1. ኰነ ድማ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ብዝሩእ ግርሁ ሐለፈደቀ መዛሙርቱ ሰዊት መሐዉበእዳዎም እናሐሰዩ ኸኣ ይጐስሙ ነበሩ።

2. ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን ከኣ፥ ስለምንታይ ብሰንበት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ትገብሩ አሎኹም፧ በልዎም

3. የሱስ ከኣ፥ ዳዊት፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩዝገበሮ

4. ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝአተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ እምበር፡ ምብላዑ ዘይተገብኤ እንጌራ ምርኣይ ወሲዱ ኸም ዝበልዔ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ ኢሉ መለሰሎም።

5. ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ፡ ከኣ በሎም

6. ኰነ ድማ፡ ብሓንቲ ኻልእ ሰንበት ናብ ቤት ጸሎት አትዩ መሀረኣብኡ ድማ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ።

7. ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ መኽሰሲ ምእንቲ ኺረኽቡሉ፥ እስኪ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ፡ ኢሎም ይጸናጸንዎ ነበሩ።

8. ንሱ ኸኣ ሓሳቦም ፈሊጡ፡ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ። ንሱውን ተንሲኡ ደው በለ

9. የሱስ ከኣ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባርንነፍስስ ምድሓንዶ ወይስ ምቕታላ ይግባእ፧ ኢሉ እሐተኩም አሎኹ፡ በሎም

10. ናብ ኵሎም ግልጽ ግልጽ ኢሉ ርእዩ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይኢድካ ዘርግሕበሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረእታ ኢዱውን ሐወየት

11. ንሳቶም ግና ኣዝዮም ነደሩንየሱስ እንታይ ከም ዚገብርዎ ድማ፡ ንሓድሕዶም ተማኸሩ

12. ኰነ ድማበቲ ወርሓት እቲ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ነቒሑ ሐደረ።

13. ምድሪ ምስ ወግሔንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸውዖም፡ ካባታቶም ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም ዓሰርተው ክልተ ሐረየ

14. ስምኦንጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮእንድርያስ ድማ ሓዉን ያእቆብን ዮሃንስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን

15. ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ቀናእ እተበህለ ስምኦንን

16. ይሁዳ ወዲ ያእቆብን እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን

17. ምሳታቶም ወሪዱ ድማ፡ ሰጥ ኣብ ዝበለ ቦታ ደው በለ፡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ኣዝዮ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ካብ ብዘሎ ይሁዳን የሩሳሌምን ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን ኪሰምዕዎ ኻብ ሕማሞምውን ኪሐውዩ ዝመጹ ኣብኡ ነበሩ።

18. እቶም ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩ ዝነበሩውን ሐወዩ

19. እቶም ህዝቢ ኸኣ ኵላቶም ኪትንክይዎ ይደልዩ ነበሩ። ካብኡ ሓይሊ ይወጽእ ነበረ እሞ፡ ንብዘለዉ ኣሕወዮም

20. ንሱ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ በለ፡ ኣቱም ድኻታትመንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እያ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም።

21. ኣቱም ሕጂ እትጠምዩክትጸግቡ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትበኽዩክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም።

22. ሰብ ስለ ወዲ ሰብ ኢሎም እንተ ጸልኡኹምእንተ ፈለዩኹምእንተ ጸረፉኩምስምኩምውን ከም ክፉእ እንተ ኣውጹእልኩምብጹኣን ኢኹም።

23. እንሆኣቦታቶም ድማ ንነብያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማይ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ባህ ይበልኩም ተሐጐሱውን

24. ኣቱም ሃብታማት ግን፡ ሐጐስኩም ወዲእኩም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም

25. ኣቱም ጽጉባትክትጠምዩ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ሕጂ እትስሕቁክትበኽዩ ክትሐዝኑን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።

26. ኵሉ ሰብ ጽቡቕ እንተ ተዛረበልኩምኣቦታቶም ንነብያት ሓሶት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ወይለኹም

27. ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም አሎኹ፥ ጸላእትኩም ኣፍቅሩንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ

28. ንዚረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ

29. መልትሕካ ንዝወቕዓካ እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉክዳንካ ንዝወሰደ ቐምሽካውን ኣይትኽልኣዮ

30. ንዝለመንካ ዘበለ ሃብገንዘብካ ኻብ ዝወሰደውን መሊስካ ኣይትድለ።

31. ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም

32. ሓጥኣን ድማ ንዚፈትውዎምሲ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ንዚፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧

33. ጽቡቕ ንዚገብሩልኩም ጥራይ ጽቡቕ እንተ ገበርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ከኣ ከምኡ ይገብሩ እዮም።

34. ኪፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም።

35. ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም።

36. ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ

37. ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ።

38. ሃቡ ኺውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።

39. ብምስላ ኸኣ በሎምዕዉርዶ ንዕዉር ኪመርሖ ይኽእል እዩ፧ ክልቲኣቶምዶኸ ኣብ ጕድጓድ ኣይወድቁን

40. ተመሃሪ ኻብ መምህሩ ኣይበልጽን፡ ተምሂሩ ዝወድኤ ዅሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዚኸውን

41. ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፡ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ግና ዘይተስተብህል

42. ወይስ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይትርኢንሓውካሓወይ፡ ካብ ዓንይኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒክትብሎ ኸመይ ጌርካ ትኽእል፧ ኣታ ግቡዝቅድም ነቲ ጕንዲ ኻብ ዓይንኻ ኣውጽኣዮ፡ ድሕርቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ

43. ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ዚፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ዚፈሪ የልቦን

44. ኵሉ ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ካብ እሾዅ በለስ ኣይእረን፡ ካብ ጨዓውን ወይኒ ኣይቅንጠብን እዩ።

45. ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ፡ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ

46. ስለምንታይ ደኣ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይእትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን

47. እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮን ዘበለ ዅሉ፡ ንመን ከም ዚመስል ክርእየኩም እየ

48. ቤት ኪሰርሕ ከሎ፡ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን መሰረቱውን ኣብ ከውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ ኣዩ ዚመስል። ደምሳሲ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ከኣ፡ ምንቕናቓ ሰኣነ

49. እቲ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና ቤቱ ብዘይ መሰረት ኣብ ምድሪ ዝሰርሔ ሰብኣይ እዩ ዚመስልውሒዝ ደፍኣብኡብኡ ወደቐትኣዋዳድቓ እታ ቤት እቲኣ ኸኣ ዓብዪ ዀነ።