1. እቲ ብዘመን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፣ ብዛዕባ ሰማርያን የሩሳሌምን ሚክያስ ሞረሽታይ ዝረኣዮ ናብኡ ኸኣ ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፣

2. ኣቱም ህዝብታት ኵላትኩም፣ ስምዑ፣ ኣቲ ምድሪ ምስ ምልኣትኪጽን በሊ። እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኣንጻርኩም ይምስክር፣ እወ፣ እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ መቕደሱ

3. እንሆ፣ እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኡ ይወጽእይወርድ፣ ኣብ በረኽቲ ምድሪ ድማ ይረግጽ እዩ እሞ፣

4. ከም ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ከምቲ ኣብ ጎቦ ዚውሕዝ ማያት፣ ኣክራን ኣብ ትሕቲኡ ይመኩሽንጭሮታት ከኣ ይጭደዱ

5. እዚ ዅሉ ብሰሪ በደል ያእቆብን ብሰሪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ፡ ሰማርያዶ ኣይኰነትን፡ በረኽቲ ቦታ ይሁዳ እንታይ እዩ፡ የሩሳሌምዶ ኣይኰነትን፡

6. ስለዚ ንሰማርያ ኸም ኵምራ እምኒ መሮርን ከም ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ክገብራ እየ። ነእማና ናብ ሽንጭሮ ኸንከራርዎንመሰረታ ኸኣ ክቐሎኦ እየ።

7. እቲ ቕሩጽ ምስልታት ዅሉ ኺሰባብሮ፡ እቲ ዋጋ ምንዝርናኣ ዅሉ ብሓዊ ኺሐርር እዩ። ብዋጋ ምንዝርና ኣኪባቶምመሊሶም ድማ ዋጋ ምንዝርና ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ኣነ ንዅላቶም ጣኦታታ ኸባድሞም እየ።

8-9. ቍስላ ዘይሐዊ እዩ፣ ክሳዕ ይሁዳ መጺኡ፣ ክሳዕ ኣብ ደገ ህዝበይ፣ ክሳዕ የሩሳሌም በጺሑ እዩ እሞ፣ ስለዚ እበክን ዋይዋይ እብልን፣ ተቐንጢጠን ጥራየይ ኰይነን እኽይድ፣ ከም ወካርያ እበኪ፣ ከም ሰገን ከኣ ደሃይ ሓዘን ኤድሂ አሎኹ።

10. ኣብ ጋት ኣይተውርይዎብኽያት ኣይትብከዩ፣ ኣብ ቤት ኣፍራ ኣብ ሓመድ ጠቀላዕላዕ በልኩ።

11. ኣቲ ብነውራም ዕርቃን ኣብ ሳፊር እትንበሪሕለፊ፣ እታ ኣብ ጾኣናን እትነብር ኣይትወጽእንብኽያት ቤት-ኤጽል ስፍራኡ ኣሕደገኩም።

12. መዓት ካብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ደገ የሩሳሌም ወሪዱ እዩ እሞ፣ እታ ኣብ ማሮት እትነብር ስለ እቲ ሰናይ ትሐዝን አላ።

13. ኣቲ ኣብ ላኪሽ እትነብሪ፡ ነቶም ኣፍራስ ኣብ ሰረገላ ጽመድዮምበደል እስራኤል ኣባኺ ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ንሳ ንጓል ጽዮን መጀመርታ ሓጢኣት ኰነታ።

14. ስለዚ ንሞሬሽት-ጋት ናይ ምስንባት ህያብ ሀቦኣባይቲ ኣኽዚብ ንነገስታት እስራኤል ጠባሪ ኪኸውን እዩ።

15. ኣቲ ኣብ ማሬሻ እትነብሪ፣ እቲ ዚወርሰኪ ኸምጽኣልኩ እየ፣ ክብሪ እስራኤል ክሳዕ ኣዱላም ኪመጽእ እዩ።

16. ንሳቶም ካባኺ ተማሪኾም ከይዶም እዮም እሞ፣ ስለቶም ደቂ ሓጐስኪ ጸጕርኺ ንጸዪ፣ ርእስኪ ላጽዪ፣ ነቲ ንዃዕኪ ኸም ንስሪ ኣግፍሕዮ