1. ድሕርዚ ድማ ዀነ፡ ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ።

2-3. ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሐወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዚብልዋ ማርያምዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዜገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ።

4. ብዙሓት ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፡ ካብ ፍቕዳ ኸተማታት ናብኡ ምስ መጹብምስላ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ

5. ዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረኪዘርእ ከሎ ድማ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐተረግጸ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ

6. ገሊኡ ኸኣ ኣብ ከውሒ ወደቐምስ በቘለ ድማጠሊ ስለ ዘይነበሮ ነቐጸ

7. ገሊኡውን ኣብ ማእከል እሾኽ ወደቐ፡ እቲ እሾኽ ምስኡ ዐብዩ ሐነቖ

8. ካልእ ከኣ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐበቖለ ሚእቲ ኻዕበት ድማ ፈረየእዚ ምስ በለእትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ ኢሉ ጨደረ

9. ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ እዚ ምስላ እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ

10. ንሱ በሎምምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ተውሂቡ አሎንኻልኦት ግና፡ እናረአዩ ምእንቲ ኸይርእዩእናሰምዑውን ከየስተውዕሉስብምስላ እዛረቦም አሎኹ።

11. እቲ ምስላኡ እዚ እዩ፥ እቲ ዘርኢ ቃል ኣምላኽ እዩ።

12. እቶም ኣብ ጥቓ መገዲንሳቶም ዚሰምዑ እዮም። ድሕርቲ፡ ምእንቲ ከይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ፡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ

13. ኣቶም ኣብ ከውሒ፡ ንሳቶም ንቓል ምስ ሰምዕዎብሓጐስ ዚቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንጊዜኡ ደኣ እዮም ዚአምኑ እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ብጊዜ ፈተናውን ይጠልሙ

14. እቲ ኣብ እሾኽ ዝወደቐ እዚኣቶም እዮም፥ ምስ ሰምዑ፡ መገዶም ከይዶም ብሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ይሕነቑ እሞ ፍረ ኣይፈርዩን

15. እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዓቝርዎብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርዩ እዮም

16. ንመብራህቲ ኣብሪሁእቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ይሰቕሎ እምበር፡ በቕሓ ዚኸድኖ ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ዜንብሮ የልቦን

17. ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን እሞ፡ ዘይፍለጥን ናብ ግልጺ ዘይወጽእን ስዉር ከኣ የልቦን።

18. እምብኣርከ ንዘለዎ ኺወሃቦ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ ኻብኡ ኽትውሰድ እያ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ጌርኩም ከም እተሰምዑ ተተንቀቑ

19. ኣዲኡን ኣሕዋቱን ድማ ናብኡ መጹ፡ ብምኽንያት እቲ እኩብ ህዝቢ ግና ኪረኽብዎ ኣይከኣሉን

20. ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪርእዩኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም አለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ

21. ንሱ ኸኣኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚገርብዎን እዮም፡ ኢሉ መለሰሎም

22. ሓንቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ንሱ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ አትዩንዑናይ፡ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር፡ በሎምከዱውን

23. ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣደቀሰህቦብላ ንፋስ ኣብ ባሕሪ ወረደ፡ ነታ ጃልባኦም ከኣ ማይ መልኣፍርሃትውን ሐዞም

24. ሽዑ ናብኡ ቐሪቦምመምህርመምህርጠፋእናኢሎም ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ፡ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ማይን ገንሖ እሞስቕ በለ ህድኣትውን ኰነ

25. ሽዑ፥ ኣበይ ደኣ አላ እምነትኩምበሎምፈሪሆም ከኣ፥ እዚ ንንፋስን ማይን ዚእዝዞም እሞ ዚእዘዝዎስ መን ኰን እዩእናተባሃሀሉ ተደነቑ

26. ኣብ ማዕዶ ገሊላ ናብ ዘሎ ምድሪ ጌርጌሴኖን ተሳገሩ

27. ናብ ምድሪ ምስ ወጸኣጋንንቲ ዝሐደሮ ሰብኣይ ካብ ከተማ ተጓነፎ። ንሱ ኸኣ ነዊሕ ዘመን ክዳን ከይተኸድነ ኣብ መቓብር እምበር፡ ኣብ ቤት ዘይቕመጥ እዩ ዝነበረ።

28. ንየሱስ ምስ ረኣዮጨዲሩ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ ብዓብዪ ድምጺውንየሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽምሳኻኸ እንታይ አሎኒከይትሳቕየኒ እልምነካ ኣሊኹ፡ በሎ

29. ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ኪወጽእ ኣዘዞ። ብዙሕ ዘመናት ሐዲርዎ ነበረ እሞ፡ ብሰንሰለትን ብመቝሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ። ማእሰሪኡ ይሰብርእቲ ጋኔን ድማ ናብ በረኻ ሃለው የብሎ ነበረ

30. የሱስ ከኣ፥ ስምካ መን እዩ፧ ኢሉ ሓተቶንሱ ኸኣብዙሓት ኣጋንንቲ ሐዲሮምዎ ስለ ዝነበሩ፥ ለጌዎን፡ በለ።

31. ናብ መዓሙቝ ኪኸዱ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ

32. ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ከረን ይበልዕ ነበረ። ናብኡ ንምእታው ኪፈቕደሎም ከኣ ለመንዎንሱውን ፈቐደሎም

33. እቶም ኣጋንንቲካብቲ ሰብኣይ ወጺኦም፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉእቲ መጓሰ ድማ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸዲፉ ጠሐለ

34. እቶም ጓሶት ከኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረአዩሀደሙኣብ ከተማን ዓድታትን ኣውረዩ

35. እቶም ህዝቢ ኸኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ፡ ናብ የሱስውን መጹ። እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ፡ ክዳኑ ተኸዲኑ ናብ ልቡ ተመሊሱኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሁ

36. እቶም ዝረአይዎ ድማእቲ ጋኔን ዝነበሮ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝሐወየነገርዎም

37. እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ደቂ ሃገር ብዙሕ ፍርሃት ስለ ዝፈርሁ፡ ካባታቶም ኪኸይድ ለመንዎኣብ ጃልባ አትዩ ኸኣ ተመልሰ

38. እቲ ኣጋንንቲ ዝወጸሉ ሰብኣይ ድማ ምስኡ ኪኸውን ለመኖየሱስ ግና፥

39. ናብ ቤትካ ተመለስኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበርልካ ንገር፡ ኢሉ ሰደዶ። ከይዱ ድማ፡ እቲ የሱስ ዝገበረሉ ዘበለ ኣብ ብዘላ እታ ኸተማ ነገረ

40. ኰነ ድማየሱስ ምስ ተመልሰኵሎም ይጽበይዎ ነበሩ እሞ፡ እቶም ሰብ ተቀበልዎ

41. እንሆ ኸኣ፡ ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ መጸ፡ ንሱ ድማ መራሕ ቤት ጸሎት እዩ። ኣብ እግሪ የሱስ ወዲቑ ናብ ቤቱ ኺአቱ ለመኖ

42. ሓንቲ ጓል ጥራይ፡ ንሳ ኸኣ ጓል ዓሰርተው ክልተ ዓመት እትኸውንነበረቶንሳ ንሞት ቀሪባ ነበረትኪኸይድ ከሎ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ይደፍእዎ ነበሩ።

43. እንሃ፡ ካብ ዓሰረተው ክልተ ዓመት ሒዛ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኵሉ ገንዘባ ንሓኪማት ወድኤት፡ ግናኸ ሓደ እኳ ኺፍውሳ ኣይከኣለን

44. ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየትብኡብኡ እቲ ምኽዓው ደማ ኣቋረጸ

45. የሱስ ከኣ፥ መን እዩ ዝተንከየኒበለኵሎምኣይፋልናን፡ ምስ በሉጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዘልዉ ዀይኑመምህር፡ እዞም ህዝቢ ይደፍኡኻን ይጸቕቱኻን አለዉ፡ ንስኻ ድማ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ ትብል፡ በሎ

46. የሱስ ግና፥ ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ይፍለጠኒ አሎ እሞ፡ ዝተንከየንስ አሎበሎ

47. እታ ሰበይቲ ድማ ከም ዘይተሓብኤት ምስ ረአየትራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ህዝቢ ድማ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተንከየቶ፡ ሽዑ ንሽዑውን ከም ዝሐወየትነገረቶ

48. ንሱ ኸኣ፥ ኣጆኺ ጓለይእምነትኪ ኣሕወየትኪብሰላም ኪዲበላ

49. ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎሓደ ኻብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎትጓልካ ሞይታ፡ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ፡ እናበለ መጸ

50. የሱስ ሰሚዑኣይትፍራህእመን ደኣ እሞ ክትሐዊ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ

51. ኣብታ ቤት ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣንሓደ እኳ ምስኡ ኺኣቱ ኣይፈቐደን

52. ኵሎም ድማ ይበኽዩን ዋይዋይ ይብሉን ነበሩ። ሽዑ ንሱ፥ ኣይትብከዩደቂሳ እያ ዘላ እምበር፡ ኣይሞተትንበለ

53. ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡሰሐቕዎ

54. ንሱ ኸኣ ንዅሎም ናብ ወጻኢ ኣውጺኡቢኢዳ ሒዙ ዓው ኢሉ፥ ኣቲ ጓል ተንስኢበለ

55. ሽዑ ትንፋሳ ተመልሰት እሞ ብኡብኡ ተንስኤትዚብላዕ ኪህብዋ ድማ ኣዘዘ

56. ወለዳ ገረሞም፡ ንሱ ግና እዚ ዝዀነ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም