1. ቍሊሕ ኢሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዜውድቑ ረአየ

2. ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ ረአየ እሞ፥

3. ካብ ኵላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐትብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

4. እዚኣቶምሲ ዅላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውድቑ፡ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ እያ ዘውደቐት፡ በለ።

5. ሓያሎ ብዛዕባ ቤተ መቕደስብጽቡቕ ኣእማንን ብዘውደቕዎ ስልማትን ተሰሊሙ ኸም ዘሎ፡ ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ንሱ፡

6. እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዘይተርፈለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ በለ።

7. ንሳቶም ከኣ፥ ዎ መምህርእዚ መኣዝ እዩ ዚኸውን፡ ኣጋ እዚ ዚዀነሉኸ ትእምርቱ እንታይ እዩ፡ ኢሎም ሐተትዎ

8. ንሱ ኸኣ፥ ኣነ እየ፡ እቲ ዘመን ከኣ ቀሪቡ እዩ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ ደድሕሪኦም ኣይትስዓቡከይትስሕቱ ተጠንቀቑ

9. ብዛዕባ ውግእን ዕልወትን እንተ ሰማዕኩምኣይትሰምብዱእዚ ቕድም ኪኸውን ብግዲ እዩ እሞ፡ መወዳእታ ግና ብኡብኡ ኣይከውንን እዩ፡ በለ።

10. ሽዑ በሎም፥ ህዝቢ ናብ ህዝቢ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል እዩ።

11. ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን፡ ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ኪኸውን እዩ።

12. ቅድሚ ዅሉ ኸኣ ኪሕዙኹምን ኪሰጕኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ናብ ቤት ጸሎትን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስዱኹም፡ ናብ ነገስታትን ሹማትን ኬብጽሑኹም እዮም።

13. እዚ ንምስክር ኪዀነኩም እዩ።

14-15. ኣነ ንዅሎም መኻራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከአሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ከም እትመልሱቅድም ከይትሐልዩ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ

16. ወለድን ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣሕሊፎም ኪህቡኹም፡ ካባካትኩምውን ንሓያሎ ኪቐትሉ እዮም።

17. ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩም እዩ።

18. ግናኸ ኻብ ርእስኹም ሓንቲ ጸጕሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ።

19. ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም።

20. የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም፡ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ

21. ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፡ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ፡ ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ

22. እዚ፡ እቲ ጽሑፍ ዘበለ ምእንቲ ኺፍጸምሲወርሓት ሕነ እዩ።

23. በተን መዓልትታት እቲኣተን ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። ኣብ ምድሪ በርቱዕ መከራ ኪኸውን እዩእሞ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድማ መዓት ኪወርድ እዩ።

24. ብስሕለት ሰይፊ ኺወድቁ፡ ናብ ኵሎም ኣህዛብውን ኪማረኹ እዮም። ዘመናት ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍጸምየሩሳሌም በህዛብ ክትርገጽ እያ።

25. ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን፡ ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዚገብርዎ ኺጠፍኦም እዩ።

26. ሕያሊ ሰማያት ኬንቀጥቅጥ እዩ እሞ፡ ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ።

27. ሽዑ ንወዲ ሰብ፡ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም።

28. እዚ ምዃን ምስ ጀመረምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ።

29. ሓደ ምስላ ድማ ነገሮም፥ ኣብ ኦም በለስን ኣብ ኵሉ ኦምን ርኣዩ

30. ምጥጣዑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

31. ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ

32. እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ ብሓቂ እብለኩም እሎኹ።

33. ሰማይን ምድርን ኪሐልፍቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ።

34-35. ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያእሞ፡ ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጻኩምሲንነፍስኹም ተጠንቀቑ

36. ስለዚ ካብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረክቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ

37. መዓልተ መዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ ይምህርለይተ ለይቲ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዚብሃል ከረን ደዪቡ ይሐድር ነበረ

38. ብዘሎ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ንእኡ ኺሰምዕ ናብኡ የንግህ ነበረ።