1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንዅሉ ለምጻምን ንዅሉ ጀጋልን ብሬሳ ንዝረኸሰ ዅሉን ካብ ሰፈር ኬውጽኡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም

3. ተባዕታይ ኰነ ኣንስተይቲ ኣውጽእዎም፡ ነቲ ኣብ ማእከሉ ዝሐድሮ ዘሎኹ ሰፈሮም ከየርክሱ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽእዎም

4. ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽእዎም፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎደቂ እስራኤል ከምኡ ገበሩ

5. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

6. ንደቂ እስራኤል በሎምሰብኣይ ወይ ሰበይቲሰብ ካብ ዚገብሮ ሓጢኣት ኲሉ ብምግባሩ ንእግዚኣብሄር ምስ ዚዕግብ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ በዳሊት ኰነት፡

7. ሽዑ በቲ ዝገበርዎ ሓጢኣቶም ይናዘዙ፡ እቲ ዝበደሎ ብመልኡ ይምለሶ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሕምጻኡ ይወስኽ፡ ነቲ ዝበደሎ ኸኣ ይሀቦ።

8. እቲ እተበደለ ነቲ ዚምለሶ ገንዘብ ዚወርሶ ዜብሉ እንተ ዀነ፡ እቲ ዚምለስ ገንዘብ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ብጀካ እቲ ንሱ ዚዕረቐሉ ድዑል መተዓረቒ ንኻህን ይኹን።

9. ኲሉ ዚለዐል መስዋእቲ ደቂ እስራኤል ካብ ኲሉ ቅዱስ ነገር ናብ ካህን ዜምጽእዎ ንእኡ ይኹን።

10. ዝዀነ ሰብ ዝቐደሶ ነገር ንእኡ ይኹን፡ ሰብ ንኻህን ዚህቦ ዘበለ ንእኡ ይኹን።

11. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

12. ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ንሰብኣይ ሰበይቱ እንተ ጠለመቶዓገብ ከኣ እንተ ዐገበቶ

13. ካልእ ሰብአይ ምስኣ ደቂሱ ድማ ብስጋ እንተ ተራኸባ፡ እዚ ኸኣ ካብ ዓይኒ ሰብኣያ እንተ ተኸወለብሕቡእ እንተ ረኸሰትምስክር ድማ እንተ ዘይተረኽባ፡ ኣብቲ ግብሪውን እንተ ዘይተታሕዘት፡

14. መንፈስ ቅንኣት ድማ እንተ መጾ፡ ንሳ ብምርካሳ ኸኣ ብሰበይቱ እንተ ቐንኤ፡ ወይ ንሳ ኽይረኸሰት ከላ፡ መንፈስ ቅንኣት እንተ መጾብሰበይቱ ድማ እንተ ቐንኤ፡

15. ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቱ ናብ ካህን የምጽኣያ፡ ብዛዕባኣ ኸኣ ዓስራይ ኢድ ኤፋ ሓርጭ ስገም ንመስዋእቲ የምጽእ። ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ፡ ክፍኣት ዜዘክር መስዋእቲ ብልዒ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይከዐዎዕጣንውን ኣይገበሮ።

16. እቲ ኻህን ድማ ኣቕሪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ።

17. እቲ ኻህን ድማ ብኣቕሓ መሬት ገይሩ ቅዱስ ማይ ይውሰድ፡ ካብቲ ኣብ ምድርቤት ማሕደር ዘሎ ሓመድ ወሲዱ ኸኣ ኣብቲ ማይ ይግበር

18. እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኣቢሉ ድማ ርእሲ እታ ሰበይቲ ይቕላዕ፡ ነቲ መስዋእቲ ብልዒ ምዝካር፡ ንሱ ኸኣ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ፡ ኣብ ኢዳ የንብሮ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣብ ኢዱ ይሐዝ

19. እቲ ኻህን ድማ የምሕላ፡ ነታ ሰበይቲ ኸኣ ይበላሰብኣይ እንተ ዘይደቀስኪኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ዘይረኸስኪ እንት ዄንኪ፡ እዚ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣይጕዳእኪ

20. ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ረኺስኪ እንተ ዄንኪ ግና፡ ብጀካ ሰብኣይኪ ኻልእ እንተ ደቂሱኪ

21. ሽዑ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ብማሕላ መርገም የምሕላእቲ ኻህን ድማ ነታ ሰበይቲእግዚኣብሄር ንሰለፍኪ ብምውዳቑንኸብድኺ ድማ ብምንፋሑእግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ

22. ንኸብድኺ ኺነፍሕ ንሰለፍኪ ኸኣ ኬውድቕ፡ እዚ መርገም ዜምጽእ ማይ እዚ ናብ ውሽጥኺ ይእቶይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ኣሜን ኣሜን፡ ትበል።

23. እቲ ኻህን ከኣ ነዚ መርገም እዚ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፎ፡ በቲ መሪር ማይ ከኣ ይደምስሶ

24. ነታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ የስትያ፡ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ ድማ ይአትዋ እሞ ኪመራ እዩ።

25. እቲ ኻህን ድማ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፡ ነቲ መስዋኣቲ ብልዒ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚብሄር ይወዝውዞ፡ ናብ መሰውኢውን የቕርቦ

26. እቲ ኻህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ ብልዒ ንመዘከርታ ምሉእ ኢድ ወሲዱ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ድሕሪ እቲ ነታ ሰበይቲ እቲ ማይ የስትያ

27. ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ ኸኣ፡ ኪኸውን እዩ፡ ንሳ ረኺሳ፡ ንሰብኣያ ድማ ዓገብ ዐጊባቶ እንተ ዀይና፡ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ አትዩ ኺመራ እዩ፡ ከብዳ ኸኣ ይንፋሕሰለፋውን ይወድቕ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ ማእከል ህዝባ መራገሚ ትኸውን።

28. እታ ሰበይቲ ዘይረኸሰት፡ ንሳ ንጽህቲ እንተ ዀይና ኸኣ፡ ሓራ ውጽእቲ እያ፡ ዘርኢ ኸኣ ትረክብ

29. ሕጊ ቕንኣት እዚ እዩ፡ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ሰብኣያ ኸላ ጠሊማቶ ምስ እትረክስ

30. ወይ ንሰብኣያ መንፈስ ቅንኣት እንተ መጾብሰበይቱ ኸኣ እንተ ቐንኤ፡ ሽዑ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ፡ እቲ ኻህን ድማ እዚ ሕጊዚ ብዘሎ ይግበረላ

31. እቲ ሰብኣይ ከኣ ካብ ክፍኣት ንጹህ ይኸውን፡ እታ ሰበይቲ እቲኣ ድማ ክፍኣታ ትጸውር