1. የሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኻብ ዮርዳኖስ ተመልሰብመንፈስ ከኣ ናብ በረኻ ተመርሔ

2. ብድያብሎስ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ተፈተነበተን መዓልትታት እቲኣተን ገለ እኳ ኣይበልዔንንሳተን ምስ ተወድኣጠመየ

3. ድያብሎስ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ እምኒ እንጌራ ኪኸውን ኣዝዝበሎ

4. የሱስ ከኣ፡ ሰብ ብዅሉ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርንጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ

5. ድማ ድያብሎስ ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ መንግስትታት ኵላ ዓለም ኣርኣዮ

6. ሽዑ ድያብሎስ፥ እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ ኣነ ንዝደሌኹ እህቦ፡ ንኣኻውን ክህበካ እየ፡

7. ስለዚ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እንተ ሰገድካኵሉ ናትካ ኪኸውን እዩ፡ በሎ።

8. የሱስ ከኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ኸኣ ኣምልኽጽሑፍ እዩ እሞ፡ ካባይ ርሐቕሰይጣንኢሉ መለሰሉ

9-11. ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፥ ንመላእኽቱ ኺሕልዉኻ ይእዝዘልካእግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስካብዚ ንታሕቲ ተደርበበሎ

12. የሱስ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ብሁል እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ

13. ሽዑ ድያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ወድኤንጊዜኡ ሐደጎ

14. የሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጐደቦኡ ዘሎ ዅሉ ዓድታት ተሰምዔ።

15. ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሃረኵሎምውን ይንእድዎ ነበሩ።

16. ናብታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወኬንብብውን ተንስኤ

17. መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሃብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ፡ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ

18. ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒመንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ

19. ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።

20. ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዅሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ

21. ሽዑ፥ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመኪብሎም ጀመረ

22. ኵሎም ከኣ መስከሩሉበቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ፥ እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከኣ ይብሉ ነበሩ።

23. ንሱ ድማ፥ ብርግጽ እዚ ምስላ እዚ፥ ፈዋሳይ ንርእስኻ ፈውስ፡ እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝገበርካዮ ኸም ዝሰማዕናኣብዚ ኣብ ዓድኻውን ከምኡ ግበርትብሉኒ አሎኹም፡ በሎም

24. በለ ኸኣ፥ ነብዪ ኣብ ዓዱ ከቶ ኸም ዘይከብርብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

25. ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፥ ብዘመን ኤልያስ እቲ ሰማይ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን እተዐጽወሉ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ጥሜት ዝዀነሉ ወርሓት፡ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነይረን

26. ኤልያስ ከኣ ናብ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እምበር፡ ናብ ሓንቲ ኻባታተንሲ ኣይተላእከን

27. ብዘመን ነብዪ ኤልሳእውን ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምጻማት ነይሮምንእማን ሶርያዊ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባታቶምሲ ሓደ እኳ ኣይነጽሄን

28. ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዀሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ኰረዩ

29. ተንሲኦም ካብ ዓዲ ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎኬጽድፍዎ ኸኣ ናብ ገምገም እታ ዓዶም ተሰሪሓትሉ ዘላ ኸረን ወሰድዎ

30. ንሱ ግና ብማእከሎም ሐሊፉ ኸደ

31. ድሕርዚ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ።

32. ዘረባኡ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብምህሮኡ ተገረሙ

33. ኣብታ ቤት ጸሎት ከኣ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ነበረብዓብዪ ድምጺ ኸኣ፥

34. ኣየ፡ የሱስ ናዝራዊምሳኻ እንታይ አሎናከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ አሎኹ፡ እናበለ ጨደረ።

35. የሱስ ከኣ፥ ስቕ በል ካብኡውን ውጻእኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ድማ ኣብ ማእከሎም ደርበዮ፡ ገለ እኳ ኸይጐድኦ ኸኣ ካብኡ ወጸ

36. ኵሎም ሰምበዱ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፥ እዚ ነገርዚስ እንታይ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም እሞ፡ ይወጹእናበሉ ተዛራረቡ

37. ወሪኡ ድማ ናብተን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ዅለን ጐደቦታት ወጸ

38. ካብ ቤት ጸሎት ተንሲኡ፡ ናብ ቤት ስምኦን ኣተወሓማት ስምኦን ከኣ ብብርቱዕ ዓሶ ሐሚማ ነበረት፡ ብዛእባኣውን ለመንዎ

39. ኣብ ልዕሊኣ ድንን ኢሉ ነቲ ዓሳኦ ገንሖ፡ እቲ ዓሶውን ሐደጋብኡብኡ ተንሲኣ ኣገልገለቶም

40. ጸሓይ ክትዐርብ ከላ ኸኣ፡ በበይኑ ዝዀነ ሕማም ዘለዎም ኵሎም ሕሙማት ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ ኣንቢሩ ኣሕወዮም

41. ኣጋንንቲውን፥ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉ እናጨደሩን ካብ ብዙሓት ይወጹ ነበሩ። ይገንሖም ከኣ ነበረ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ድማ፡ ኪዛረቡ ኣይፈቐደሎምን

42. ምስ ወግሔ ድማ፡ ወጺኡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ይደልይዎ ነበሩ፡ ናብኡ መጺኦምውን ካባታቶም ከይኸይድ ሐዝዎ

43. ንሱ ግና፥ ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብክለን ይግብኣኒ እዩ፡ በሎም

44. ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ገሊላ ኸኣ ይሰብኽ ነበረ።