1. ፋስጋ ዚብሃል በዓል ቅጫ ድማ ቐረበ

2. ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቶም ህዝቢ ደኣ ፈሪሆም እምበር፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ።

3. ሰይጣን ግና ናብቲ ኣስቆሮታዊ ዚብሃል ይሁዳ ኣተወ፡ ንሱ ኻብ ቍጽሪ እቶም ዓሰርተው ክልተ እዩ፡

4. ከይዱ ኸኣ፡ ናብቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ መቕደስን ከመይ ገይሩ ኸም ዜትሕዞተዛረበ

5. ተሐጕሶም ከኣ ኣቕራሽ ኪህብዎ ኣውዓሉሉ

6. ንሱ ድማ ተሳማምዖም፡ ኣኬባ ህዝቢ ብዜብላ ጊዜ ኼትሕዞውን ምሽእቲ ጊዜ ይደሊ ነበረ።

7. እታ ገንሸል ፋስጋ ኺሐርዱላ ዚግባእ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኸኣ መጸት

8. የሱስ ድማ ንጴጥሮስን ዮሃንስን፥ ኪዱ፡ ክንበልዕሲ ገንሸል ፋስጋ ኣዳልዉልናኢሉ ለኣኾም

9. ንሳቶም ከኣ፥ ኣበይ ከነዳሉ ትፈቱበልዎ

10. ንሱ ድማ በሎም፥ እንሆ ኣብ ከተማ ምስ ኣቶኹምዕትሮ ማይ ዝጾረ ሰብኣይ ኪጓነፈኩም እዩ እሞ፡ ናብታ ዚኣትዋ ቤት ስዓብዎ

11. ነቲ ብዓል ቤት ከኣ፥ እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ማሕደር ኣጋይሽሲ ኣበይ እያ፧ ይብለካ አሎ መምህርበልዎ

12. ንሱ ኸኣ እተነጽፈ ኣዳራሽ ኣብ ደርቢ ኼርእየኩም እዩ፡ ኣብኡውን ኣዳልዉ

13. ከይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ

14. እታ ሰዓት ምስ በጽሔት፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ኣብ መኣዲ ተቐመጠ

15-16. ንሱ ድማ፥ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸምደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕእብለኩም አሎኹ እሞ፡ ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ አሎኹ፡ በሎም

17-18. ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ፥ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ እትመጽእ፡ ካብዚ ፍረ ኦም ወይኒ ኸም ዘይሰቲ እብለኩም አሎኹ እሞ፡ ውሰዱ፡ እዚ ንሓድሕድኩም ተማቐልዎበለ

19. እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎኢሉ ሃቦም

20. ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፥ እዛ ጽዋዕ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ።

21. ግናኸ ኢድ እቲ ዜትሕዘኒ ኣብ መኣዲ ምሳይ እንሃ

22. ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተመደበሉ ይኸይድ እዩ፡ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ፡ በለ።

23. ካባታቶም እቲ እዚኣ ዚገብር መን ምዃኑ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ኪማራመሩ ጀመሩ

24. መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸም ዚርኤ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ክርክር ኰነ

25. ሽዑ ንሱ በሎም፥ ነህዛብ ነገስታቶም እዮም ዚገዝእዎም፡ እቶም ምልኪ ዘለዎም ከኣ ሕያዎት ይብሃሉ

26. ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን

27. እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን እቲ ዜግልገልንከ ኣየናዮም ይዐቢ፧ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥ ደይኰነን፧ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ።

28. ንስኻትኩም ግና ብፈተና ምሳይ እተዓገሰኩም ኢኹም

29-30. ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣካትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም

31. ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ

32. ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም

33. ንሱ ግና፥ ጐይታይ፡ ኣነስ ንማእሰርቲ ዀነ ወይ ንሞት ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ አሎኹ፡ በሎ

34. ንሱ ኸኣ፥ ጴጥሮስ፡ ከም ዘይትፈልጠኒ ኢልካ ሰለሰተ ሳዕ ክሳዕ እትኽሕደኒሎሚ ደርሆ ኸም ዘይንቁእብለካ አሎኹ፡ በሎ

35. ደሓር ከኣ፥ እቲ ብዘይ ማሕፉዳብዘይ ስንቂ፡ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹምሲገለዶ ጐዲሉኩምበሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ሓንቲ እኳ በሉ

36. በሎምሕጂ ግና ማሕፉዳ ዘልዎ ይማላእከምእዉን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኑ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ

37. ማለት እቲ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ኣባይ ኪፍጸም ብግዲ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ እወ፡ እቲ ብዛዕባይ ቅድም እተባህለ ይፍጸም አሎ።

38. ንሳቶም ከኣ፥ ጐይታይእንሆኣብዚ ኽልተ ሰይፊ አሎ፡ በሉ። ንሱውን፥ ይኣክልበሎም

39. ወጺኡ ኸኣ ከምታ ልማዱ ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን ሰዓብዎ

40. ኣብታ ስፍራ ምስ በጽሔ ኸኣ፥ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉጸልዩበሎም

41. ንሱ ኸኣ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ

42. ኣቦይፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቓድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ እናበለ ጸለየ።

43. ዜበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ተራእዮ

44. ጻዕረ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረረሃጹ ኸም ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ።

45. ካብ ጸሎቱ ተንሲኡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ መጸ ድማ፡ ብጓሂ ረዚዞም፡ ደቂሶም ረኸቦም

46. ንሱ ኸኣ፥ ከመይከ እትድቅሱ፧ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስተንሲእኩም ጸልዩበሎም

47. ንሱ ኺዛረብ ከሎእንሆ፡ ብዙሕ ህዝቢ መጸ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ይሁዳ ዚበሃል ድማ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፡ ንየሱስውን ኪስዕሞ ቐረበ

48. የሱስ ድማ፥ በል ይሁዳንወዲ ሰብዶ ብምስዓም ተትሕዞ አሎኻ፧ በሎ

49. እቶም ኣማእኪሎምዎ ዘለዉ ኸኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩጐይታይብሰይፊዶ ኽንወቅዕበልዎ

50. ሓደ ኻባታቶም ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑየማነይቲ እዝኑ ቘረጾ

51. የሱስ ከኣ፥ ክሳዕዚ ይብጽሑ ሕደግዎምኢሉ መለሰሎምእዝኑ ተንክዩውን ኣሕወዮ

52. የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ዓበይትንከም ናብ ከታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ወጻእኩም

53. ኣብ ቤተ መቕደስ ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም ነይረ፡ ኣእዳውኩም እኳ ወስ ኣየበልኩምለይን። እዚኣ ግና ጊዜኹምን ስልጣን ጸልማትን እያ፡ በሎም።

54. ሒዞም ከኣ ወሰድዎ፡ ናብ ቤት ሊቀ ኻህናትውን ኣእተውዎጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ።

55. ኣብ ማእከል እቲ መከበባያ ከኣ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንስእ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማከሎም ተቐመጠ

56. ሓንቲ ገረድ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረአየቶጠሚታቶ፥ እዚውን ምስኡ ነይሩ እዩ፡ በለት

57. ንሱ ግና፡ ኣቲ ሰበይቲኣይፈልጦን እየ ኢሉ ኸሐደ

58. ቅሩብ ጽንሕ ኢሉ ኸኣ፡ ሓደ ኻልእ ርእይዎ፥ ንስኻውን ካባታቶም ኢኻበለጴጥሮስ ግና፥ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣይፋለይን፡ በለ

59. ሓንቲ ሰዓት እትኣክል ምስ ሐለፈት ከኣ፡ ሓደ ኻልእ፥ እዚ ድማ ብሓቂ ምስኡ ነይሩ እዩ፡ ገሊላዊ ኸኣ እዩኢሉ ኣርጊጹ ተዛረበ።

60. ጴጥሮስ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ እዚ እትብሎ ዘሎኻ ኣይፈልጦን እየ፡ በሎ። ሽዑ ገና እዚኣ ክኦዛረብ ከሎ፡ ብኡብኡ ደርሆ ነቀወ

61. ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከኣ፥ ሎሚ ደርሆ ኸይነቀወሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ

62. ናብ ወጻኢ ከይዱውን መሪር ብኽያት በኸየ።

63. እቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ ሰባት ድማ የላግጹሉን ይወቕዕዎን ነበሩ።

64. ሸፊኖም ድማ ገጹ ይጸፍዕዎ፥ እስኪ ተነበየልና፡ መን እዩ ዝጸፍዓካእናበሉውን ይሐትዎ ነበሩ።

65. እናጸረፍዎ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ነገር በልዎ

66-67. ምድሪ ምስ ወግሔዓበይቲ ህዝብን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተኣኪቦም፥ ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ እስኪ ንገረናኢሎም ናብ ዋዕላኦም ወሰድዎ። ንሱ ኸኣ፥ እንተ ነገርኩኹምኣይትኣምኑን

68. እንተ ሐተትኩኹም ድማ፡ ኣይትምልሱለይን ኣይትፈትሑንንውን ኢኹም።

69. ወዲ ሰብ ግና ካብ ሕጂ ኣብ የማን ሓይሊ ኣምላኽ ኪቕመጥ እዩ፡ በሎም።

70. ኵሎም ከኣ፥ እምብኣርከ ንስኻስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻበልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም እኳ ትብሉ አሎኹም፡ በሎም

71. ንሳቶም ከኣ፥ ባዕላትና ኻብ ኣፉ ድሕሪ ሰማዕናኸደጊም እንታይ ምስክር የድልየናበሉ