1. ኰነ ድማ፡ ብሰንበት ኣብ ቤት ሓደ ኻብ ሓለቑ ፈሪሳውያን እንጌራ ኪበልዕ ምስ ኣተወ፡ ንሳቶም ይጸናጸንዎ ነበሩ።

2. እንሆከብዱ እተነፍሔ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ

3. የሱስ ንፈለጥቲ ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብሰንበት ምፍዋስሲ ግቡእ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ኢሉ ተዛረቦም

4. ንሳቶም ከኣ ኣጽቀጡ። ንሱ ድማ ወሲዱ ኣሕወዮን ሰደዶን

5. መሊሱ ድማ በሎምካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዔላ እንተ ወደቖብኡብኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየጽኦ መን አሎ፧

6. ነዚ ነገርዚ ኸኣ ምላሽ ሰኣኑሉ።

7. ነቶም ናብ ምሳሕ እተጸውዑ ድማ ኣውራ መቐመጢ ኸም ዚሐርዩ ምስ ረአየምስላ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ

8. ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፡ ኣብቲ ኣውራ መቐመጢ ኣይትቀመጥ። ካባኻ ዚኸብር ካልእ ጸዊዑ እንተ ዀነ፡

9. እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዔ መጺኡ፥ እዛ ስፍራ እዚእ ነዚ ሕደገሉኪብለካ እዩ እሞ፡ ሽዑ እናሐፈርካ ናብ ታሕታይ መቐመጢ ኽትወርድ ትጅምር

10-11. ርእሱ ዜዕቢ ዅሉ ኺዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዜዋርድ ከኣ ኪኸብር እዩ እሞ እንተ ተዓደምካ፡ እቲ ዝዓደመካ መጺኡዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኺብለካስኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዚምስሑ ዅሎም መቓምጥኻ ኽብረት ኪዀነልካ እዩ።

12. ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ

13. ምሳሕ እንተ ገበርካስድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ

14. ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውንብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።

15. ካብቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ሓደ እዚ ምስ ሰምዔ፥ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዚበልዕ ብጹእ እዩበሎ

16. ንሱ ኸኣ በሎ፥ ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረንብዙሓት ዓደመ

17. ኣብቲ ጊዜ ድራር ድማ ነቶም ዕዱማትኵሉ ተዳልዩ አሎ እሞ፡ ንዑ ኪብሎም ባርያኡ ለኣኸ

18. ኵሎም ከኣ ሐቢሮም ኬማኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይግራት ዓዲገ አሎኹ፡ ናብኣ ወፊረ ኽርእያ ብግዲ ዜድልየኒ ዀይኑስ፡ ከተማኻንየለይ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ

19. እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ሓሙሽተ ጽምዲ ብዕራይ ዓዲገ አሎኹ፡ ክፍትኖም ክኸይድ እየ፡ ከተማኻንየለይ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ

20. እቲ ሳልሳይ ከኣ፥ ሰበይቲ ኣእትየ አሎኹ፡ ስለዚ ኽመጽእ ኣይኰነለይን እዩ፡ በሎ

21. እቲ ባርያ መጺኡ እዚ ንጐይታኡ ነገሮ። ሽዑ እቲ ብዓል ቤት ኰርዩ ነቲ ባርያኡ፥ ናብ ኣደባባይን ናብ መተሓላለፍ ከተማን ቀልጢፍካ ውጻእድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ናብዚ ኣእቱበሎ

22. እቲ ባርያ ኸኣ፥ ጐይታይከምቲ ዝኣዘዝካዮ ዀይኑስፍራ ድማ ገና አሎበሎ

23. እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ባርያኡ፡ ናብ መገድን ናብ ገዛታትን ውጻእ እሞ ቤተይ ምእንቲ ኽትመልእሲኪኣትዉ ተጋደሎምበሎ

24. ካብቶም እተዓደሙ ሰብኡት ሓደ እኳ ንድራረይ ኣይኪጥዕሞን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

25. ብዙሓት ሰብ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ግልጽ ኢሉ በሎም

26. ናባይ ዚመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱንህይወቱውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልኤወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

27. መስቀሉ ዘይጸውር እሞ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን

28-30. ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረአይዎ ዅሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፡ እንታዋይ እዩ፧

31. ወይስ ኣየናይ ንጉስ እዩ፡ ምስ ካልእ ንጉስ ኪዋጋእ ዚኸይድ እሞ ነቲ ብኽልተ እልፊ ዚመጾስ ብእልፊ ኺገጥመሉ ዚኽእል እንተ ዀይኑተቐሚጡ ቕድም ዘይመክር

32. እንተ ዘይኰነስ፡ ገና ኻብኡ ርሑቕ ከሎ፡ ልኡኻት ናብኡ ልኢኹ ዕርቂ ይልምኖ

33. ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ዘለዎ ዅሉ ዘይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

34. ጨው ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸብምንታይ ይምቅር

35. ንወጻኢ ይጕሕፍዎ እምበር፡ ንምድሪ ዀነ፡ ንምድኳዕ ኰነ ኣይጠቅምን እዩእትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ