1. ኰነ ድማ፡ ብዙሓት ህዝቢ እናተዳፍእዎቃል ኣምላኽ ኪሰምዑ ኸለዉ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጌንሳሬጥ ደው ኢሉ ነበረ።

2. ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸኣ ጃልባ ደው ኢለን ረአየ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ድማ ካባታተን ወሪዶም መርበቦም ይሐጽቡ ነበሩ።

3. ካብተን ጀላቡ ኣብ ሓንቲ፡ ናይ ስምኦን ዝነበረት አትዩ ኻብ ምድሪ ቕሩብ ኣርሕቕ ኬብላ ለመኖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ።

4. ዘረባኡ ምስ ወድኤ ኸኣ፡ ንስምኦን፡ ናብቲ ዓሚቕ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩበሎ

5. ስምኦን ከኣ፡ መምህርለይቲ ብምልእታ ጽዒርናዝሐዝና የብልናንብቓልካ ግና ነዚ መርበብ እድርብዮኢሉ መለሰሉ

6. እዚ ምስ ገበረኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ሐዙ፡ እቲ መርበቦምውን ተቐደ

7. ነቶም ኣብታ ኻልኣይቲ ጃልባ ዘለዉ ብጾቶም ከኣ መጺኦም ኪድግፍዎም ኣመልከትዎምመጺኦም ድማ ንኽልቲኤን ጃልባ ጥቓ ምጥሓል ክሳዕ ዚቀርባ መልእወን

8-10. ስምኦን ጴጥሮስ እዚ ምስ ረአየ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገፈፍዎ ምግፋፍ ዓሳ ኣዝዮ ስለ ዝሰምበደእቶም ምስኡ ዘለዉ ዅሎምንያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ሰብ ብርኪ ዝነበሩን ድማ ኸምኡስምኦንጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሐቕእናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍኤየሱስ ከኣ ንስምኦን፥ ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህበሎ

11. ጃላቡኦም ናብ ምድሪ ኣውጺኦምንዅሉ ሐዲጎም ሰዓብዎ

12. ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ኸሎ፡ እንሆለምጺ ዝመልኦ ሰብኣይ ኣብኣ ነበረ። ንየሱስ ምስ ረኣዮብገጹ ተደፊኡጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስከተንጽሃኒ ትክእል ኢኻ፡ ኢሉ ለመኖ

13. የሱስ ድማ፥ ፈትየ አሎኹ፡ ንጻህኢሉ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮብኡብኡ እቲ ለምጺ ሐደጎ

14. ንሱ ኸኣ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢስለ ዝነጻህካ ድማ ምስክር ምእንቲ ኪዀኖም፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞመስዋእቲ ሰውእ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይትንገር
ኣዘዞ

15. ብዛዕባኡ ድማ፡ ኣዝዩ ወረ ወጸብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ኪሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ኪሐውዩን ናብኡ ተኣከቡ

16. ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ።

17. ኰነ ድማሓንቲ መዓልቲ ንሱ ኺምህር ከሎ፡ ካብ ኵሉ ዓድታት ገሊላን ይሁዳን የሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ተቀሚጦም ነበሩሓይሊ እግዚኣብሄርውን ንምሕዋይ ምስኡ ነበረ

18. እንሆ ድማ ሰባት መጻጕዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ኣምጽኡ፡ ኣእትዮም ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኼንብርዎ ይደልዩ ነበሩ።

19. ሰብ ስለ ዝበዝሔ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜእትዉዎ እንተ ጨነቆም ከኣ፡ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ ጡብ ኣፍሪሶም ምስ ዓራቱ ናብ ማእከል ናብ ቅድሚ የሱስ ኣውረድዎ

20. እምነቶም ምስ ረአየ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ አሎ፡ በሎ

21. ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፥ እዚ ጸርፊ ዚዛረብ ዘሎ መን እዩ፡ ብጀካ እግዚኣብሄር በይኑኸ መን ሓጢኣት ኪሐድግ ይኽእልኢሎም ኪሐስቡ ጀመሩ

22. የሱስ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ መሊሱ በሎምብልብኹም እንታይ ትሐስቡ አሎኹም፡

23. ኣየናይ ይቐልልሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ ወይስ ተንስእ እሞ ኺድ ምባል፡

24. ንወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኪሐድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡- ነቲ መጻጕዕተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድእብለካ አሎኹ፡ በሎ

25. ብኡብኡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ብድድ ኢሉ፡ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ኣልዒሉ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ናብ ቤቱ ኸደ

26. ኵሎም ሰምበዱ ንኣምላኽውን ኣመስገንዎ እሞ፥ ሎምስ ግሩም ነገር ርኢናኢሎም ፍርሃት መልኦም

27. ድሕርዚ ድማ ወጸሌዊ ዚብሃል ተጋዊ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረአየ እሞ፥ ስዓበኒበሎ

28. ተንሲኡ ኸኣ ንዅሉ ሐዲጉ ሰዓቦ

29. ሌዊ ድማ ኣብ ቤቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ። ብዙሓት ተገውቲ ኻልኦትውን ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ነበሩ

30. ፈሪሳውያንን ጸሓፍቶምን ድማ ንደቀ መዛሙርቱስለምንታይከ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ትበልዑን ትሰትዩን አሎኹም፧ ኢሎም ኣዕዘምዘሙሎም

31. የሱስ ከኣ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም።

32. ንሓጥኣን ናብ ንስሓ እምበር፡ ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ ኢሉ መለሰሎም።

33. ንሳቶም ድማ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዙሕ ሳዕ ይጾሙ ጸሎትውን ይገብሩ፡ ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያንውን ከምኡደቀ መዛሙርትኻ ግና ይበልዑን ይሰትዩንበልዎ

34. የሱስ ከኣ፥ ንስኻትኩምዶ ነዕሩኽ መርዓዊ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከተጹምዎም ይከኣለኩም እዩ፧

35. ግናኸ እቲ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደለን መዓትታት ኪመጻ እየን እሞ በተን መዓልትታት እቲኤን ሽዑ ኺጾሙ እዮም፡ በሎም።

36. ምስላ ድማ መሰለሎምቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ እቲ ሓድሽ ቍራጽ ምስቲ ብላይ ኣይላገብን እዩ።

37. ንሓድሽ ወይኒውን ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዜዕርቆ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ ንሱውን ይፈስስ ኣሕርብቲ ድማ ይባላሾ

38. ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ ደኣ የዕርቕዎ፡ ክልቲኣቶም ከኣ ይእርነቡ

39. ከራሚ ወይኒ ሰትዩ፡ ከራሚ ይሐይሽይብል እምበር፡ ሓድሽ ወይኒ ዚደሊ የልቦን።