1. በቲ ወርሓት እቲ፡ ሓያሎ ሰባት መጺኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝጸንበሮም ገሊላውያን ነገርዎ።
2. የሱስ መሊሱ በሎም፥ ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ፡ ካብ ኵሎም ገሊላውያን ሓጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም አሎ፧
3. ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ድማ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።
4. ወይስ እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተ ሾሞንተኸ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዅሎም ሰብ ዚበዝሕ ሓጥኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም፧
5. ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።
6. እዚ ምስላዚ ከኣ በለ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን።
7. ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፥ እንሆ፡ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ እናደሌኹ ሰለስተ ዓመት መጺኤ፡ ኣይረኽብኩላን። ቍረጻ፡ ስለምንታይከ ንምድሪ ተባላሹ አላ፧ በሎ።
8. ንሱ ግና፥ ጐይታይ፡ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፡ ድዅዒ ኽሳዕ ዝድኵዓ፡ እዛ ዓመት እዚኣ ድማ ሕደጋ።
9. ንዓመታ እንተ ፈረየት፡ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ሽዑ ትቘርጻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
10. ብሰንበት ኣብ ሓንቲ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ።
11. እንሆ፡ ኣብኣ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ መንፈስ ድኻም ዝሐደራ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ጐቢጣ ነበረት፡ ክትቀንዕውን ከቶ ኣይተኻእላን።
12. የሱስ ምስ ረኣያ፡ ጸዊዑ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ሕማምኪ ተፈቲሕኪ አሎኺ፡ በላ።
13. ኢዱ ኣንበረላ፡ ብኡብኡ ቐንዔት፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነቶ።
14. እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ፡ የሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ዀርዩ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ኪዕየየን ዚግባእ ሹዱሽተ መዓልቲ ኣለዋኹም። እምበኣርከ ብኣታተን መጺእኩም ተፈወሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሎም።
15. ጐይታ ግና፥ ኣታ ግቡዝ፡ ካባካትኩምከ ዅሉ ሰብዶ ንብዕራዩ ወይስ ኣድጉ ብሰንበት ካብ ማእሰሩ ኣይፈትሖን እዩ፧ ኬስትዮስ የውርዶ ደይኰነን፧
16. እንሆ፡ እዛ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመዓልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግባእን እዩ፧ ኢሉ መለሰሉ።
17. እዚ ምስ በለ፡ እቶም እተበኣስዎ ዅሎም ሐፈሩ። በቲ ብእኡ እተገብረ ዅሉ መስተንክር ዝዀነ ግብርታት ከኣ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ተሐጐሰ።
18. ድሕርዚ በለ፥ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ትመስል፧ ብምንታይሲ ኽምስላ እየ፧
19. ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። በቘለት ዓባይ ኦምውን ኰነት፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ኣብ ጨናፍራ ቤተን ሰርሓ።
20. ከም ብሓድሽ ድማ፥ ንመግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክምስላ እየ፧
21. ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ እያ እትመስል፡ በለ።
22. ኣብ ከተማታት ኣብ ዓድታትን እናመሃረ ይመለለስ ነበረ። መገዲ ኸኣ ንየሩሳሌም ገጹ ኣቕነዑ ነበረ።
23. ሓደ ሰብኣይ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ሒደት ድዮም ዚድሕኑ፡ በሎ።
24. ንሱ ኸኣ በሎም፥ ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም አሎኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ።
25. ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ፡ ሽዑ ኣብ ወጻኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና፡ እናበልኩም ማዕጾ ዃሕኳሕ ከተብሉ ኢኹም። ንሱ ኸኣ፥ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ኢሉ ኺመልሰሎኩም እዩ።
26. ሽዑ፥ ኣብ ቅድሜኻ በሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻውን ኣብ ገዛና ምሂርካ፡ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም።
27. ንሱ ኸኣ፥ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዅላትኩም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ካባይ ርሐቑ፡ እብለኩም አሎኹ፡ ኪብል እዩ።
28. ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ንዅሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ርኤኹምዎም፡ ንስካትኩም ግና ኣብ ወጻኢ ተደርቢኹም፡ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
29. ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኺመጹ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽውን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም።
30. እንሆ ድማ፡ ቀዳሞት ዚዀኑ ዳሕሮት አለዉ፡ ዳሕሮት ዚኰኑ ቐዳሞትውን አለዉ።
31. በታ ጊዜ እቲኣ ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን፡ ሄሮድስ ኪቐትለካ ይደሊ አሎ እሞ፡ ውጻእ፡ ካብዚ ኣግልስ፡ ኢሎም ናብኡ መጹ።
32. ንሱ ኸኣ በሎም፥ ኬድኩም ነዛ ወኻርያ፥ እንሆ፡ ሎምን ጽባሕን ኣጋንንቲ ኤውጽእ ኤሕዊ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ እውድእ አሎኹ።
33. ነብዪ ግና ብዘይ ኣብ የሩሳሌም ኣይቕተልን እዩ እሞ፡ ሎምን ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ክመላለስ ይግባኣኒ እዩ፡ በልዋ።
34. የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ንነብያት እትቐትሊ፡ ናባኺ ንተላእኩውን ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም።
35. እንሆ፡ ቤትኩም ክትዖኑ እያ። ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ እትብሉሉ ዘመን ክሳዕ ዚመጽእውን፡ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...