1. ድሕሪ ሞት ክልቲኦም ደቂ ኣሮን፡ እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ቀረቡ ዝሞቱእግዚኣብሄር ንሙሴ ተዛረቦ

2. እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ በሎ፡ ኣነ ብደበና ኣብ ልዕሊ መኽደን መተዓረቒ ኽርኤ እየ እሞ፡ ንሓውካ ኣሮን ከይመውትሲናብ ቤት መቕደስ ኣብ ውሽጢ መጋረጃ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ መኽደን መተዓረቒ ዂሉ ጊዜ ኸይአቱንገሮ

3. ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕንዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ሓደ ድዑል ሒዙ፡ ኣሮን በዚ ናብ ቤተ መቕደስ ይእቶ

4. እቲ ናይ ልዕጺ እንጣጢዕ ቅዱስ ቀምሽ ታሕቲ ይከደንናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ስረ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ይግበር፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅናት ድማ ይተዐጠቕናይ ልሕጺ እንጣጢዕ መጠምጠምያውን ኣብ ርእሱ ይጠምጠምእዚ ቅዱስ ኣልባስ እዩ፡ ስጋኡ ብማይ ተሐጺቡ ይከደኖ

5. ካብ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ክልተ ድቤላንዚሐርር መስዋእቲውን ሓደ ድዑል ይውሰድ

6. ኣሮን ከኣ ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርቦንርእሱን ንቤቱን ከኣ የተዐርቕ

7. ንኽልቲኦም ድቤላ ወሲዱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው የብሎም

8. ኣሮን ድማ ነቶም ክልተ ድቤላሓደ ዕጫ ንእግዚኣብሄርሓደ ዕጫ ከኣ ንዓዛዚል ኪኸውን፡ ዕጭ የውድቐሎም

9. ኣሮን ድማ ነቲ ብዕጫ ንእግዚኣብሄር ዝበጽሖ ድቤላ የቕርቦ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይሰውኣዮ።

10. እቲ ብዕጫ ንዓዛዜል ዝበጽሔ ድቤላ ግና ንዓዛዜል ናብ በረኻ ኺስደድንምትዕራቑ ብህይወቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ይበል።

11. ኣሮን ከኣ ነቲ ንርእሱ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርቦ፡ ንርእሱን ንቤቱን ድማ የተዐርቕ፡ ነቲ ንርእሱ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ይሕረዶ

12. ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ጽንሃህ ምሉእ ጓህሪ ይውሰድ፡ ካብቲ እተጐድኤ ምኡዝ ዕጣን ከኣ ምሉእ ሕፍኑ ወሲዱ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ

13. ከይመውትሲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒደበና ዕጣን ምእንቲ ኪኽውሎ ከኣ፡ ነቲ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብቲ ሓዊ ይግበሮ

14. ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ድማ፡ ናብ መኽደን መተዓረቒ ብሸነኽ ምብራቑ በጻብዑ ይንጸግኣብ ቅድሚ መኽደን መተዓረቒውን ካብቲ ደም ሾብዓተ ሳዕ በጻብዑ ይንጸግ

15. ነቲ ድቤላ መስዋእቲ ሓጢኣት ህዝቢ ድማ ይሕረዶነቲ ደሙ ኸኣ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎበቲ ደሙውን ከምቲ ብደም እቲ ዝራብዕ ዝገበሮ ይግበርኣብ ልዕሊ መኽደን መተዓረቕን ኣብ ቅድሚ መኽደን መተዓረቕን ይንጸጎ

16. ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኤል ካብ በደሎምን ብዝዀነ ሓጢኣቶም ንመቕደስ የተዐርቆነቲ ምሳታቶም ኣብ ማእከል ርኽሰቶም ዘሎ ድንኳን ምርኻብ ድማ ከምኡ ይግበረሉ

17. ንሱ ኼተዐርቕ ናብ መቕደስ ምስ ዚኣቱ፡ ክሳዕ ዚወጽእ፡ ንርእሱን ንቤቱን ንብዘላ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ክሳዕ ዜተዐርቕገለ ሰብ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣይኹን።

18. ናብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ወጺኡ ኸኣ፡ ንእኡ የተዐርቆካብ ደም እቲ ዝራብዕን ካብ ደም እቲ ድቤላን ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብዙርያኡ ይግበሮ

19. ካብቲ ደም ከኣ በጻብዑ ሾብዓተ ሳዕ ኣብ ልዕሊኡ ይንጸግካብ ርኽሰት ደቂ እስራኤል ድማ የንጽሃዮን ይቐድሶን።

20. ንመቕደስን ንድንኳን ምርኻብን ንመሰውእን ዐሪቑ ምስ ወድኤ ኸኣ፡ ነቲ ህያው ድቤላ የቕርቦ

21. ኣሮን ድማ ክልቲኡ ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ህያው ድቤላ የንብር እሞብኲሉ ኽፍኣት ደቂ እስራኤልን ብዂሉ በደሎምን ብዂሉ ሓጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝኣብ ርእሲ እቲ ድቤላ ኸኣ የንብሮብኢድ እቲ ነዚ እተዳለወ ሰብኣይ ድማ ንበረኻ ይስደዶ

22. እቲ ድቤላ ኸኣ ንዂሉ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኡ ናብ ጽምዊ ምድሪ ይጹሮነቲ ድቤላ ድማ ንበረኻ ይፈንዎ

23. ኣሮን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ይእቶ፡ ነቲ ናብ መቕደስ ኪአቱ ኸሎ ለቢስዎ ዝነበረ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣልባሳትውን የውጽኣዮ፡ ኣብኡ ኸኣ ይሕደጎ።

24. ድማ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዀይኑ፡ ስጋኡ ብማይ ይተሐጸብክዳውንቱ ኸኣ ይከደንወጺኡ ድማ ነቲ ዚሐርር መስዋእቱን ነዚ ዚሐርር መስዋእቲ ህዝብን ይሰውእ፡ ንርእሱን ንህዝብን ከኣ የተዐርቕ

25. ስብሒ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣብ መሰውኢ የሕርር

26. እቲ ነቲ ድቤላ ንዓዛዜል ዝፈነወ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ ስጋኡውን ብማይ ይተሐጸብድሕርዚ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ

27. ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣትን ነቲ ድቤላ መስዋእቲ ሓጢኣትንደሞም ንምትዕራቕ ናብ መቕደስ ዝአተወናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽእዎም፡ ቈርበቶምን ስጋኦምን ፈርሶምን ከኣ ብሓዊ የንድድዎ

28. እቲ ዘንደዶም ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ ስጋኡውን ብማይ ይተሐጸብድሕርዚ ናብ ሰፈር ይእቶ

29. እዚ ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም፥ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ብዓስረይቲ መዓልቲ፡ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ኣብ ማእከልኩም ዚቕመጥ ስደተኛነፍስኹም ኣዋርዱ፡ ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩ

30. በታ መዓልቲ እቲኣ ምእንቲ ኽትነጽሁስ ክትተዐረቑ ኢኹም እሞ፡ ካብ ኲሉ ሓጢኣትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክትነጽሁ ኢኹም።

31. ንኣኻትኩም ዓባይ ሰንበት ዕረፍቲ እያ፡ ነፍስኹም ከኣ ኣዋርዱ፡ ሕጊ ዘለኣለም እዩ

32. እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኻህን ኪኸውን እተቐብኤን እተቐደሰን ካህን የተዐርቕ፡ እቲ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣልባስ ድማ፡ እቲ ቅዱስ ኣልባስይልበስ

33. ነቲ ቅዱስተ ቅዱሳን ከኣ የተዐርቕንድንኳን ምርኻብን ንመሰውእን ድማ የተዐርቕንኻህናትን ንዂሉ ህዝቢ ማሕበርን ከኣ የተዐርቕ

34. ንደቂ እስራኤል ሓንሳእ ኣብ ዓመት ካብ ኲሉ ሓጢኣቶም ንምትዕራቕ፡ እዚ ሕጊ ዘለኣለም ይኹነልኩም። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ኸኣ ገበረ