1. ከመይ ኢሉ ዀን እግዚኣብሄር ብዂራኡ ንጓል ጽዮን ብደበና ኣጐልበባንኽብሪ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮብመዓልቲ ቚጥዓኡ ኸኣ ንድኳ ኣእጋሩ ኣይዘከረን

2. እግዚኣብሄር ንዂሉ መሓድር ያእቆብ ብዘይ ምሕረት ወሐጦብቚጥዓኡ ንዕርድታት ጓል ይሁዳ ኣፍረሶ፡ ኣሕመድመዶ፡ መንግስትን መሳፍንታን ከኣ ኣርከሰ

3. በቲ ጒሁር ኲራኡ ድማ ንዂሉ ቐርኒ እስራኤል ሰልዔካብ ጸላኢ ኸኣ ንየማነይቱ መለሳ፡ ከምቲ ንኸባቢኡ ዚልቚምጽ ሃልሃልታ ሓዊ ንያእቆብ ሞዂ ኣበሎ።

4. ከም ጸላኢ ቐስቱ ገተረ፡ ከም ወደረኛ የማኑ ኣልዐለንዓይኒ ዜብህግ ዘበለ ቐተለ፡ ኣብቲ ድንኳን ጓል ጽዮን ነድሩ ኸም ሓዊ ኸዐወ

5. እግዚኣብሄር ከም ጸላኢ ዀነ፡ ንእስራኤል ወሐጣ፡ ንዂሉ ኣዳራወታ ወሐጦንዕርድታታ ኣፍረሶ፡ ኣብ ጓል ይሁዳ ኸኣ ዋይዋይን ቊዝማን ኣብዝሔ

6. ድንኳን ኸም ኣታኽልቲ መንቈሰንስፍራ መኣከቢኡ ኣፍረሰእግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ንበዓልን ሰንበትን ኣረስዖብዂራ ነድሩውን ንንጉስን ካህንን ኣቃለለ

7. እግዚኣብሄር መሰውኢኡ ደርበየመቕደሱ ውን ንሕርሚ ወፈየ፡ ቀጽሪ ኣዳራወታ ኣብ ኢድ ጸላእቲ ኣሕለፈ፡ ከም ብመዓልቲ በዓል ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዓው ኢሎም ጨደሩ

8. እግዚኣብሄር ንቐጽሪ ጓል ጽዮን ኬፍርስ መደበ፡ ገመድ መለክዒ ዘርግሔ፡ ካብ ምጥፋእሲ ኢዱ ኣይመለሰንሓጹርን ቀጽርን ኣሕዘነ፡ ኲሉ ብሓደ ማሰነ

9. ደጌታታ ኣብ ምድሪ ጠሐለንመሃርሃሪታታ ኣብረሶሰባበሮንጉሳን መሳፍንታን ኣብ ማእከል ኣህዛብ አለዉ፡ ደጊም ሕጊ የልቦን። ነብያታውን ራእይ ካብ እግዚኣብሄር ኣይረኽቡን

10. እቶም ዓበይቲ ጓል ጽዮን ትም ኢሎም ኣብ ምድሪ ይቕመጡ አለዉ፡ ሓመድ ኣብ ርእሶም ነስነሱከሊውን ለበሱደናግል የሩሳሌም ርእሰን ናብ ምድሪ ኣድነና

11. ብምኽንያት ጒድኣት ጓል ህዝበይ ሕጻናትን ዕሸላትን ኣብ ኣደባባያት ከተማ ስለ ዘሕለለዉኣዒንተይ ብንብዓት ተበላሸወኣምዑተይ ተዀሰከብደይ ኣብ ምድሪ ተዂዖ

12. ኣበይ አሎ እኽልን ወይንንእናበሉ ነዴታቶም ይሐቱ፡ ኣብ ኣደባባይ ከተማ ኸም ውጉኣት ኣሕለልዮም ራዕ ይብሉ አለዉ፡ ነፍሶም ናብ ሕቚፊ ኣዴታቶም ትኲዖ አላ።

13. ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እንታይ ክምስክረልኪ፧ ብምንታይ እሞ እየ ዘምዓራርየኪከጸናንዓክስ ብምንታይ እየ ዝምስለኪ፧ ኣቲ ድንግል ጓል ጽዮንመስበርትኺ ዓብዪ ኸም ባሕሪ እዩ እሞ፡ መን የሕውየኪ

14. ነብያትኪ ኸንቱን ጥበራን ረኣዩልኪ፡ ንግራት ከንቱነትን ምርኮን ረኣዩልኪ እምበር፡ ካብ ምርኮ ምእንቲ ኽትድሕንስኣበሳኺ ኣይቀልዑልክን

15. ኲሎም ሓለፍቲ መገዲ ንጓል የሩሳሌም፡ እዚኣዶ እያ እታ ፍጹም ዝመልክዓሓጐስ ኲሉ ምድሪ እትብሀል ከተማ፧ ኢሎም ይፋጽዩላርእሶም ይንቕንቑላ፡ ኣላጊጾም ኣእዳዎም የጣቕዑላ።

16. ኲሎም ጸላእትኺ ኣፎም ኣባኺ ይኸፍቱውሒጥናያብሓቂ እዚኣስ እታ እተጸቤናያ መዓልቲ እያ፡ ኣርከብናላን ርኤናያንኢሎም እናፋጸዩ ኣስናኖም ይነኽስኩ አለዉ።

17. እግዚኣብሄር ነቲ ዝሐለኖ ገበረ፡ ነቲ ኻብ ጥንቲ ሒዙ ዝነገረሉ ቓል ፈጸመኣፍረሰ እሞ ኣይደንገጸንመሓጐስ ጸላኢውን ገበረኪ፡ ቀርኒ ተጻረርትኺ ኣልዐለ

18. ልቦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ፡ ኣቲ ቐጽሪ ጓል ጽዮንለይትን መዓልትን ከም ውሒዝ ኴንኪ፡ ንብዓት ኣውሕዚ፡ ከቶ ኣይትዕረፊመርዓት ዓይኒኺ ኣይተዕርፊ

19. ኣብ መመጀመርታ ሕልዋ ተንስኢብለይቲ ጨድሪ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ልብኺ ኸም ማይ ከዐዊ። ስለ ነፍሳት እቶም ኣብ መኣዝን ኲሉ መገዲ ጠምዮም ዜሕለልዉ ሕጻናትኪ ኣእዳውኪ ናብኡ ኣልዕሊ

20. ጐይታየርኤ እሞ ጠምት፡ ንመንከ ኸምዚ ገበርካዮኣንስቲዶ ፍረ ማሕጸነን ዚሐቚፋኦም ሕጻናት ይበልዓካህንን ነብይንዶ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ይሕረዱ

21. ቈልዑን ኣረገውትን ኣብ መሬት ኣብ ኣደባባያት ተራዒቶም አለዉ፡ ጐረዞይን ኣጒባዘይን ከኣ ብሰይፊ ወደቑብመዓልቲ ዂራኻ ቐተልካዮም፡ ብዘይ ድንጋጽ ሐረድካዮም

22. ንመፍርህየይ ካብ ኲሉ ወገን ከም ብመዓልቲ በዓል ጸዋዕካለይ። ብመዓልቲ ዂራ እግዚኣብሄር ዜምልጥን ዚተርፍን የልቦን። ነቶም ዝሐቘፍክዎምን ዘዕቤኽዎምን እቲ ጸላእየይ ኣጽነቶም