1. እቲ ኣብ ደቡብ ዚነብር ንጉስ ኣራድ ከነኣናዊእስራኤል ብመገዲ ኣታሪም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔምስ እስራኤል ተዋግኤካባታቶም ከኣ ገለ ምርኮ ማረኸ

2. ሽዑ እስራኤልእዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካንስከተማታቶም ክሐርመን እየኢሉ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ ተመባጽዔ

3. እግዚኣብሄር ድማ ቃል እስራኤል ሰምዔንከነኣናውያን ከኣ ኣብ ኢዶም ሀቦምንኣታቶምን ንኸተማታቶምን ድማ ሐረምዎምስም እታ ቦታ ኸኣ ሖርማ ተባህለት

4. ካብ ከረን ሆር ንምድሪ ኤዶም ኪዞሩ ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጓዕዙነፍሲ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብመገዲ ዓቕሊ ኣጽበበት

5. እቲ ህዝቢ ድማኣብዚ እንጌራ የልቦንማይ ድማ የልቦንነዚ ፈኲሽ እንጌራ ኸኣ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ፡ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ኢሎም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ

6. እግዚኣብሄር ከኣ ዚነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደነቲ ህዝቢ ድማ ነኸስዎካብ እስራኤል ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ

7. ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦምኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርናነዞም ኣትማን ኬርሕቐልና ንእግዚኣብሄር ለምነልና፡ በሉ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ

8. እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴዚነድድ ተመን ንኣኻ ግበርኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ፡ ኪሓዊ እዩ።

9. ሙሴ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ገበረኣብ ባላውን ሰቐሎ። ኰነ ኸኣ፡ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዚጥምት ይሐዊ ነበረ

10. ደቂ እስራኤል ድማ ተጓዕዙ፡ ኣብ ኦቦት ከኣ ሰፈሩ

11. ካብ ኦቦት ተጓዒዞም ድማኣብ መንጽር ሞኣብ ብሸነኽ ምብራቕ ኣብ ዘሎ በረኻ ኣብ ዒየ-ዓባሪም ሰፈሩ

12. ኣብኡ ተጓዒዞም ከኣኣብ ለሰ ዘሬድ ሰፈሩ

13. ካብኡ ተጓዒዞም ድማኣብ ማዕዶ እቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ኻብ ዶብ ኣሞራውያን ዚወጽእ ኣርኖን ሰፈሩኣርኖን ከኣ ኣብ መንጎ ሞኣብን ኣሞራውያንን ዘሎ ዶብ ሞኣብ እዩ

14. ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር ተባሂሉ እዩዋሄብ ኣብ ሱፋ ለሴታት ኣርኖን ከኣ፡

15. ናብቲ ዓር እትነብረሉ ዜብልቊልቊለት ለሴታት ድማናብ ዶብ ሞኣብውን ዚጽጋዕ

16. ካብኡ ድማ ናብ ቤዔር ተጓዕዙእቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ንሙሴነቲ ህዝቢ ኣክቦ ኣነውን ማይ ክህቦም እየ፡ ዝበሎ ዔላ ንሱ እዩ

17. ሽዑ እስራኤል እዚ መዝሙር እዚ ዘመረኣታ ዔላፈልፍል፡ ንእኡ ዘምሩሉ

18. እቲ ሹማምቲ ዝዀዐትዎኣውራታት ህዝቢ፡ ብዘንጊ መንግስቲ፡ በባትሮም ዘጐድጐድዎ ዔላካብ በረኻ ድማ ናብ ማታና

19. ካብ ማታና ኸኣ ናብ ናሓሊኤል፡ ካብ ናሓሊኤል ድማ ናብ ባሞት

20. ካብ ባሞት ከኣ ናብቲ ኣብ መሮር ሞኣብ ዘሎ ለሰ፡ ናብቲ ናብ በረኻ ዚርኢ ርእሲ ጲስጋ ተጓዕዙ።

21-22. እስራኤል ድማ ናብ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንብምድርኻ ኣሕልፈኒ፡ ናብ ግርሁን ናብ ወይንን ኣይነግልስንማይ ዔላውን ኣይንሰትንዶብካ ኽሳዕ እንሐልፍ ብጐደና ንጉስ ንኸይድኢሉ ልኡኻት ሰደደ

23. ሲሆን ከኣ እስራኤል ብዶቡ ኺሐልፍ ኣይፈቐደን እሞ ሲሆን ኲሉ ህዝቡ ኣኪቡ ንእስራኤል ኪቃባበሎም ናብ በረኻ ወጸ፡ ናብ ያሃጽ መጺኡ ኸኣ ምስ እስራኤል ተዋግኤ

24. እስራኤል ግና ብስሕለት ሴፍ ወቕዖምድሩ ኸኣ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፡ ክሳዕ ደቂ ኣሞን ወረሰዶብ ደቂ ኣሞን ግና ጽኑዕ ነበረ።

25. እስራኤል ድማ ንዅለን እተን ከተማታት እቲኤን ሐዘን፡ እስራኤል ከኣ ኣብ ኲለን ከተማታት ኣሞራውያን፡ ኣብ ሔስቦንን ኲለን ዓድታታን ተቐመጠ

26. ሔስቦን ከተማ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ነበረት እሞ፡ ንሱ ምስቲ ቕድም ዝነበረ ንጉስ ሞኣብ ተዋጊኡ፡ ንብዘላ ምድሩ ኽሳዕ ኣርኖን ካብ ኢዱ ወሲድዋ ነበረ።

27. ስለዚ እቶም መሰልቲ ይብሉ፡ ናብ ሔስቦን ንዑከተማ ሲሆን ትነደቕን ትተዐረድን

28. ካብ ሔስቦን ሓዊ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ካብ ከተማ ሲሆን ድማ ሃልሃልታ፡ ንሱ ንዓር ናይ ሞኣብን ነቶም ጐይተት በረኽቲ ኣርኖንን በልዔ

29. ሞኣብ ወይለኻኣታ ህዝቢ ከሞሽ ጠፋእካኣወዳቱ ንምህዳምኣዋልዱ ኸኣ ንምርኮንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ሀቦ

30. ንሕና ወርወርናሎምሔስቦን ክሳዕ ዲቦን ጠፍኤት። ክሳዕ ኖፋሕ፡ ክሳዕ ሜድባ ዚበጽሕ ኣዐኖና

31. በዚ ኸምዚ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኣሞራውያን ተቐመጠ

32. ሙሴ ድማ ናብ ያዕዘር ዚስልዩ ሰደደዓድታታውን ሐዙ። ኣብኡ ንዝነበሩ ኣሞራውያን ከኣ ኣውጽእዎም

33. ተመሊሶም ድማ ብመገዲ ባሳን ደየቡኦግ ንጉስ ባሳን ከኣ፡ ንሱን ኲሉ ህዝቡን ናብ ኤድረይ ኪዋጋእን ኪቃባበሎምን ወጸ

34. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንእኡን ንዅሉ ህዝቡን ምድሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮ። ከምቲ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፡ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ፡ በሎ

35. ንሳቶም ድማ ንእኡን ንደቁን ንዅሉ ህዝቡንሓደ እኳ ኽሳዕ ዘይተርፎወቕዕዎምድሩ ድማ ወረሱ