1. እቲ እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ስምዑ፣ ተንስእ፣ ኣብ ቅድሚ ኣኽራን ፍረድ፣ ንዅድዅዶታት ከኣ ደሃይካ ኣስምዓዮም።
2. እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ነገር አለዎ፡ ምስ እስራኤል ድማ ኪካታዕ እዩ እሞ፡ ኣቱም ኣኽራን፡ ንስካትኩምውን ጽኑዓት መሰረት ምድሪ፡ ነገር እግዚኣብሄር ስምዑ።
3. ኣታ ህዝበይ፣ እንታይ ገይረካ እየ፡ ብምንታይከ ኣድከምኩኻ፡ እስኪ መስክረለይ።
4. ኣነ ካብ ሃገር ግብጺ ኣውጺኤካ፡ ካብ ቤት ባርናት ኣድሒነካ፡ ንሙሴን ኣሮንን ሚርያምን ከኣ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም እየ እሞ፡
5. ኣታ ህዝበይ፣ ጽድቂ እግዚኣብሄር ክትፈልጥሲ፣ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮ፣ በለዓም ወዲ ቤዖር ከኣ ዝመለሰሉ፣ ካብ ሺጢም ክሳዕ ጊጋል ዝኰነውን ዘክር።
6. ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ኽመጽእ፡ ከምይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ክሰግድ እየ፧ ዚሐርር መስዋእትን ኣባትይ ሓደ ዓመትን ከቕርብዶ ናብ ቅድሚኡ ኽመጽእ እየ፧
7. እግዚኣብሄር በሽሓት ደዓውልን በእላፋት ወሓይዝ ዘይትን ባህ ይብሎ እዩ፡ ስለ በደለይ በዅሪ ወደይ፣ ስለ ሓጢኣት ነፍሰይ ከኣ ፍረ ኸርሰይዶ ኸውፊ እየ፧
8. ኣታ ሰብ፣ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፣ እግዚኣብሄርሲ፣ ቅንዕና ኽትገብር፣ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፣ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፣ ካባካ ዚደልዮ እንታይ እዩ።
9. ደሃይ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ይጽውዓ ጥበብ ከኣ ንስምካ ኽትርኢ እያ። ነቲ ሸቦጥን ነቲ ዘዳለዎን ሰምዑ።
10. እቲ መዛግብ ረሲእነትን እቲ ጽዩፍ ጐደሎ ኤፋንዶ ገና ኣብ ቤት ረሲእ አሎ እዩ፧
11. ኣነዶ ብሚዛን ረሲእነን በቲ ኸረጺት ጠባሪ መምዘንን ንጹህ ክኸውን እየ፧
12. እቶም ሃብታማታ ዓመጽ ዝመልኡ እዮም፣ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ድማ ሓሶት ይዛረቡ፣ ልሳኖምውን ኣብ ኣፎም መታለሊት እያ።
13. ስለዚ ኣነ ድማ ብሰሪ ሓጢኣትካ ክሳዕ እትደክምን እትፈርስን ክወቕዓካ እየ።
14. ንስካ ትበልዕ፣ ግናኸ ኣይትጸግብን፣ ውርደትካ ኣብ ውሽጥኻ ኪኸውን እዩ፣ ትሕዝ፣ ግናኸ ኣይተድሕንን፣ እቲ ዘድሐንካዮ ኸኣ ንኣደዳ ሰይፊ ኽምጥዎ እየ።
15. ንስኻ ትዘርእ፣ ግናኸ ኣይትዐጽድን፣ ፍረ ኣውልዕ ትጐድእ፣ ግናኸ ዘይቲ ኣይትልከን። ኰልዒ ወይኒ ትጸምቝ፣ ወይኒ ግና ኣይትሰትን።
16. ኣነ ንኣኺ መሰክሒ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ንፋጻ ኽገብርሲ፡ ስርዓት ኦምርን ኵሉ ግብሪ ቤት ኣሃብን ይሕልዉ፡ ንስካትኩም ድማ ብምኽሮም ትመላለሱ አሎኹም እሞ፡ ጸርፊ ህዝበይ ክትጾሩ ኢኹም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...