1. ነዚ ኣባና ብርግጽ እተአምነ ነገር ዛንታኡ ኺጽሕፉ ብዙሓት ካብ ዚጅምሩ

2. እቶም ካብ መጀመርታ በዒንቶም ዝረኣዩን ኣገልገልቲ እቲ ቓል ዝነበሩን ከም ዝነገሩና

3-4. ኣታ ኽቡር ቴዎፍሎስኣነ ኸኣ ንዅሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ስዒበዮ እየ እሞ፡ ሓቂ እቲ እተምሃርካዮ ምህሮ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥሲበብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረአየኒ አሎ።

5. ብዘመን ሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ ክፍሊ ኣብያ ዘካርያስ ዚብሃል ካህን ነበረ። ካብ ኣዋልድ ኣሮን ከኣ ኤልሳቤጥ እትብሀል ሰበይቲ ነበረቶ።

6. ክልቲኦም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ነበሩብዅሉ ትእዛዛት እግዝኣብሄርን ሕጋጋቱን ብዘይ ጕድለት ዚኸዱ ነበሩ።

7. ኤልሳቤጥ መኻን ነበረት እሞ፡ ውሉድ ኣይነበሮምን፡ ክልቲኦም ድማ ዕለቶም ዝሐለፈ ኣረገውቲ ነበሩ

8. ኰነ ድማብተራ ወገኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግብሪ ኽህነት ኪገብር ከሎ

9. ከም ልማድ ካህናት ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ አትዩ ዕጣን ኪዓጥን ብዕጭ በጽሖ።

10. በቲ ጊዜ ዕጣን ከኣ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ብወጻኢ ዀይኑ ይጽሊ ነበረ

11. በቲ ወገን የማን መሰውኢ ዕጣን ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ተራእዮ

12. ዘካርያስ ከኣ ርእይዎ ሰምበደ ፍርሃትውን ወደቖ

13. እቲ መልኣኽ ድማ በሎዘካርያስጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራሕሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልድካ እያ፡ ስሙውን ዮሃንስ ክትሰምዮ ኢኻ።

14. ንሱ ሓጐስን ተድላን ኪዀነልካ እዩ፡ ብልደቱ ኸኣ ብዙሓት ኪሕጐሱ እዮም።

15. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ኪኸውን እዩ እሞ። ወይንን ዜስክር መስተን ከኣ ከቶ ኣይኪሰትን እዩ። ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኸሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪመልኦ እዩ።

16. ንብዙሓት ካብ ደቂ እስራኤልውን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኪመልሶም እዩ።

17. ንሱ ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኬዳሉልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ኪመልስብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቅድሚኡ ኪኸይድ እዩ።

18. ዘካርያስ ከኣ ነቲ መልኣኽ፥ ኣነ ኣሪገ እየ፡ ሰበይተይ ከኣ ዕለታ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ነዚ ብምንታይ ክፈልጦ እየ? በሎ

19. እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውም ገብርኤል እየ፡ ክዛረበካን እዚ ድማ ከብስረካን እየ ናባኻ እተለኣኽኩ

20. እንሆ ኸኣ፡ ነቲ ብጊዜኡ ዚፍጸም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካክሳዕ እታ እዚ ነገርዚ ዚዀነላ መዓልቲ ዓባስ ክትከውን ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ።

21. እቶም እኩባት ሰብ ከኣ ንዘካርያስ ይጽበይዎ ነበሩ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ኣስተንከሮም

22. ምስ ወጸ ድማ፡ ኪዛረቦም ኣይከኣለን። ሽዑ ኣብ መቕደስ ራእይ ከም ዝረአየ ፈለጡ። ንሱ ድማ ብኢዱ ኣመልከቶምዓባስ ኰይኑውን ይነብር ነበረ።

23. ኰነ ድማ፡ ቅነ ምግልጋሉ ምስ ኣብጽሔናብ ቤቱ ኸደ

24-25. ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኤን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፥ ጐይታይ ንኣይ ብዝረአየለን መዓልትታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኼርሕቕ፡ ከምዚ ገበረለይ፡ ኢላ ሓሙሽተ ወርሒ ንፍሳ ሐብኤት

26-27. ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሀል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዚብሃል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሐጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ።

28. እቲ መልኣኽ ናብኣ አትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋእግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺበላ

29. ንሳ ምስ ረአየቶበቲ ዘረባኡ ሰምበደት፥ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢላውን ሐሰበት

30. እቲ መልኣኽ ከኣ በላማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ

31. እንሆክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ።

32. ንሱ ዓብዪ ኪኸውንወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ።

33. ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።

34. ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ኪኸውን እዩ፡ በለቶ

35. እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱመንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።

36-37. እንሆኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ- ንኣምላኽ ዚሰኣኖ ነገር ስለ ዜልቦ፡ - ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ አላ፡ ነታ መኻን እትብሀል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ።

38. ማርያም ከኣ፥ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄርከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይበለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ

39. በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስኤትተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት

40. ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ።

41. ኰነ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዔት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ

42. ብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፥ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ።

43. ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸእዚ ኻበይ ኰነለይ፧

44. እንሆድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ብሓጐስ ተሰራሰረ

45. እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ኪፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝአመነት ብርኽቲ እያ።

46. ማርያም ድማ በለትነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ

47-49. መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይባህ ይብሎውርደት ባርያኡ ስለ ዝረአየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም።

50. ምሕረቱውን ነቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።

51. ሓያሊ ብቕልጽሙ ገበረንዅሩዓት ብሓሳብ ልቦም ዘረዎም

52. ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶምንተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም።

53. ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽገቦምንሃብታማትውን ጥራይ ኢዶም ሰደዶም

54-55. ከምቲ ነቦታትናንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረት እናዘከረንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ

56. ማርያም ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ዚኣክል ምስኣ ወርሔት፡ ደሓር ከኣ ናብ ቤታ ተመልሰት

57. ኤልሳቤጥ ክትወልድ ኣዋርሕ በጽሔ ወዲውን ወለደት

58. ጐረባብታን ኣዝማዳን ድማ፡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖምምስኣ ተሐጐሱ

59. ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ነቲ ሕጻን ኪገርዝዎ መጹብስም ኣቦኡ ኸኣ ዘካርያስ ሰመይዎ

60. ሽዑ ኣዲኡኣይፋሉንዮሃንስ እዩ ዚስመኢላ መለሰት

61. ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ዓሌትኪ በዚ ስም እዚ እተሰምየ የልቦን፡ በልዋ

62. ነቦኡ ድማ እንታይ ኪስመ ኸም ዚደሊእናኣመልከቱ ሐተትዎ።

63. ንሱ ንእሽቶ ሰሌዳ ለሚኑስሙ ዮሃንስ እዩ፡ ኢሉ ጸሐፈኵሎም ከኣ ተገረሙ

64. ብኡብኡ ኣፉ ተኸፈተልሳኑውን ተፈትሔ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ኸኣ ተዛረበ

65. ኣብ ኵሎም ጐረባብቶም ከኣ ፍርሃት ኰነብዘሎ እዚ ነገርዚ ኣብ ኵላ ዝባን ይሁዳ ተወርየ

66. ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ፥ እዚ ህጻን እዝስ እንታይ ኰን ኪኸውን እዩ፧ ኢሎም ኣብ ልቦም ሐዝዎኢድ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረት።

67. ነቦኡ ዘካርያስ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ከምዚ ኢሉውን ተነበየ

68. ንህዝቡ ስለ ዝበጽሖምን እተበጀዎምንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ

69-70. ከምቲ በቶም ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ብኣፍ ቅዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቀርኒ ምድሓን ኣተንስኣልና

71. ካብ ጸላእትናን ካብ ኢድ ኵሎም ዚጸልኡናን ኬድሕነና

72. ምስ ኣቦታትና ምሕረት ኪገብር፡ ነቲ ቅዱስ ኪዳኑ ኺዝክሮ

73. እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሐለሉ ማሕላ ኺህበና፡

74-75. ብቕድስናን ብጽድቅን ብዅሉ ዕለትና ኣብ ቅድሚኡ ኻብ ኢድ ጸላእትና ድሒንና ብዘይ ፍርሃት ከነምልኾ ኢና።

76-77. ኣታ ሕጻን፡ ንስኻ ድማ ንህዝቡ ብሕድገት ሓጢኣቶም ፍልጠት ምድሓን ክትህቦምመገዲ ኸተቕንዕቀቅድሚ ጐይታ ኽትከይድ ኢኻ እሞ፡ ነብዪ ልዑል ክትብሃል ኢኻ።

78-79. ነእጋርና ናብ መገዲ ሰላም ኬቕንዕ፡ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ተቐሚጦም ዘለዉ ኼብርህ፡ ስለ ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽናብእኡ ኻብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ኪበጽሓና እዩ።

80. እቲ ሕጻን ዓበየብመንፈስ ከኣ ደልደለክሳዕ እታ ንእስራኤል እተገልጸላ መዓልቲውን ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ።