1. እቲ ብዘመን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፣ ብዛዕባ ሰማርያን የሩሳሌምን ሚክያስ ሞረሽታይ ዝረኣዮ ናብኡ ኸኣ ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፣
2. ኣቱም ህዝብታት ኵላትኩም፣ ስምዑ፣ ኣቲ ምድሪ ምስ ምልኣትኪ፣ ጽን በሊ። እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኣንጻርኩም ይምስክር፣ እወ፣ እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ መቕደሱ።
3. እንሆ፣ እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኡ ይወጽእ፣ ይወርድ፣ ኣብ በረኽቲ ምድሪ ድማ ይረግጽ እዩ እሞ፣
4. ከም ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ከምቲ ኣብ ጎቦ ዚውሕዝ ማያት፣ ኣክራን ኣብ ትሕቲኡ ይመኩ፣ ሽንጭሮታት ከኣ ይጭደዱ።
5. እዚ ዅሉ ብሰሪ በደል ያእቆብን ብሰሪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ፡ ሰማርያዶ ኣይኰነትን፡ በረኽቲ ቦታ ይሁዳ እንታይ እዩ፡ የሩሳሌምዶ ኣይኰነትን፡
6. ስለዚ ንሰማርያ ኸም ኵምራ እምኒ መሮርን ከም ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ክገብራ እየ። ነእማና ናብ ሽንጭሮ ኸንከራርዎ፣ ንመሰረታ ኸኣ ክቐሎኦ እየ።
7. እቲ ቕሩጽ ምስልታት ዅሉ ኺሰባብሮ፡ እቲ ዋጋ ምንዝርናኣ ዅሉ ብሓዊ ኺሐርር እዩ። ብዋጋ ምንዝርና ኣኪባቶም፡ መሊሶም ድማ ዋጋ ምንዝርና ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ኣነ ንዅላቶም ጣኦታታ ኸባድሞም እየ።
8-9. ቍስላ ዘይሐዊ እዩ፣ ክሳዕ ይሁዳ መጺኡ፣ ክሳዕ ኣብ ደገ ህዝበይ፣ ክሳዕ የሩሳሌም በጺሑ እዩ እሞ፣ ስለዚ እበክን ዋይዋይ እብልን፣ ተቐንጢጠን ጥራየይ ኰይነን እኽይድ፣ ከም ወካርያ እበኪ፣ ከም ሰገን ከኣ ደሃይ ሓዘን ኤድሂ አሎኹ።
10. ኣብ ጋት ኣይተውርይዎ፣ ብኽያት ኣይትብከዩ፣ ኣብ ቤት ኣፍራ ኣብ ሓመድ ጠቀላዕላዕ በልኩ።
11. ኣቲ ብነውራም ዕርቃን ኣብ ሳፊር እትንበሪ፣ ሕለፊ፣ እታ ኣብ ጾኣናን እትነብር ኣይትወጽእን፣ ብኽያት ቤት-ኤጽል ስፍራኡ ኣሕደገኩም።
12. መዓት ካብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ደገ የሩሳሌም ወሪዱ እዩ እሞ፣ እታ ኣብ ማሮት እትነብር ስለ እቲ ሰናይ ትሐዝን አላ።
13. ኣቲ ኣብ ላኪሽ እትነብሪ፡ ነቶም ኣፍራስ ኣብ ሰረገላ ጽመድዮም። በደል እስራኤል ኣባኺ ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ንሳ ንጓል ጽዮን መጀመርታ ሓጢኣት ኰነታ።
14. ስለዚ ንሞሬሽት-ጋት ናይ ምስንባት ህያብ ሀቦ፣ ኣባይቲ ኣኽዚብ ንነገስታት እስራኤል ጠባሪ ኪኸውን እዩ።
15. ኣቲ ኣብ ማሬሻ እትነብሪ፣ እቲ ዚወርሰኪ ኸምጽኣልኩ እየ፣ ክብሪ እስራኤል ክሳዕ ኣዱላም ኪመጽእ እዩ።
16. ንሳቶም ካባኺ ተማሪኾም ከይዶም እዮም እሞ፣ ስለቶም ደቂ ሓጐስኪ ጸጕርኺ ንጸዪ፣ ርእስኪ ላጽዪ፣ ነቲ ንዃዕኪ ኸም ንስሪ ኣግፍሕዮ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...