1. እቲ ህዝቢ ድማ ከም ኣጕረምረምቲ ዀነ፡ እዚ ኸኣ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ተሰምዔ። እግዚኣብሄር ምስ ሰምዖ ድማ ኲራኡ ነደደሓዊ እግዚኣብሄርውን ኣባታቶም ሃልሃል በለ፡ ነቶም ኣብ ወሰን ሰፈር ዝነበሩ ኸኣ በልዖም።

2. እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ሙሴ ኣእወዩሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ለመነእቲ ሓዊ ኸኣ ጠፍኤ

3. ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኦም ስለ ዝነደደ ድማ፡ እታ ቦታ እቲኣ ታብዔራህ ተባህለት

4. ነቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበረ ሕውስዋስ እኽብካብ ህዝቢ ታፍላ ሐዞደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም በኸዩ በሉ ኸኣእንበልዖ ስጋ መን ይህበና

5. እቲ ኣብ ግብጺ ብኸምኡ ዝበላዕናዮ ዓሳዱባን ብርጭቕን ሽጕርቲ ቓንጫን ቀይሕ ሽጕርትን ጻዕዳ ሽጕርትን ዘከርና

6. ሕጂ ግና ገለ እኳ የልቦን፡ ብጀካ ማና እንርእዮ የብልናን እሞ፡ ነፍስና ነቐጸት

7. እቲ ማና ኸእ ከም ፍረ ጻቕዳ ነበረ፡ ትርኢቱ ድማ ከም ትርኢት ዕንዲዳ ነበረ።

8. እቶም ህዝቢ እናዞሩ ይኣርይዎ ነበሩ፡ ብመጥሓን ድማ ይጥሕንዎ ወይ ብመጉእ ይጎድእዎኣብ ቍራዕ ኣብሲሎም ከኣ ቅጫ ይገብርዎ ነበሩ ጣዕሙውን ከም ብዘይቲ እተገብረ ቅጫ ይጥዕም ነበረ።

9. ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ኣውሊ ብለይቲ ምስ ዚወድቕማና ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ይወርድ ነበረ።

10. ሙሴ ድማእቶም ህዝቢ በብዓሌቶም ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣኣፍ ድንኳኑ ኺበኽዩ ሰምዔኵራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ነደደ፡ እዚ ድማ ኣብ ዓይኒ ሙሴ ኽፉእ ኰይኑ ተራእየ

11. ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ ስለምንታይ ንባርያኻ ኽፉእ ገበርካኒጾር ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ርእሰይ ዘምበርካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩ

12. መጕዚት ንዚጠቡ ሕጻን ከም እትጸውር፡ ክሳዕ ናብታ ነቦታቶም ዝመሐልካሎም ምድሪ ኣብ ሕቚፍኻ ጹሮም፡ እትብለንስ፡ ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ኣነዶ ጠኒሰዮ፡ ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ፧

13. እናበኸዩእንበልዕ ስጋ ሀበና ይብሉኒ አለዉ። ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ዝህቦ ስጋኸካበይ ክረኽቦ እየ፧

14. እምብዛ ኸቢዱኒ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣነ በይነይ ክጾሮ ኣይክእልን እየ

15. ከምዚ ትገብረኒ ኻብ ኰንካ፡ ነቲ መከራይ ከይርኢኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ብሓደ ኣፊቱ ቕተለኒ።

16. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎካብ ዓበይቲ እስራኤል ካብቶም ኣብ ህዝቢ ዓበይትን ሓለቓታትን ከም ዝዀኑ ንስኻ እትፈልጦምሰብዓ ሰብኣይ ኣክበለይናብ ድንኳን ምርኻብ ውሰዶም፡ ኣብኡ ምሳካ ደው ኣብሎም

17. ወሪደ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ክወስድ እየ፡ ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከንብር እየ፡ ንስኻ በይንኻ ኸይትጸሮ ድማ፡ ጾር እቶም ህዝቢ ምሳኻ ኺጾሩ እዮም።

18. ነዚ ህዝቢ ድማ በሎንጽባሕ ተቐደሱስጋ ኽትበልዑ ኢኹም። እንበልዖ ስጋ መን ኪህበና እዩኣብ ግብጺ ጽቡቕ ነበርና እናበልኩምምብካይኩም ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ተሰሚዑ እዩ እሞ፡ እምበኣር እግዚኣብሄር ስጋ ኺህበኩም እዩ እሞ ክትበልዑ ኢኹም

19. ሓደ መዓልቲ ኣይኰነን ወይ ክልተ መዓልቲ ወይ ሓሙሽተ መዓልቲ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ወይ ዕስራ መዓልቲ ኣይኰነን እትበልዑ

20. ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዚወጽእ እሞ ክሳዕ እትመንውዎወርሒ ምሉእ እምበር፡ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕኩምዎን ስለምንታይ ካብ ግብጺ ወጻእና፧ እናበልኩም ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበኼኹምን እዩ።

21. ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ኣነ ኣብ ማእከሉ ዘሎኹ ህዝቢ ሹድሽተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋራይ እዩ፡ ንስኻ ኸኣ፡ ወርሒ ምሉእ ዚበልዕዎ ስጋ ኽህበኩም እየትብል አሎኻ

22. ንኣታቶም ዚአክል ጤለበጊዕን ኣሓንዶ ኺሕረድ እዩ፧ ወይ ንኣታቶም ኪኣክልሲ ዅሉ ዓሳ ባሕርዶ ኺእከብ ኰይኑ፧ በለ።

23. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴኢድ እግዚኣብሄርዶ ሓጻር እያሕጂ እቲ ቓለይ ዚዀነልካ እንተ ዀይኑ ወይ ዘይኰነልካ፡ ክትርኢ ኢኻበሎ

24. ሙሴ ድማ ወጺኡ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ነቲ ህዝቢ ነገሮካብቶም ዓበይቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰብኣይ ኣኪቡኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ደው ኣበሎም።

25. እግዚብሄር ከኣ ብደበና ወሪዱ ንእኡ ተዛረቦ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መንፈስ ወሰደ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብዓ ዓበይቲ ኣንበረ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ዐረፈ፡ ተነበዩ፡ ግናኸ ኣይደገምዎን

26. ክልተ ሰብኣይ ድማ፡ ስም እቲ ሓደ ኤልዳድስም እቲ ኻልኣይ ከኣ ሜዳድ ዚብሀሉ፡ ኣብ ሰፈር ተሪፎም ነበሩ፡ ንሳቶም ካብቶም ጽሑፋት ነበሩ፡ ናብ ድንኳን ግና ኣይከዱን ነበሩ፡ እቲ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ዐረፈኣብ ሰፈር ከኣ ተነበዩ

27. ሽዑ ሓደ ጐበዝ ጐይዩኤልዳድን ሜዳድን ኣብ ሰፈር ይንበዩ አለዉኢሉ ንሙሴ ነገሮ

28. እያሱ ወዲ ነዌ፡ ካብ ንእሽቶኡ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ፡ ጐይታይ ሙሴ፡ ከልክሎምኢሉ መለሰ

29. ሙሴ ግና፡ ንስኻዶ ስለይ ቀኒእካ ኢኻ፧ እግዚኣብሄር መንፈሱ ኣብ ልዕሊኦም እንተ ዜንብር፡ ኲሎም ህዝቢ እግዚኣብሄር ከኣ ነብያት እንተ ዚዀኑ መን ምሀበ፡ በሎ

30. ሙሴ ድማንሱን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ናብ ሰፈር ተመልሱ

31. ካብ እግዚኣብሄር ድማ ንፋስ ወጸካብ ባሕሪ ኸኣ ብርኒጎታት ኣምጺኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር፡ መገዲ መዓልቲ ዚአክል በዚመገዲ መዓልቲ ድማ በቲኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣውረዶ፡ ምብራኹ ኸኣ ካብ ምድሪ ንላዕሊ ኣስታት ክልተ እመት ነበረ

32. እቲ ህዝቢ ድማ ተንስኤ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ብመልኣን ለይቲ ብመልኣን ንጽብሒታውን መዓልቲ ብመልኣ ብርኒጎታት ኣከበእቲ ዘውሐደ ዓሰርተ ሆሜር ኣከበ፡ ኣብ ዙርያ ዅሉ ሰፈር ከኣ ሰጥሕወን

33. እቲ ስጋ ገና ኣብ ኲርምቶም ከሎ ኸይሔኽዎ ኸኣኲራ እግዚኣብሄር ኣብቶም ህዝቢ ነደደእግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ኣዝዩ ብዝበርትዔ መቕዘፍቲ ወቕዖም

34. ነቶም ታፍላ ዝሐዞም ህዝቢ ኣብአ ቐቢሮምዎም እዮም እሞእታ ቦታ እቲኣ ቂብሮት-ሃታኣባ ተባህለት

35. እቶም ህዝቢ ኻብ ቂብሮት-ሃታኣባ ንሓጸሮት ተጓዕዙ፡ ኣብ ሓጸሮት ከኣ ሰፈሩ።