1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንደቂ እስራኤል ተዛረቦምበሎም ከኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

3. ከም ግብሪ እታ ዝነበርኩምዋ ምድሪ ግብጺ ኣይትግበሩከም ግብሪ እታ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ሃገር ከነአን ድማ ኣይትግበሩ፡ ብስርዓቶምውን ኣይትመላለሱ

4. ብእኡ ኽትመላለሱ ፍርድታተይ ግበሩሕጋጋተይ ከኣ ሐልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

5. ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ሐልዉእቲ ዚገብሮ ሰብ ብእኡ ህያው ይኸውን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

6. ሓደ ሰብ እኳ ቀረባ ዘመዱ ናብ ዘበለት ሕፍረታ ኪቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባኣነ እግዚኣብሄር እየ

7. ሕፍረት ኣቦኻን ሕፍረት ኣዴኻን ኣይትቕላዕኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ

8. ሕፍረት ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕሕፍረት ኣቦኻ እዩ።

9. ሕፍረት ሓብትኻ ኣይትቕላዕ፡ ጓል ኣቦካ ወይ ጓል ኣዴኻ፡ ኣብ ቤት እተወልደት ወይ ኣብ ግዳም እተወልደትሕፍረት ኣይትቕላዕ

10. ሕፍረት ጓል ወድኻ ወይ ጓል ጓልካሕፍረትካ እዩ እሞ፡ ሕፍረተን ኣይትቕላዕ

11. ሕፍረት ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ፡ ካብ ኣቦኻ እተወልደት ሓብትኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ

12. ሕፍረት ኣሞኻ ኣይትቕላዕ፡ ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ፡

13. ቀረባ ዘመድ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረት ሓትኖኻ ኣይትቕላዕ

14. ሕፍረት ሓው ኣቦኻ ኣይትቕላዕናብ ሰበይቱ ኣይትቕረብሓብቲ ኣቦኻ እያ።

15. ሕፍረት ሰበይቲ ወድኻ ኣይትቕላዕሰበይቲ ወድኻ እያ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ

16. ሕፍረት ሰበይቲ ሓውካ ኣይትቕላዕሕፍረት ሓውካ እዩ።

17. ሕፍረት ሰበይትን ጓላን ኣይትቕላዕጓል ወዳ ወይ ጓል ጓላ ድማ ሕፍረታ ንምቕላዕ ኣይትውሰድንሳተን ቀረባ ዘመድ እየን እሞ፡ ገበን እዩ

18. ብህይወታ ኸላ ሕፍረታ ብምቕላዕ ከተቕንኣ ሰበይቲ ምስናይ ሓብታ ኣይተእቱ

19. ሰበይቲ ብጻግኒአ ረኺሳ ኸላ፡ ሕፍረታ ኽትቀልዕ ኣይትቕረባ

20. ሰበይቲ ብጻይካ፡ ብእኣ ኸይትረክስብስጋ ምስኣ ንምርኻብ ኣይትደቅስ

21. ካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሀብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ

22. ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብአይ ኣይትደቅስእዚ ጽያፍ እዩ

23. ብእኣ ኸይትረክስ፡ ምስ ገለ እንስሳ ብስጋ ኣይትራኸብ። ሰበይቲ ድማ ብስጋ ኽትራኸብ ኢላ ኣብ ቅድሚ እንስሳ ደው ኣይትበል፡ እዚ ጉድ ነገር እዩ።

24. እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝብታት በዚ ዂሉ ረኺሶም እዮም እሞ፡ በዚ ዂሉ ኣይትርከሱ

25. እታ ምድሪ በዚ ረኸሰት፡ ኣነ ኸኣ ሓጢኣታ ኣብ ርእሳ ኽመልስ እየ፡ እታ ምድሪ ድማ ነቶም ዚነብርዋ ኽትተፍኦም እያ።

26. ንስኻትኩም ግና ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ሐልዉወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ኣብ መንጎኹም ዚነብር ጓና፡ ካብ ኲሉ እዚ ጽያፍ እዚ ገለ ኣይትግበሩ

27. እዚ ዂሉ ጽያፍ እቶም ቅድሜኹም ኣብአ ዝነበሩ ሰብ እታ ሃገር ገይሮምዎ እዮም እሞ፡ እታ ምድሪ ረኸሰት

28. እታ ምድሪ ምስ ኣርከስኩምዋ፡ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበርዋ ህዝቢ ኸም ዝተፍኣቶም፡ ንኣኻትኩም ድማ ከይትተፍኣኩም

29. ካብዚ ዂሉ ጽያፍ እዚ ዝገበረ ዘበለ፡ እተን ዝገበራ ነፍሳት ካብ መንጎ ህዝበን ኪምንቈሳ እየን

30. እቲ ቕድሜኹም ዚገብርዎ ዝነበሩ ርኹስ ስርዓታት ከይትገብሩ፡ ብእኡ ኸኣ ከይትረኽሱ፡ እቲ ኽትሕልውዎ ኢለ ዝአዘዝኩኹም ሐልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።