1. ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ቅኑዕ ሚዛን ግና ባህ የብሎ

2. ትዕቢት እንተ መጸውርደት ከኣ ይመጽእጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ።

3. ነቶም ቅኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም፡ ነቶም ጠለምቲ ግና ልግሞም የጥፍኦም

4. ብመዓልቲ ቝጥዓ ሃብቲ ኣይጠቅምን፡ ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ

5. ንፍጹም ሰብ እቲ ጽድቁ መገዲ የቕንዓሉንረሲእ ግና ረሲእነቱ የውርቖ

6. ነቶም ቅኑዓት ጽድቆም የናግፎም፡ ነቶም ጥለምቲ ግና ክፍኣቶም ይሕዞም

7. ረሲእ እንተ ሞተተስፋኡ ይጠፍእ፡ ትጽቢት ክፉኣትውን ይጠፍእ

8. ጻድቕ ካብ ጸበባ ይድሕንረሲእ ድማ ኣብ ክንዳኡ ይኸውን።

9. እቲ ግቡዝ ንብጻዩ ብኣፉ የጥፍኦጻድቃን ግና ሳላ ፍልጠት ይናገፉ

10. ጻድቃን ጽቡቕ እንተ ረኸቡከተማ ትሕጐስረሲኣን እንተ ጠፍኡ ኸኣ እልልታ ይኸውን።

11. ከተማ ሳላ በረኸት ቅኑዓት ልዕል ትብልብኣፍ ረሲኣን ግና ትግልበጥ

12. እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ኣእምሮ የብሉንለባም ግና ስቕ ይብል

13. እናሐመየ ዚዘውርሲ ምስጢር ይቐልዕ፡ እቲ እሙን ልቢ ዘለዎ ግና ንነገር ይስውሮ

14. ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ

15. ንጓና ዚወሐስ መከራ ይመጾ፡ ውሕስነት ዚጸልእ ግና ህዱእ እዩ

16. ውቅብቲ ሰበይቲ ኽብረት ትረክብሓያላት ከኣ ሃብቲ ይረኽቡ

17. ርሕሩሕ ሰብ ንነፍሱ ጽቡቕ ይገብረላጨካን ግና ንብገዛእ ስጋኡ ይጐድኦ

18. ረሲእ ዜታልሎ እቶት የእቱጽድቂ ዚዘርእ ግና ኡነተኛ ውሬታ አለዎ።

19. ጽድቂ ናብ ህይወት ይመርሕንኽፉእ ዚስዕብ ግና ሞት የዳሉ

20. እቶም ጠዋይ ዝልቦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም፡ እቶም ብመገዶም ፍጹማት ግና የሐጕስዎ

21. ኢድ ንኢድ፡ እቲ ሕሱም ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ ዘርኢ ጻድቃን ግና ኬምልጡ እዮም።

22. መልክዔኛ ሰበይቲ ብዘይ ኣእምሮስ፡ ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ እተሰቝረ ቐለቤት ወርቂ እያ።

23. ድልየት ጻድቃን ሰናይ ጥራይ እዩ፡ ትጽቢት ረሲኣን ግና መዓት እዩ።

24. ገለ ይብትን እሞ ይውሰኸሉ። ገለ ኸኣ ብዘይግባእ ይቝጥብ፡ ኣዝዩ ኸኣ ይነዲ

25. ለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ፡ እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ

26. ነቲ እኽሉ ዚዐቍር ሰብ ህዝቢ ይረግሞበረኸት ግና ርእሲ እቲ እኽሉ ዚሸይጥ ይዐስል።

27. ሰናይ ዚደሊ ሞገስ ይደሊእከይ ዚደሊ ግና ኪመጾ እዩ።

28. ብሃብቱ ዚእመን ይወድቕጻድቃን ግና ከም ቈጽሊ ይልምልሙ

29. እቲ ንቤት ዚገላብጥሲ ንፋስ ይወርስዓሻ ኸኣ ነቲ ጥበበኛ ዝልቡ ባርያኡ ይኸውን።

30. ፍረ ጻድቕ ኦም ህይወት እዩ። ጥበበኛ ኸኣ ነፍሳት ይረብሕ

31. እንሆ፡ እቲ ጻድቕሲ ኢዱ ኣብ ምድሪ ይፍደ፡ እቲ ረሲእን ሓጥእን ደኣ ኽንደይ ዝገደደ።