1. ኣዋልድ ጸሎፎሓድ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልኣድ ወዲ ማኪር ወድ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ከኣ ቀረባስም እተን ኣዋልዱ ድማ እዚ ነበረ፡ ማሕላኖዓሖግላሚልካቲርጻ

2. ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ኲሉ ኣኼባን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢለን

3. ኣቦና ኣብ በረኻ ሞተ፡ ንሱ ኸኣ ብሓጢኣቱ ሞተ እምበር፡ ኣብ ማእከል እቶም በቲ ኣኼባ ቆራሕ ናብ ልዕሊ እግዚኣብሄር እተአከቡ ኣይነበረንኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን

4. ወዲ ስለ ዘይነበሮስስለምንታይ ስም ኣቦና ኻብ ማእከል ዓሌቱ ዚጠፍእ፡ ኣብ ማእከል ሓወቦታትና ርስቲ ሀበና፡ በላ።

5. ሙሴ ድማ እቲ ነገረን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበ

6. እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

7. ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተዛረባኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ማእከል ሓወቦታተን ርስቲ ሀበንእቲ ርስቲ ኣቦኤን ናባታተን ኣሕልፎ

8. ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምሰብወዲ ኸይሐደገ እንተ ሞተእቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ

9. ጓል እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ነሕዋቱ ሀብዎም

10. ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሀብዎም

11. ኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ድማ፡ እቲ ርስቱ ኻብ ዓሌቱ ንዚቐርቦ ዘመዱ ሀብዎ፡ ንሱ ይውረሶ። እዚ ኸኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ንደቂ እስራኤል ሕጊ ፍርዲ ይኹን።

12. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብዚ ኸረን ዓባሪም ደይብ፡ እታ ንደቂ እስራኤል ዝሀብክዎም ምድሪ ኸኣ ርኣያ

13-14. ምስ ርኤኻያ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ በረኻ ጺን ኪቋየቘኒ ኸሎ፡ ኣብቲ ማይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከይትቕድሱኒንቓለይ ስለ ዝዐሎኹም፡ ከምቲ ኣሮን ሓውካ እተአከበ፡ ንስኻውን ከምኡ ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ። - እዚ ኣብ ቃዴስ ኣብ በረኻ ጺን ዝነበረ ማይ መሪባ እዩ። -

15. ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ

16-17. እቲ ኣኼባ እግዚኣብሄር ጓሳ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ከይኸውንሲ፡ ኣብ ቅድሚኦም ዚወጽእን ኣብ ቅድሚኦም ዚኣቱንዜውጽኦምን ዜእትዎምንእግዚኣብሄርኣምላኽ መናፍስቲ ዅሉ ስጋኣብ ልዕሊ እዚ ኣኼባ እዚ ዚኸውን ሰብኣይ ይመድብ

18. እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ በሎእያሱ ወዲ ነዌመንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ፡ ናባኻ ውሰድኢድካ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር

19. ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባን ከኣ ደው ኣብሎኣብ ቅድሚኦም ድማ ኣዝዞ

20. ኲሉ ኣኬባ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ኺእዘዞ ኸኣ፡ ካብ ግርማኻ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር

21. ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ደው ይበል፡ ንሱ ኸኣ ብፍርዲ ኡሪም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕተተሉ። ንሱን ኲሎም ደቂ እስራኤልን ኲሉ እቲ ኣኼባን ከኣ ምስኡ ብቓሉ ይውጽኡ። ብቓሉ ድማ ይእተዉ

22. ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረንእያሱ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባን ደው ኣበሎ

23. ንሱ ኸኣ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ እተዛረቦ ድማ ኣዘዞ