1. በቲ ወርሓት እቲ፡ ሓያሎ ሰባት መጺኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝጸንበሮም ገሊላውያን ነገርዎ

2. የሱስ መሊሱ በሎምነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ፡ ካብ ኵሎም ገሊላውያን ሓጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም አሎ፧

3. ኣይፋሎምእንተ ዘይተነሳሕኩምሲኵላትኩም ድማ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።

4. ወይስ እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተ ሾሞንተኸ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዅሎም ሰብ ዚበዝሕ ሓጥኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም

5. ኣይፋሎምእንተ ዘይተነሳሕኩምሲኵላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።

6. እዚ ምስላዚ ከኣ በለሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ነበረቶፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን

7. ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፥ እንሆ፡ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ እናደሌኹ ሰለስተ ዓመት መጺኤኣይረኽብኩላንቍረጻስለምንታይከ ንምድሪ ተባላሹ አላ፧ በሎ

8. ንሱ ግና፥ ጐይታይ፡ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፡ ድዅዒ ኽሳዕ ዝድኵዓ፡ እዛ ዓመት እዚኣ ድማ ሕደጋ

9. ንዓመታ እንተ ፈረየት፡ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ሽዑ ትቘርጻ፡ ኢሉ መለሰሉ።

10. ብሰንበት ኣብ ሓንቲ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ

11. እንሆ፡ ኣብኣ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ መንፈስ ድኻም ዝሐደራ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ጐቢጣ ነበረት፡ ክትቀንዕውን ከቶ ኣይተኻእላን

12. የሱስ ምስ ረኣያጸዊዑኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ሕማምኪ ተፈቲሕኪ አሎኺ፡ በላ

13. ኢዱ ኣንበረላብኡብኡ ቐንዔትንኣምላኽውን ኣመስገነቶ

14. እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ፡ የሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ዀርዩ፡ ነቶም ህዝቢኪዕየየን ዚግባእ ሹዱሽተ መዓልቲ ኣለዋኹም። እምበኣርከ ብኣታተን መጺእኩም ተፈወሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሎም

15. ጐይታ ግና፥ ኣታ ግቡዝካባካትኩምከ ዅሉ ሰብዶ ንብዕራዩ ወይስ ኣድጉ ብሰንበት ካብ ማእሰሩ ኣይፈትሖን እዩ፧ ኬስትዮስ የውርዶ ደይኰነን፧

16. እንሆ፡ እዛ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመዓልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግባእን እዩ፧ ኢሉ መለሰሉ።

17. እዚ ምስ በለ፡ እቶም እተበኣስዎ ዅሎም ሐፈሩ። በቲ ብእኡ እተገብረ ዅሉ መስተንክር ዝዀነ ግብርታት ከኣ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ተሐጐሰ

18. ድሕርዚ በለመንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ትመስልብምንታይሲ ኽምስላ እየ፧

19. ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስልበቘለት ዓባይ ኦምውን ኰነት፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ኣብ ጨናፍራ ቤተን ሰርሓ

20. ከም ብሓድሽ ድማ፥ ንመግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክምስላ እየ፧

21. ሰበይቲ ወሲዳኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ እያ እትመስል፡ በለ።

22. ኣብ ከተማታት ኣብ ዓድታትን እናመሃረ ይመለለስ ነበረ። መገዲ ኸኣ ንየሩሳሌም ገጹ ኣቕነዑ ነበረ።

23. ሓደ ሰብኣይ ከኣ፥ ጐይታይሒደት ድዮም ዚድሕኑበሎ

24. ንሱ ኸኣ በሎም፥ ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎምእብለኩም አሎኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ

25. ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ፡ ሽዑ ኣብ ወጻኢ ደው ምባል ክትጅምሩጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልናእናበልኩም ማዕጾ ዃሕኳሕ ከተብሉ ኢኹም። ንሱ ኸኣ፥ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ኢሉ ኺመልሰሎኩም እዩ።

26. ሽዑ፥ ኣብ ቅድሜኻ በሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻውን ኣብ ገዛና ምሂርካምባል ክትጅምሩ ኢኹም።

27. ንሱ ኸኣ፥ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዅላትኩምካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ካባይ ርሐቑእብለኩም አሎኹ፡ ኪብል እዩ።

28. ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ንዅሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ርኤኹምዎም፡ ንስካትኩም ግና ኣብ ወጻኢ ተደርቢኹምኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

29. ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኺመጹ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽውን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም።

30. እንሆ ድማ፡ ቀዳሞት ዚዀኑ ዳሕሮት አለዉዳሕሮት ዚኰኑ ቐዳሞትውን አለዉ።

31. በታ ጊዜ እቲኣ ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያንሄሮድስ ኪቐትለካ ይደሊ አሎ እሞ፡ ውጻእካብዚ ኣግልስኢሎም ናብኡ መጹ

32. ንሱ ኸኣ በሎም፥ ኬድኩም ነዛ ወኻርያእንሆሎምን ጽባሕን ኣጋንንቲ ኤውጽእ ኤሕዊ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ እውድእ አሎኹ።

33. ነብዪ ግና ብዘይ ኣብ የሩሳሌም ኣይቕተልን እዩ እሞ፡ ሎምን ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ክመላለስ ይግባኣኒ እዩ፡ በልዋ።

34. የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ንነብያት እትቐትሊ፡ ናባኺ ንተላእኩውን ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦምክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም

35. እንሆቤትኩም ክትዖኑ እያ። ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ እትብሉሉ ዘመን ክሳዕ ዚመጽእውንኣይክትርእዩንን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።