1. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን እቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘንካልኦትውን ምሳታተን ኣንጊሄን ናብቲ መቓብር መጻ

2. እቲ እምኒ ኸኣ ካብቲ መቓብር ተገልቢጡ ረኸባኦ

3. ኣብኡ ኣትየን ከኣ ስጋ ጐይታና የሱስ ኣይረኸባን

4. ኰነ ድማ፡ ብዛዕባዚ ኺግረማ ኸለዋ፡ እንሆብርቕርቕ ዚብል ክዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኤን ደው በሉ

5. ፈሪሄን ገጸን ናብ ምድሪ ምስ ኣድነና ኸኣ፡ ንሳቶምንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ አሎኽን፡

6-7. ንሱስ ተንሲኡኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪውሃብን ኪስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኺትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦበልወን

8. ነቲ ዘረባኡ ኸኣ ዘከራኦ

9. ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዅሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ካልኦት ኵሎምን ነገራኦም

10. እተን እዚ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ምሳታተንውን ካልኦት ኣንስትን እየን

11. እዚ ዘረባዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን

12. ጴጥሮስ ግና ተንሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየድንን እንተ በለ ኸኣ፡ እቲ መግነዝ ጥራይ ተነቢሩ ረአየ። በቲ ዝዀነ ብልቡ እናተገረመውን ናብ ቤቱ ተመልሰ

13. እንሆ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኻባታቶም ካብ የሩሳሌም ስሳ እስታድዮስ ዝምርሓቓ ኤማሁስ ናብ እትብሀል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ

14. ንሳቶም ከኣ በቲ ዝዀነ ዅሉ ነገር ንሓድሕዶም ይዛራረቡ ነበሩ።

15. ኰነ ድማ፡ ኪዛራረቡን ኪማራመሩን ከለዉ፡ የሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ

16. ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ።

17. ንሱ ድማ፡ እዚ እናኸድኩምን እናጐሄኹምን ንሓድሕድኩም እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧ በሎም

18. እቲ ሓደ ኻብኦም ቀለዮጳ ዝስሙበዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣብኣ ጋሻ ኢኻኢሉ መለሰሉ

19. ንሱ ኸኣ፥ እንታይ እዩ፧ በሎም። ንሳቶም በልዎ፥ እዚ ናይ የሱስ ናዝራዊ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኵሉ ህዝብን ብግብርን ቃልን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ሰብኣይ፡

20. ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትናን ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎን ከም ዝሰቐልዎን

21. ንሕና ግና፥ እቲ ንእስራኤል ዜድሕን ንሱ እዩ፡ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርናምስናይ እዚ ዅሉ ኸኣ እዚ ኻብ ዚኸውን ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ።

22. ግናኸ ካባታትና ኣንስቲ ናብ መቓብር ኣንጊሄን ነበራ እሞ ኣስተንከራና

23. ስጋኡ ምስ ሰኣና ኸኣ፡ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረኣያመጺኤን ነገራና።

24. ካባና ገለ ሰባት ናብ መቓብር ከዱከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ረኸቡ፡ ንእኡ ግና ኣይረአይዎን

25. ንሱ ድማ፥ ኣቱም ነብያት ብተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዐያሱ

26. ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኺጸግብ እሞ ናብ ክብረቱ ኺኣቱ ናይ ግዲ ደይኰነን፧ በሎም።

27. ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጕመሎም ጀመረ።

28. ናብታ ዚኸድዋ ዘለዉ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ከም ዚሐልፍ መሰለ

29. ንሳቶም ግና፥ መስዩ እዩጸሓይውን ዓሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደርኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ኸኣ ምሳታቶም ኪሐድር ኣተወ

30. ኰነ ድማ፡ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠእንጌራ ኣልዒሉ ባረኸ ቈሪሱውን ሃቦም

31. ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፡ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ።

32. ንሓድሕዶም ከኣ፥ እቲ ኣብ መገዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልና ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፡ ተባሃሀሉ

33. በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዘለውን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም

34. ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡንስምኦን እኳ ተራእይዎበሉ

35. እቶም ካልኦት ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ኸኣ ከመይ ከም ዘለልይዎንነገርዎም

36. እዚ ኺዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ናኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም

37. ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎምፈሪሆም ሰምበዱ

38. ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ዄንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል

39. ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ በሎም።

40. እዚ ኢሉ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም

41. ንሳቶም ከኣ ተገሪሞምብሓጐሶም ምኽንያት ገና ምእማን ስለ ዝሰኣኑ፡ ንሱ፥ ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ አሎኹምበሎም

42. ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሃብዎ

43. ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚኦም በልዔ

44. ንሱ ድማ፥ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግባኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም

45. ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወንኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፥

46. ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ

47. ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ።

48. በዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም

49. እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም።

50. ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶምኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም

51. ኰነ ድማ፡ ኪባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዓረገ

52. ንሳቶም ከኣ ሰገድሉብብዙሕ ሓጐስውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ

53. ንኣምላኽ እናወደሱን እናኣመስገኑን ከኣ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ

Chap 23