1. ኣእላፋት ህዝቢንሓድሕዶም ክሳዕ ዚራገጹ፡ ምስ ተኣከቡንደቀ መዛሙርቱ ኺብሎም ጀመረቅድሚ ዅሉ ኻብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያን፡ ንሱ ድማ ግብዝና፡ ርእስኹም ሐልዉ

2. ግናኸ ስዉር ዘይቅላዕሕቡእውን ዘይፍለጥ የልቦን

3. ስለዚ ኣብ ጸልማት እተዛረብኩምዎ ዘበለ ኣብ ብርሃን ኪስማዕ፡ ኣብ ውሻጠ ብሕሽዅሽዅ ኣብ እዝኒ እተዛረብኩምዎም ድማ ኣብ ናሕስታት ኪስበክ ኣዩ።

4. ንኣኻትኩም ነዕሩኸይ እብለኩም አሎኹ፥ ስጋ ንዚቐትሉድሕርቲ ኻብኡ ንንየው ዚገብርዎ ብዜብሎም ኣይትፍርህዎም

5. ንመን ከም እትፈርሁ ግና ከርእየኩም፥ ነቲ ምስ ቀተለስ፡ ኣብ ገሃነም ኪድርቢ ስልጣን ዘለዎ፡ ንእኡ ፍርሁእወ፡ ንእኡ ፍርህዎእብለኩም አሎኹ።

6. ሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ።

7. ንስኻትኩምሲ ዅለን ጸጉሪ ርእስኹም እኳ ቝጽራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ

8. ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዚእመነኒ ዅሉ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪእመኖ እዩ።

9. እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዚክሕደኒ ግና ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ኪከሐድ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

10. ኣብ ወዲ ሰብ ዘረባ ዝበለ ዅሉ ይሕደገሉ፡ ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ግና፡ ኣብዚኣ ዀነ ወይስ ኣብታ እትመጽእ ዓለም፡ ኣይሕደገሉን እዩ።

11-12. ናብ ኣባይቲ ጸሎት ናብ መኳንንትን ገዛእትን እንተ ወሰዱኹምበታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ምዝራብ ከም ዚግባእመንፈስ ቅዱስ ኪምህረኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትመልሱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ

13. ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ፥ መምህርንሓወይ ርስተይ ኪመቕለኒ በለለይበሎ

14. ንሱ ኸኣ፥ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይመኒ፧ በሎ

15. ንሱ ኸኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም

16. ከምዚ ኢሉ ኸኣ ምስላ ነገሮም፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ

17. ብልቡ ኸኣ፥ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ እገብር እየ ኢሉ ሐሰበ

18. ንሱ ድማ፥ ከምዚ እገብርንማዕከነይ ኣፍሪሰኣግፊሔ እሰርሖኣብኡ ኸኣ ኵሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ

19. ንነፍሰይውን፥ ኣቲ ነፍሰይብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዚኣኽለኪ አሎኪ እሞ ዕረፊብልዒስተዪተሐጐሲእብላ፡ በለ።

20. ኣምላኽ ግና፥ ኣታ ዓሻንነፍስኻ ካባኻ ኺወስድዋ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ አለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧ በሎ

21. እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ከምኡ እዩ።

22-23. ንደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፥ ካብ ምግቢ ህይወት ትዐቢ፡ ካብ ክዳንውን ስጋ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎ ኣይትጨነቑኣብለኩም አሎኹ።

24. ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉኣምላኽ ይቕልቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ ኣይዓጽዱማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣዚኹም ዘይትበልጹ

25. ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብታ ቝመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዚክእል መን አሎ፧

26. እዚ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉስንምይታይ ደኣ ብካልእ እትጭነቑ

27. ዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ኣስተብህሉኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብረቱ ኸም ሓደ ካባታቶም ኣይተኸድነንእብለኩም አሎኹ።

28. ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ በረኻ ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነስ፡ ኣቱም ጕድላት እምነት፡ ንኣኻትኩም ግዳ ከመይ ኣብዚሑ ዘይከድነኩም

29. ንስካትኩም ከኣ እትበልዕዎን እትሰትይዎን ኣይትድለዩን ኣይትጨነቑን

30. ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም እሞ፡ እዚ ኸም ዜድልየኩምሲኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።

31. መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ኪውሰኸልኩም እዩ።

32. ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኺህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ

33-34. ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ዕቘሩ

35. ሓቛቝኹም ዕጡቕመባርህትኹም ብሩህ ይኹን።

36. ንስኻትኩምጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዚምለስ ዚጽበዩ እሞ፡ መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡብኡ ዚኸፍቱሉ ሰባት ምሰሉ።

37. እቶምጐይታኦም ኪመጽእ ከሎ፡ ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። ተዐጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዜቐምጦምቀሪቡውን ከም ዜገልግሎምብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

38. ኣብ ካልኣይቲ ወይስ ሳልሰይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸምዚ እንተ ረኸቦምእቶም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም።

39. ግናኸ እዚ ፍለጡብዓል ቤት፡ ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣምነቕሔቤቱ ኽትኰዓት ከላውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ።

40. ንስኻትኩም ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዪ እሞ፡ እተዳሎኹም ኩኑ።

41. ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ እዚ ምስላዝስ ንኣና ዲኻ እትምስሎ ዘሎኻ ወይስ ንዅሉ ኢኻ፧ በሎ

42. ጐይታ ኸኣ በለ፥ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢቀለቦም በብጊዜኡ ኪህቦምጐይታኡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞስ መን እዩ፧

43. እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚጸንሖ ባርያ ብጹእ እዩ።

44. ኣብ ብዘሎ ጥሪቱ ኸም ዚሸሞብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

45. እቲ ባርያ ብልቡምእታው ጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ ግና፡ ምግራፍ እቶም ገላውን ኣግራድን ምብላዕን ምስታይን ምስካርን ይጅምር

46. ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲብዘይፈለጣ ሰዓት ኪመጽእቈራሪጹ ኸኣ ግዲኡ ምስቶም ዘይኣምኑ ኺገብሮ እዩ።

47. እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ባርያ ብዙሕ መግረፍቲ ዚግብኦ እዩ።

48. እቲ ኸይፈለጠ ንመግረፍቲ ዚግብኦ ዝገበረ ግና ሒደት እዩ ዚግረፍብዙሕ ንዝሃብዎ ብዙሕ ይደልይዎብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ እዮም።

49. ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ፡ ሕጅስ ብጀካ ምንዳዱ እንታይ እደሊ ኣሊኹ፧

50. ዝጥመቓ ጥምቀት ግና ኣላትኒክሳዕ እትፍጸምሲ ኸመይከ ዘይትጸበኒ

51. ናብ ምድሪዶ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ይመስለኩም አሎ፧ ምፍልላይ ደኣ እምበር፡ ኣይኰነንእብለኩም አሎኹ።

52. ካብ ሕጂ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ዀኑሰለስተ ኻብ ክልተ፡ ክልተ ድማ ካብ ሰለሰተ ኪፋላለዩ እዮም።

53. ኣቦ ኻብ ወዱወዲውን ካብ ኣቦኡኣደ ኻብ ጓላጓላውን ካብ ኣዲኣሓማት ካብ መርዓት ወዳ፡ መርዓት ወዲውን ካብ ሓማታ ኺፋላለዩ እዮም።

54. ነቶም ህዝቢ ድማ በሎም፡ ደበና ኻብ ምዕራብ ኪዳባኖ ኸሎ ምስ ርኤኹምሽዑዝናብ ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ ኢኹም፡ ከምኡ ኸኣ ይኸውን

55. ንፋስ ደቡብ ኪነፍስ ምስ ርኤኹምውን፥ ሃሩር ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ፡ ከምኡ ድማ ይኸውን

56. ኣቱም ግቡዛትምምርማር ገጽ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፡ ከመይ ደኣ ነዚ ዘመን እዝስ ዘይትምርምርዎ

57. ስለምንታይከ ባዕላትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ

58. ምስ መባእስትኻ ናብ ሹም እንተ ኸድኻ፡ ኣብ ፈራዲ ኸየብጽሓካ፡ እቲ ፈራዲ ኸኣ ንግልያኡ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ እቲ ግልያኡውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ፡ ኣብ መገዲ ኸሎኻ ምስኡ ንምትዕራቕ ተጋደል።

59. እንተ ዘይኰነስ፡ እታ መወዳእታ ለብጦን ክሳዕ እትፈዲካብኡ ኣይክትወጽእን ኢኻ፡ እብለካ አሎኹ።