1. እቶም ምስ ዙሩባቤልወዲ ሸኣልቲኤልን ምስ እያሱን ዝደየቡ ኻህናትን ሌዋውያንን እዚኣቶም እዮም፡ ሰራያኤርምያእዝራ

2. ኣማርያማሉክሓጡሽ

3. ሸካንያሬሑመሬሞት

4. ዒዶጊንቶይኣቢያ

5. ሚያሚንማዕድያቢልጋ

6. ሸማዕያዮያሪብየዳዕያ

7. ሳሉዓሞቅሒልቂያየዳዕያ። እዚኣቶም ብዘመን እያሱ፡ ናይ ካህናትን ናይ ኣሕዋቶምን ሓላቑ ነበሩ።

8. ሌዋውያን ድማ፡ እያሱቡኑኢቃድሚኤልሸረብያይሁዳማታንያ፡ ንሱን ኣሕዋቱንመራሕቲ መዝሙር ምስጋና።

9. ኣብ መንጽሮም ድማ ኣሕዋቶም ባቅቡቅያን ዑኒን ኣብ ሐሓለዋኦም ነበሩ።

10. እያሱ ኸኣ ንዮያቂም ወለደ፡ ዮያቂም ድማ ንኤልያሺብ ወለደ፡ ኤልያሺብ ከአ ንዮያዳዕ ወለደ

11. ዮያዳዕ ድማ ንዮናታን ወለአዮናታን ከአ ንያዱዓ ወለደ

12. ብዘመን ዮያቂም ከአ እቶም ካህናት ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሰራያ መራያ፡ ካብ ኢርምያ ሓናንያ

13. ካብ እዝራ መሹላም፡ ካብ ኣማርያ ዮሓናን

14. ካብ መሊኩ ዮናታን፡ ካብ ሸባንያ ዮሴፍ

15. ካብ ሓሪም ዓድና፡ ካብ መርዮይ ሔልቃይ

16. ካብ ዒዶ ዘካርያስ፡ ካብ ጊንቶን መሹላም

17. ካብ ኣቢያ ዚክሪ፡ ካብ ሚንያሚን፡ ካብ ሞዓድያ ጲልጣይ

18. ካብ ቢልጋ ሻሙዓ፡ ካብ ሸማዕያ ይሆናታን

19. ካብ ዮያሪብ ድማ ማትናይ፡ ካብ የዳዕያ ዑዚ

20. ካብ ሳላይ ቃላይ፡ ካብ ዓሞቅ ዔበር

21. ካብ ሒልቂያ ሓሻብያ፡ ካብ ይዳዕያ ንታንኤል

22. እቶም ሌዋውያን ብዘመን ኤልያሺብን ዮያዳዕ ዮሓናን ያዱዓን ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ኮይኖም ተጻሕፉ፡ እቶም ካህናት ድማ ብዘመን መንግስቲ ዮርዳኖስ ብዓል ፋርስ ተጻሕፉ።

23. እቶም ደቂ ሌዊ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ክሳዕ ዘመን ዮሓናን ወዲ ኤልያሺብ ኣብቲ መጽሓፍ ዜና መዋእል ተጻሕፉ

24. ሓላቑ እቶም ሌዋውያን ከአ ሓሻብያሸረብያእያሱ ወዲ ቃድማኤል ምስ ኣሕዋቶም ኣብ መንጽሮም ኮይኖም፡ ከምቲ ትእዛዝ ዳዊት፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብይውድሱን የመስግኑን ነበሩ።

25. ማታንያን ባቅቡቅያን ዓብድያመሹላምጣልሞን ዓቁብ፡ እዚኣቶም ሓለውቲ ደገ ኾይኖም ኣፍ ደገ እቲ መዛግብቲ ይሕልው ነበሩ።

26. እዚኣቶም ብዘመን ዮያቂምወዲ እያሱ ወዲ ዮጻዳቅን ብዘመን መስፍንን ነህምያን እዝራ እቲ ኻህንን ጸሓፍን ነበሩ።

27. ብምቕዳስ እቲ መካበብያ ዮርሳሌም ድማ፡ ምእንቲ ብምስጋናን ብመዝሙርን ብጸናጽልን ብመሰንቆን ብበገናን ገይሮም ብሓጐስ ኪቕድስዎ፡ ነቶም ሌዋውያን ካብ ኵሉ ቦታኦም ናብ ዮርሳሌም ኬምጽእዎም ደለይዎም

28-29. እቶም ዘመርትስ ኣብ ከባቢ ዮርሳሌም ዓድታት ሰሪሖም ነበሩ እሞ፡ ደቂ እቶም ዘመርቲ ኻብቲ ጎልጎል ከባቢ ዮርሳሌምን ካብ ዓድታት ነጦፋታውያንን ካብ ቤት ጊልጋልን ካብ ምድሪ ጌባዕን ዓዝማዌትን ተአከቡ።

30. እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ጸንዑ። ነቲ ህዝብን ንደጌታትን ነቲ ቖጽርን ከአ ኣንጽህዎ

31. ንሓላቑ ይሁዳ ድማ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኣደየብክዎምዜመግኑ ኸኣ ክልተ ዓበይቲ ታራ ኣቖምኩ፡ እቶም ሓደ ታራ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ደገ መጉሓፊ ብሸነኽ የመን ከዱ

32. ብድሕሪኦም ሆሻዕያ ኸደሓላቑ ይሁዳ ኸኣ ፈረቓኦም ከዱ፡

33. ኣዛርያን እዝራን መሹላምን

34. ይሁዳን ብንያምን ሸማዕያን ኤርምያስን

35. ካብ ደቂ ኻህናት ድማ መለኸቶም ሒዞም፡ ዘካርያስ ወዲ ዮናታን፡ ወዲ ሸማዕያ፡ ወዲ ማታንያ፡ ወዲ ሚካያ፡ ወዲ ዛኩር፡ ወዲ ኣሳፍ

36. ኣሕዋቱ ድማ፡ ሸማዕያን ዓዛርኤልንሚላላይጊላላይማዓይንታንኤልን ይሁዳን ሓናኒን፡ ነቲ ናይ ዳዊት ናይ ኣምላኽ ሰብ መሳርያታት ሙዚክ ሒዞም፡ እዝራ እቲ ጸሓፊ ኸኣ ቀቅድሚኦም ነበረ።

37. ኣብ መንጽሮም ኣብ ዘሎ ደገ እቲ ዔላ፡ በቲ ንኸተማ ዳዊት ዜደይብ መሳልል፡ ኣብ ልዒ ቤት ዳዊት ዘሎ ናይ መካበብያ ዜደይብ መሳልል ክሳዕ እቲ ንምብራቕ ዜብል ደገ ማይ ደየቡ።

38. እቶም ካልኣይ ታራ ዜመስግኑ ኸኣ ኪራኸብዎም ናብ ካልኦት ወገን ኣቢሎም ይኸዱ ነበሩ። ኣነን ፈረቓ እቲ ህዝብን ድማ ካብ ግምቢ ኣቶም ክሳዕ እቲ ገፊሕ መካበብያ ብልዕሊ እቲ መካበብያ ጌርና ደድሕሪኦም ከድና።

39. ኣብ ልዕሊ እቲ ደገ ኤፍሬምን ብልዕሊ እቲ ኣረጊት ደገን እቲ ደገ ዓሳ ብግምቢ ሃናንኤልን ብግምቢ ሜኣን ክሳዕ ደገ ኣባጊዕ ከይዶም ድማ ኣብ ደገ ቤት ማእሰርቲ ቆሙ

40. እቶም ክልተ መስርዕ ዜመስግኑ ድማ ኣብ ቤት ኣምላኽ ቖሙ፡ ኣነ ከአ ምስ ፈረቓ እቶም ሹማምቲ

41. እቶም ካህናት ድማ፡ ኤልያቂምማዕሰያሚንያሚንሚካያኤልዮዔናይዘካርያስሓናንያመለኸት ሒዞም።

42. ምማዕሰያን ሸማዕያን ኣልኣዛርን ዑዚን የሆሓናን መልክያን ዔላምን ዔዘርን። እቶም ዘመርቲ ኸኣ ዓው ኢሎም ይዝምሩ ነበሩ፡ ይዝራሕያ ኸኣ መራሒኦም ነበረ።

43. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ዓብዩ መስዋእቲ ሰውኡኣምላኽ ዓብዩ ሓጐስ ኣሕጎስዎም እዩ እሞ፡ ደስ በሎም። እተን ኣንስትን እቶም ደቅን ከአ ተሓጎሱሓጐስ ዮርሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዔ

44. እቶም ኣይሁድ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን ርእዮም ተሓጎሱ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ዚለዐል መስዋእትታትን በኹራትን ዕሽርን ካብ ኵሉ ማሕረስ እተን ከተማታት ከምቲ ሕጊ ግደ ኻህናትን ሌዋውያንን ናብቲ ዚእከቡሉ ኽፍልታት ቤት መዛግብቲ ዚእክቡ ዋናታት ኣቖሙ

45. ንሳቶም ድማ ነቲ ሓለዋ ኣምላኾምን ነቲ ሓለዋ ጽሬትን ሐለዉ፡ እቶም ዘመርትን ሓለውትን ደጌታትን ከአ ከምኡ፡ ከምቲ ትእዛዝ ዳዊትን ሰሎምን ወዱን ገበሩ።

46. ቀደም ብዘመን ዳዊትን ኣሳፍንሲሓላቑ ዘመርቲ ነበሩ፡ ንኣምላኽ ድማ መዝሙር ውዳሴን ምስጋናን ነበረ።

47. ብዘመን ዘሩባቤልን ብዘመን ነህምያን ከኣ ብዘለዉ እስራኤል ነቶም ዘመርትን ሓለውቲ ደጊታትን ነንመዓልቲ ግዲኦም ሀብዎም። ንሌዋውያን ድማ ካብቲ እተቐደሰ ነገር ሀቡ። እቶም ሌዋውያን ከአ ካብቲ እተቐደሰ ነገር ንደቂ ኣሮን ሀቡ።