1. ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኡሉ፡

2. ኣብ ሓንቲ ኸተማንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ

3. ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ፡ ምስ እዚ መባእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ፡ ትብሎ ነበረት

4. እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ። ድሕርቲ ግና ብልቡኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ

5. እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ፡ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየንስፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ፡ በለ።

6. ጐይታ በለእዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ

7. ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽአሎምን እዩ፧ ይጽመሞዶኸ

8. ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽአሎምእብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ

9. ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም

10. ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ

11-12. እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውምካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእከምቶም ካልኦት ሰባትከተርቲዓመጽቲዘመውቲወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ።

13. እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፤ ኣምላኸይንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒእናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን

14. ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደእብለኩም አሎኹ።

15. ንሕጻናት ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎምእቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ እዚ ርእዮም ገንሕዎም።

16. የሱስ ግና ጸዊዑመንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኦም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ፡ እይትኸልክልዎም

17. ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ሕጻን ኰይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።

18. ሓደ መራሕ ድማ፥ ዎ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበርኢሉ ሐተቶ

19. የሱስ ከኣ፥ ንምንታይከ ሄር እትብለኒ፡ ብጀካ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽሄር የልቦን

20. ነተን፥ ኣይትዘሙኣይትቕተልኣይትስረቕብሓሶት ኣይትመስክርኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ዚብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ፡ በሎ።

21. ንሱ ኸኣ፥ ነዚ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ አሎኹ፡ በለ

22. የሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዔ፥ ገና ኸኣ ሓንቲ ተሪፋትካ አላ፥ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪጸንሓካ እዩ፡ ንዓውን ስዓበኒበሎ

23. ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዔኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ብዙሕ ጐሃየ

24. የሱስ ብዙሕ ምጕሃዩ ርእዩሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ

25. ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልልበለ

26. እቶም ዝሰምዑ ኸኣ፥ መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይኽእልበሉ

27. ንሱ ኸኣ፥ እቲ ንሰብ ዘይከአሎንኣምላኽ ይከኣአሎ እዩ፡ በሎም

28. ሽዑ ጴጥሮስእንሆንሕና ጥሪትና ዅሉ ሐዲግና ስዒብናካ አሎና፡ በሎ

29-30. ንሱ ኸኣ፡ ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ፡ ቤት ኰነ፡ ወይ ወለዲወይ ኣሕዋትወይ ሰበይቲወይ ውሉድ ዝሐደገኣብዚ ዘመን እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም

31. ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡ እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ አሎና፡ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ኣብ ነብያት እተጻሕፈ ዅሉ ኸኣ ኪፍጸም እዩ።

32. ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ፡ ኬላግጹሉኪጸርፍዎ ጡፍውን ኪብሉሉ፡

33. ገሪፎም ድማ ኪቐትልዎ እዮም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ እዩ፡ በሎም።

34. ንሳቶም ግና ካብዚ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዓሉንእዚ ዘረባዚ ተሰዊርዎም ነበረ እሞ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተብህልዎን ነበሩ።

35. ኰነ ድማ፡ ናብ ያሪኮ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ሓደ ዕዉር ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።

36. እኩብ ህዝቢ ኺሐልፍ ከሎ ሰሚዑ ኸኣ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተተ

37. የሱስ፡ እቲ ናዝራዊይሐልፍ አሎ፡ ኢሎም ነገርዎ

38. ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ዳዊትምሐረኒኢሉ ጨርሔ

39. እቶም ቅድሚት ዚኸዱ ዝነበሩ ስቕ ኪብል ገንሕዎ። ንሱ ግና፡ ወዲ ዳዊትምሐረኒኢሉ ኣዝዩ ጨርሔ

40-41. የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኼምጽእዎ ኣዘዘናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ የሱስ፥ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ አሎኻኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይክርኢበሎ

42. የሱስ ድማ፥ ርኤእምነትካ ኣሕወየትካበሎ

43. ብኡብኡ ረአየ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ኸኣ ሰዓቦእቶም ህዝቢ ዅሎምውን እዚ ምስ ረኣዩንኣምላኽ ኣመስገንዎ