1. ዘረባ ነህምያ ወዲ ሓካልያ። ኮነ ድማ፡ ካብ መበል ዕስራ ዓመት ኣብ ወርሒ ከስለው፡ ኣነ ኣብ ግምቢ ሱሳን ነበኩ

2. ሓናኒ ሓደ ኻብ ኣሕዋተይን ገለ ሰብ ካብ ይሁዳን መጹ። ኣነ ድማ ብዛዕባ እቶም ዘምለጡን ካብ ምርኮ ዝተረፉ ኣይሁድን ብዛዕባ ዮርሳሌምን ሐተትክዎም

3. ንሳቶም ድማ፡ እቶም ዝደሐኑን እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉንኣብኡ ኣብታ ሃገርብብዙሕ መከራን ጸርፍን እዮም ዚነብሩ ዘለዉ፡ መከባብያ ዮርሳሌም ከአ ፈሪሱ ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ በሉኒ

4. ኮነ ድማእዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እነበኼኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጽውምን እጽልን ነበርኩ።

5. በልኩ ኸኣዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይዓብዩን መፍርህን ኣምላኽነቶም ዚፈትውኻን ትእዛዝካ ድማ ንዚሕልውን ኪዳንካን ምሕረትካን እትሕሉ

6. እቲ ንኣኻ ዝበደልናዮ ሓጢኣት ደቂ እስራኤል ዝእመኖ ዘሎኹ፡ ኣነን ቤት ኣቦይንሲ በዲልና ኢና እሞ እዚ ኣነ ባርያኻ ሕጂ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤልን ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝጽልዮ ዘሎኹ ጸሎትን ክትሰምዕ፡ በጃኻ ኣእዛንካ ጽን ይበላኣዒንትኻውን ይከፈታ

7. ንሕና ኣዚና ንኣኻ ዐጊብና እቲ ንባርያኻ ሙሴ ዛአዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ ኣይሐሎናዮን

8. በጃኻ እቲ ንባርያኻ ሙሴ ኸምዚ ኢልካ ዝአዘዝካዮ ዘክርእንተን በደልኩምኒ፡ ኣነ ኸኣ ናብ ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እየ

9. ናባይ እንተ ተመለስኩምን ትእዛዛተይ ከአ እንተ ሓሎኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፡ እቶም እተዘርዉኹምኣብ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ዚህልው፡ ካኡ ኽእክቦም እየ፡ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኺሓድር ዝሓሬኽዋ ቦታ ድማ ከምጽኦም እየ።

10. ንሳቶም ብዓብዩ ሓይልኻን ብጽንዕቲ ኢድካን እተበጀኻዮም ባሮትካን ህዝብኻን እዮም።

11. ዎ ጐይታይበጃኻ ጸሎት ባርያኻን ጸሎት እቶም ስምካ ብምፍራህ ዚፍስሁ ባሮትካን ስማዕ፡ በጃኻ፡ ሎሚ ንባርያኻ ኣቕንዓሉኣብ ቅድሚ እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ ንባርያኻ ምሕረት ሀቦ። - ኣነ ሽዑ ኣሰላፍ ሜስ ንጉስ ነበርኩ