1. ብሓንቲ ኻብተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ዀነንህዝቢ ኣብ መቕደስ ኪምህሮም ወንጌልውን ኪሰብከሎም ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ምስ ዓበይቲ ዀይኖም ተንሲኦም

2. በየናይ ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሃበካ፧ እስኪ ንገረናኢሎም ተዛረብዎ

3. ንሱ ኸኣ፥ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሐተኩም አሎኹ እሞ፡ ንገሩኒ

4. ጥምቀት ዮሃንስሲ ኻብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ እያ፧ ኢሉ መለሰሎም።

5. ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎኪብለና እዩ።

6. ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ ኵሉ ህዝቢ ዮሃንስ ነብዪ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፡ ብእምኒ ኺጭፍልቐና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ይሐስቡ ስለ ዝነበሩ፡

7. ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡመለሱሉ

8. የሱስ ከኣ፥ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብርኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም

9. ነቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ምስላ እዚ ኺነግሮም ጀመረ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ነዊሕ ኪድንጕ ናብ ካልእ ሃገር ከደ።

10. ጊዜኡ ምስ በጽሔ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኺህብዎ ደልዩ፡ ንባርያኡ ናብቶም ዓየይቲ ለአኾ። እቶም ዓየይቲ ግና ወቒዖም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ

11. ካልኣይ ባርያ ድማ ለኣኸ፡ ንእኡውን ወቐዖምኣዋሪዶም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ

12. መሊሱ ኸኣ ሳልሳይ ለኣኸ፡ ንእኡ ድማ ኣቝሲሎም ንወጻኢ ሰጐጕዎ

13. እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፥ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ነዚ ዘፍቅሮ ወደይ ደኣ ኽሰድድ፡ ንእኡስ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑበለ

14. እቶም ዓያይቲ ግና ምስ ረአይዎንሓድሕዶም፥ እዚ ወራሲ እዩ፡ እቲ ርስቱ ንኣና ምእንቲ ኪኸውንሲንዑ ንቕተሎኢሎም ተማኸሩ

15. ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናብ ወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒኸ እንታይ ኰን ኪገብሮም እዩ፧

16. መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኼጥፍእ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒውን ንኻልኦት ኪህቦም እዩ። እዚ ምስ ሰምዑያእ ኣይግበሮ፡ በሉ።

17. ንሱ ግና ጠሚትዎም፥ እቲ ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ ዚብል ጽሑፍዶ እንታይ እዩ፧

18. ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ዘበለ ኺስበር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ኪጭፍለቕ እዩ፡ በለ።

19. ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ነዛ ምስላ እዚኣ ብዛዕባኦም ከም እተዛረባ ስለ ዝፈለጡ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ኺሕዝዎ ደለዩ፡ ግናኸ ነቶም ህዝቢ ፈርሁ

20. ተጻናትዮም ብዘረባ ኺሕዝዎ እሞ ንመንግስትን ስልጣን ሹምን ኣሕሊፎም ምእንቲ ኺህብዎቅኑዓት ተመሲሎም ዚጻናጸኑ ሰደዱ።

21. ንሳቶም ከኣ፥ መምህርብሓቂ ደኣ መገዲ ኣምላኽ ትምህር እምበር፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተድሉን ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርንንፈልጥ አሎና።

22. ንቄሳር ግብሪ ኽንህብሲ ተፈቒዱልና ድዩ ወይ ኣይፋሉን፧ ኢሎም ሐተትዎ።

23. ንሱ ግና ጕርሖም ፈሊጡንምንታይከ ትፍትኑኒ አሎኹም፧

24. እቲ ዲናር ኣርእዩኒምስሉን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ናይ ቄሳር፡ በሉ።

25. ንሱ ድማ፥ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ሀቡበሎም

26. ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ብዘረባኡ ኺሕዝዎ ኣይከኣሉን እሞ፡ በቲ ምላሹ ተገሪሞም ኣጽቀጡ

27. ካብቶም ትንሳኤ ምውታት የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን ድማ ሓያሎ ናብኡ መጺኦም ሐተትዎ

28. ከምዚ ኢሎም፥ ዎ መምህር፡ ሓደ ሰበይቲ ዘላቶ ሓድጊ ኸይሐደገ እንተ ሞተሓዉ ነታ ሰበይቲ ይውረሳ እሞ ንሓዉ ሓድጊ የቝመሉ፡ ኢሉ ሙሴ ጸሐፈልና

29. እምብኣርከ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቕዳማይ ሰበይቲ ኣእትዩ ኸይወለደ ሞተ

30. እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ንሱ ኸኣ ከይወለደ ሞተ

31. እቲ ሳልሳይ ድማ ወረሳከምእውን ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋስ፡ ውሉድ ከይሐደጉ ሞቱ

32. መወዳእታኡ እታ ሰበይቲውን ሞተት

33. እምብኣርሲ፡ ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ እታ ሰበይቲ እቲኣ ብትንሳኤስ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧

34. የሱስ ከኣ በሎም፥ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ የእትዉን የተኣታትዉን እዮም።

35-36. እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንሳኤ ምዉታትን ንምርካብ ዚበቕዑ ግና ውሉድ ትንሳኤ ብምኳኖም ውሉድ ኣምላኽ እዮምከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑውን፡ ድሕርዚ ኺሞቱ ኣይከአሎምን እዩ፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም።

37. ምዉታት ከም ዚትንስኡ ግና፡ ሙሴ ድማ ኣብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ንእግዝኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን ብምባሉ ኣርኣየ

38. ንእኡ ዅሎም ህያዋን እዮም እሞ፡ ንሱስ ናይ ህያዋን እምበር፡ ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን

39. ሓይሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኸኣ፥ መምህርጽቡቕ ተዛሪብካኢሎም መለሰሉ

40. ድሕርዚ ገለ ኺሐትዎ እኳ ኣይደፈሩን

41-43. ንሱ ድማ፡ ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙራትጐይታ ንጐይታይንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማንይ ተቐመጥበሎይብል እዩ እሞ፡ ከመይ ኢሎም ደኣ እዮም፥ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ ዚብሉ፧

44. እምብኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዚብሎ፥ ከመይ ኢሎ ደኣ ወዱ ይኸውን፧ በሎም።

45. ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኺሰምዕ ከሎ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ

46. ወለል ብዚብል ክዳውንቲ ምዝዋር ካብ ዚደልዩ፡ ኣብ ዕዳጋ ምስላም፡ ኣብ ቤት ጸሎትውን ኣውራ መቐመጢኣብ ምሳሕ ከኣ ኣውራ ስፍራ ኻብ ዚፈትዉ ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ

47. እቶም ኣባይቲ መበለታት ዚውሕጡ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ዜንውሑ፡ ንሳቶም ዝገደደ ፍርዲ ኺረኽቡ እዮም፡ በሎም።