ ደንጓዪ ብዙሕ ኣእምሮ አለዎ፡ ኰራዪ ግና ዕሽነት ይገልጽ።

30. ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ፡ ቅንኢ ግና ነዕጽምቲ ቝንቍኔኡ እዩ።

31. እቲ ንድኻ ዚጭቍን ንፈጣሪኡ ይጸርፍንስኡን ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮ

32. ረሲእ ብእከዩ ይግምጠልጻድቕ ግና ኣብ ሞት እኳ ጸግዒ አለዎ።

33. ጥበብ ኣብ ልቢ ኣእምሮኛ ትሐድር፡ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ ዘሎ ግና ይግለጽ

34. ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፡ ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝብታት እዩ።

35. ሞገስ ንጉስ ንለባም ጊልያ እዩ፡ ቍጥዓኡ ግና ነቲ ዜነውር እዩ።