1. ኣነ ኸምቲ ፍረ ቀውዒ ምስ ተቐንጠበን፣ ከምቲ ድሕሪ ምብታኽ ወይኒ ቐሪም ምስ ተቐረመን፣ ዚብላኦ ዘለላ ዜብለይ ኰይነ እየ እሞ፣ ወይለይ፣ እታ ነፍሰይ እተትምነየታ በዅሪ ፍረ በለስ እኳ የላን።

2. ጻድቕ ካብ ምድሪ ጠፍኤ፡ ኣብ ማእከል ሰብ ድማ ቅኑዕ የልቦን። ኵላቶም ንደም የድብዩነፍሲ ወከፍ ንሓዉ ብመርበብ ይሀድኖ

3. ተጠንቂቖም ኪገብርዎስ፡ ኣእዳዎም ንኽፉእ ድልዋት እየን። መስፍን፡ ሀቡኒ፡ ይብል፡ ፈራዲ ኸኣ ብረብሓ ይፈርድ፡ ዓብዪውን ህርፋን ነፍሱ ይዛረብ፡ በዚ ድማ ክፍኣት ይጕንጕኑ።

4. እቲ ካባታቶም ዝሔሸ ኸም ተዀርባ እዩ፡ እቲ ዝቐንዔ ኸኣ ካብ ሓጹር እሾዅ ይገድድ፡ እታ መዓልቲ ሓለውትኻ፡ እታ መዓትካመጸት፡ ሕጂ ኺሽበሩ እዮም።

5-6. ወዲ ነቦኡ ይንዕቖጓል ኣብ ልዕሊ ኣዲኣመርዓት ከኣ ኣብ ልዕሊ ሓማት ይለዐላንሰብ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ዀይኖም እዮም እሞ፣ ንብጻይ ኣይትእመንዎ፣ ብፈታዊ ድማ ኣይትተአመኑ፣ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ሕቝፍኻ እትዐርፍውን ደገ ኣፍካ ሐሉ

7. ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምትንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር አሎኹ፡ ኣምላኸይውን ኪሰምዓኒ እዩ።

8. ኣቲ ጸላኢተይ፣ እንተ ወደቕኩ ኽትንስእ እየ፣ ኣብ ጸልማት እንተ ተቐመጥኩውንእግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፣ ብኣይ ኣይትተሐጐሲ

9. ንእግዚኣብሄር በዲለዮ እየ እሞ፣ ንሱ ነገረይ ክሳዕ ዚህዘለይ ፍትሒውን ክሳዕ ዜውጽኣለይንቝጥዓኡ ክጽመሞ እየ። ናብ ብርሃን ኬውጽኣኒ እዩ፣ ጽድቁውን ክርኢ እየ።

10. ሽዑ እታ፣ ኣበይ አሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፣ ዝበለትሚ ጸላኢተይ ክትርእዮን ሓፍረት ክትክደንን እያ። ኣዒንተይ ኪርእያእ እየን፣ ሕጂ ኸም ጭቓ መገዲ ኽትርገጽ እያ።

11. እታ መከበብያኺ እትስርሕላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዶብ ኪርሕቕ እዩ።

12. በታ መዓልቲ እቲኣ ካብ ኣሶርን ካብ ከተማታት ግብጽን፡ ካብ ግብጺ ድማ ክሳኦ እቲ ርባ፡ ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፡ ካብ ከረንውን ክሳኦ ከረን ናባኺ ኺመጹ እዮም።

13. እታ ሃገር ግና ንምኽንያት እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ብሰሪ ፍረ ግብሮምን ክትባድም እያ።

14. ንህዝብካ፣ ነታ ኣብ ዱር፣ ኣብ ማእከል ቀርሜሎስ ንበይና እትነብር ዘላ መጓሰ ርስትካ ብበትርኻ ጓሲ። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን ኣብ ባሳንን ኣብ ጊልዓድን ጓስዩ

15. ከምቲ ካብ ሃገር ግብጺ ዝወጻእካለን መዓልታትተኣምራት ከርእዮም እየ።

16. ኣህዛብ ኪርእዩብሓይሎም ዘበለ ዅሉውን ኪሐንኩ እዮም። ኢዶም ኣብ ኣፎም ኬንብሩኣእዛኖም ኪጸሙ እዮም።

17. ከም ተመን ሓመድ ኪልሕሱ፣ ከም ለመምታ ምድሪ እናንቀጥቀጡ ኻብ ቤቶም ኪወጹራዕራዕ እናበሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺመጹ፣ ንኣኻውን ኪፈርሁ እዮም።

18. ከማኻ ዝበለ ኣምላኽኣበሳ ዚሐድግ፣ ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዜሕልፍ መን እዩ፣ ምሕረት እዩ ዚፈቱ እሞ፣ ኵራኡ ንዘለኣለም ኣይዐቍርን

19. መሊሱ ይርሕርሓልናንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግሩ ይረግጾ። ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ትድርብዮ

20. ንቲ ኻብ ዘመን ጥንቲ ጀሚርካ ነቦታትና ዝመሐልካሎምሓቂ ንያእቆብምሕረት ከኣ ንኣብርሃም ክትገብርረሎም ኢኻ።

Chap 6