1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ሰብ ምስ ዚመጻባዕ፡ እቶም ነፍሳት ንእግዚኣብሄር ከም ገምጋምካ ይተሐሰቡ።

3. እቲ ገምጋምካ ድማ፡ ንተባዕታይ ካብ ዕስራ ዓመት ክሳዕ ወዲ ስሳ ዓመት ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይኹን።

4. ጓል ኣንስተይቲ እንተ ዀነት ከኣ፡ ገምጋምካ ሰላሳ ሲቃል ይኹን።

5. ካብ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ክሳዕ ወዲ ዕስራ ዓመት እንተ ዀነ ድማ፡ ገምጋምካ ንተባዕታይ ዕስራ ሲቃልንጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ዓሰርተ ሲቃል ይኹን።

6. ካብ ወዲ ሓደ ወርሒ ኽሳዕ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት እንተ ዀነ ድማ፡ ገምጋምካ ንተባዕታይ ሓሙሽተ ሲቃል ብሩር፡ ገምጋምካ ንጓል ኣንስተይቲውን ሰለስተ ሲቃል ብሩር ይኹን።

7. ካብ ወዲ ስሳ ዓመት ንላዕሊ ድማ፡ ንተባዕታይ እንተ ዀነ፡ ገምጋምካ ዓሰርተው ሓሙሽተ ሲቃልንጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ዓሰርተ ሲቃል ይኹን።

8. ነቲ ገምጋምካ ዘይኽእል ድኻ እንተ ዀነ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብልዎ፡ እቲ ኻህን ከኣ ይገምግሞ። እቲ ኻህን ነቲ እተመባጽዔ ኸምቲ ኣብ ኢዱ ዚረኽቦ ይገምግሞ።

9. እቲ ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ መስዋእቲ ኻብ እንስሳ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ካብኡ ንእግዚኣብሄር እተዋህበ ዂሉ ቅዱስ ይኹን።

10. ጽቡቕ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ወይ ክፉእ ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ኣይሕለፍ፡ ኣይለወጥ ድማ። እንስሳ ንእንስሳ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላውጡን ቅዱሳት ይዀኑ።

11. ካብቶም ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ዘይቕረቡ ርኹሳት ዘበሉ እንስሳ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ፡

12. ጽቡቕ እንተ ዀይኑ ወይ ክፋእ፡ እቲ ኻህን ብመጠኑ ይገምግም። ኣታ ኻህን፡ ከም ገምጋምካ ኸምኡ ይኹን።

13. ኪብጀዎ እንተ ደለየ ኸኣ፡ ሓምሳይ ኢድ እቲ ገምጋምካ ይወስኸሉ

14. ሰብ ቤቱ ንእግዚኣብሄር ቅድስቲ ኽትከውን እንተ ቐደሳ ድማ፡ ብመጠን ምጽባቓ ወይ ምሕማቓ እቲ ኻህን ይገምግማ። ከምቲ ኻህን ዝገምገማ ኸምኡ ይቑም

15. እቲ ንቤቱ ዝቐደሳ ኺብጀዋ እንተ ደለየ፡ ነቲ ዝገምገምካዮ ብሩርስ ሓምሳይ ኢድ ይወስኸሉ እሞ ናቱ ትኹን።

16. ሰብ ካብ ግራት ርስቱ ገለ ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሰ፡ እቲ ገምጋምካ ኸም መጠን ዘርኣ ይኹን፡ ሆሜር ስገም ዜዝርእ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይተሐሰብ።

17. ነታ ግራቱ ኻብ ዓመት እልልታ ጀሚሩ እንተ ቐደሳ፡ ከምቲ ገምጋምካ ይቑም

18. ንግራቱ ድሕሪ ዓመት እልልታ እንተ ቐደሳ ኸኣ፡ እቲ ኻህን ብፍቕዲ እተን ክሳዕ ዓመት እልልታ ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፡ ካብቲ ገምጋምካ ኸኣ ይጒደል

19. እቲ ግራቱ ዝቐደሰ ኺብጀዋ እንተ ደለየ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝገምገምካዮ ዋጋኣ ሓምሳይ ኢድ ይወስኽ፡ ኣብኡ ኸኣ ትቑም

20. ነታ ግራት ኪብጀዋ እንተ ዘይደለየ፡ ወይ ነታ ግራት ናብ ካልእ ሰብ እንተ ሸጣ፡ ድሕሪ እቲ ኺብጀዋ ኣይከኣሎን እዩ።

21. ብዓመት እልልታ ምስ ወጸት ግና፡ ከም እተሐርመት ግራት ንእግዚኣብሄር ትቀደስ እሞ ርስቲ ኻህን ትኹን።

22. ካብ ግራት ርስቱ ዘይኰነት እተሻየጣ ግራት ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሰ ድማ፡

23. ሽዑ እቲ ኻህን ነቲ ዋጋ ገምጋምካ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ይሕሰበሉ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እቲ ዋጋ ገምጋምካ ንእግዚኣብሄር ከም እተቐደሰ ገይሩ ይሀብ

24. ብዓመት እልልታ ግና እታ ግራት ናብቲ ሸያጢኣ፡ ናብቲ እታ ምድሪ ርስቱ ዝነበረት ትመለስ

25. ኲሉ ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ ይኹን፡ እታ ሲቃል ድማ ዕስራ ጌራ ትኹን።

26. በዂሪ እንስሳ ግና፡ በዂሪ ምዃኑ ናይ እግዚኣብሄር ዝዀነ፡ ብዕራይ ኰነ በጊዕ ኰነ፡ ሰብ ኪቕድሶ ኣይከአልን። ናይ እግዚኣብሄር እዩ።

27. ካብ ርኹስ እንስሳ እንተ ዀነ ግና፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ገምጋምካ ሓምሳይ ኢድ ወሲኹ ይበጀዎ። እንተ ዘይተበጀወ፡ በቲ ገምጋምካ ይሸየጥ

28. ሰብ ንእግዚኣብሄር ዝሐረሞ ዂሉ ሕሩም ነገር ካብ ዝዀነ ገንዘቡ፡ ሰብ ኰነ እንስሳ ዀነ ወይ ግራት ርስቱ ዝዀነት፡ ኣይሸየጥ ኣይበጀዎ ድማ። እተሐርመ ዘበለ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳን እዩ።

29. እተሐርመ ዘበለ ሕሩም ሰብ ሞት ይሙት እምበር፡ ኣይበጀዎ

30. ኲሉ ዕሽር ምድሪ ድማ፡ ካብ ዘርኢ ምድሪ ዀነ፡ ካብ ፍረ ኦም ኰነ፡ ንሱ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ እዩ።

31. ሰብ ካብቲ ዕሽሩ ኺብጆ እንተ ደለየ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕምሻኡ ይወስኸሉ

32. ዕሽር ኲሉ ኣሓን ጤለ በጊዕንዕሽር እቲ ብትሕቲ በትሪ ዚሐልፍ ኲሉ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን።

33. ጽቡቕ ምዃኑ ወይ ክፉእ ኣይመርምር ኣይለውጥ ድማ፡ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላውጡን ቅዱሳት ይኹኑ፡ ኣይበጀዎ ኸኣ።

34. እቲ እግዚብሄር ንደቂ እስራኤል ኢሉ ኣብ ከረን ሲና ንሙሴ ዝአዘዞ ትእዛዛት እዚ እዩ።

Chap 26