1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. እቲ ቐንዴል ወርትግ ኪበርህሲደቂ እስራኤል ንቐዋሚ ቐንዴል ዚኸውን እተጐድኤ ጽሩይ ዘይቲ ኣውልዕ ኬምጽኡልካኣዝዝ

3. ኣሮን ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ብወጻኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብ ምሸት ክሳዕ ብጊሓት ወርትግ የዳልዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።

4. ነቲ ቐነዲል ኣብቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወርትግ የዳልዎ

5. ድኹም ሓርጭ ወሲድካ ድማ፡ ካብኡ ዓሰርተው ክልተ እንጌራ ሰንክትነንሓደ እንጌራ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ይኹን።

6. ኣብቲ ጽሩይ ሰደቓ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በብሹድሽተ ጌርካ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣንብሮ

7. ነቲ እንጌራ ድማ ንመዘከርታ፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኪኸውንሲ፡ ኣብ ለልዕሊ እቲ መመስርዕ እንጌራ ጽሩይ ዕጣን ኣንብር

8. ካብ ደቂ እስራኤል ንኺዳን ዘለኣለም በብመዓልቲ ሰንበት ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የዳልዎ

9. እዚ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ንእኡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኸኣ ይብልዕዎ። እዚ ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ።

10. ወዲ ሓንቲ እስራኤላዊት ሰበይቲ፡ ንሱ ኸኣ ወዲ ምስራዊ ሰብኣይ፡ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወጸወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይትን ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይን ድማ ኣብቲ ሰፈር ተበአሱ።

11. ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸኣ ንስም እግዚኣብሄር ጸረፈን ኣቃለለን። ናብ ሙሴ ድማ ኣምጽእዎ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ሰሎሚት ጓል ዲብሪ፡ ካብ ነገድ ዳን ነበረት።

12. ብዛዕባኡ ብኣፍ እግዚብሄር ክሳዕ ዚቚረጸሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣጽንሕዎ

13. እግዚብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

14. ነቲ መቃለሊ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽኣዮ፡ እቶም ዝሰምዕዎ ዂሎም ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ።

15. ንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ዝዀነ ሰብ ንኣምላኹ ዘቃለለሓጢኣቱ ይጸውር

16. እቲ ስም እግዚኣብሄር ዚጸርፍ፡ ሞት ይሙት፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ብዳርባ እምኒ ይቕተሎጓና ዀነ ወይ ወዲ ዓዲ፡ ስም እግዚኣብሄር ምስ ዚጸርፍ ይሙት

17. ንዝዀነ ሰብ ዝቐተለ ሰብሞት ይሙት

18. እንስሳ ዝቐተለ ይተክእ፡ ህይወት ኣብ ክንዲ ህይወት።

19. ሰብ፡ ኣካል ብጻዩ ምስ ዜጒድል፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ይግበርዎ

20. ምስባር ኣብ ክንዲ ምስባር፡ ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኣብ ክንዲ ስኒ። ከምቲ ንሱ ንሰብ ዘጒደሎ፡ ንእኡ ድማ ከምኡ ይግበርዎ

21. እንስሳ ዝቐተለ ይተክኣሉሰብ ዝቐተለ ኸኣ ይሙት

22. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንጓና ኸም ዝዀነ፡ ንወዲ ዓዲውን ከምኡ ይኹን፡ ሓደ ፍርዲ ይኹነልኩም።

23. ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም። ንሳቶም ድማ ነቲ መቃለሊ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጺኦም፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገበሩ