1. ድሕርዚ የሱስ፡ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺዘውር ኣይፈተወን እሞ፡ ኣብ ገሊላ ይዘውር ነበረ።
2. እቲ ናይ ኣይሁድ በዓል ዳስ ድማ ቀሪቡ ነበረ።
3-5. ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይአመኑን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ኣሕዋቱ፥ ባዕሉ ኺገሃድ እናደለየስ ብሕቡእ ዚገብር ያልቦን እሞ፡ እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ንዓለም ግለጽ። ደቀ መዛሙርትኻ እትገብሮ ግብሪ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በልዎ።
6. የሱስ ከኣ፥ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን ጊዜኹም ግና ኵሉ ሳዕ እተዳለወት እዩ።
7. ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከኣላን፡ ንኣይ ግና፡ ግብራ ኽፉእ ምዃኑ እምስክር እየ እሞ፡ ትጸልኣኒ እያ።
8. ንስኻትኩም ደኣ ናብቲ በዓል ደይቡ። ኣነስ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን እዩ እሞ፡ ናብዚ በዓልዚ ገና ኣይድይብን እየ፡ በሎም።
9. እዚ ምስ በሎም፡ ኣብ ገሊላ ተረፈ።
10. እቶም ኣሕዋቱ ምስ ደየቡ ኸኣ፡ ንሱ ድማ ሽዑ ናብቲ በዓል ደየበ። ግናኸ ተሐቡኡ እምበር፡ ብግሁድ ኣይኰነን።
11. ኣይሁድ ግና በቲ በዓል፥ ኣበይ አሎ ንሱ፧ እናበሉ ይደለዎ ነበሩ።
12. እቶም እኩባት ህዝቢ ድማ፡ ገሊኦም፥ ሕያዋይ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦም ድማ፡ ኣይኰነን፡ ንህዝቢ ደኣ የስሕት አሎ፡ እናበሉ ብዛዕባኡ ይካትዑ ነበሩ።
13. ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ እተዛረበ የልቦን።
14. የሱስ ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ ይምህር ነበረ።
15. ስለዚ ኣይሁድ፡ እዝስ ከይተማህረ ኸመይ ገይሩ ጽሑፋት ይፈልጥ፧ ኢሎም ተገረሙ።
16. ሽዑ የሱስ መሊሱ በሎም፥ ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን።
17. ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ኪፈልጥ እዩ።
18. እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን።
19. ሙሴዶ ሕጊ ኣይሃበኩምን እዩ፧ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ነቲ ሕጊ ዚገብሮ የልቦን። ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም፧
20. እቶም ህዝቢ ኸኣ፥ ጋኔን አሎካ፡ መን እዩ ኪቐትለካ ዚደሊ፧ ኢሎም መለሱሉ።
21. የሱስ ከኣ፥ ሓደ ግብሪ ገበርኩ፡ ንዅላትኩም ድማ ኣስተንከረኩም።
22. ምእንትዚ ሙሴ ግዝረት ሰርዓልኩም፦ እዚ ድማ ካብ ኣቦታት እዩ እምበር፡ ካብ መሴ ኣይኰነን፦ ንሰብ ብሰንበት ትገዝርዎ አሎኹም።
23. እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይፈርስሲ፡ ሰብ ብሰንበት ዚግዘር ካብ ኰነ፡ ኣነ ንሰብ ኵለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕዌኽዎ ደኣ፡ ስለምንታይ ትዅርዩለይ አሎኹም፡
24. ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም።
25. ገለ ኻብ ሰብ የሩሳሌም ድማ፡ እቲ ኪቐትልዎ ዚደልዩስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧
26. እንሆ፡ ንሱ ብግሁድ ይዛረብ አሎ፡ ንሳቶምውን ገለ ኣይብልዎን፡ እዞም መኳንንቲ ደዀን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብሓቂ ፈሊጦም ኰይኖም፧
27. ግናኸ እዚ ካበይ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና፡ ክርስቶስ ኪመጽእ ከሎ ግና፡ ካበይ ምዃኑ ዚፈልጥ የልቦን፡ በሉ።
28. የሱስ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ፡ ዓው ኢሉ፥ ንኣይ ትፈልጡኒ፡ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ብርሰይ ኣይመጻእኩን እቲ ዝለአኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፡ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም።
29. ኣነ ግና ካብኡ እየ፡ ንሱውን ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ እፈልጦ እየ፡ በለ።
30. ስለዚ ኺሕዝዎ ደለዩ። ጊዜኡ ስለ ዘይበጽሔ ግና፡ ኢዱ ዘልዐለሉ የልቦን።
31. ካብቶም ህዝቢ ኸኣ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞ፤ ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ፡ ካብዚ ንሱ ዝገብሮ ትእምርቲ ዚበክሕዶ ኺገብር ኢሉ፧ በሉ።
32. ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ እዚ ኢሎም ከም ዘጕረምረሙ ሰምዑ። ሊቃውንቲ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ኪሕዝዎ ገላዉኦም ለአኹ።
33. ስለዚ የሱስ፥ ገና ቕሩብ ዘመን ምሳኻትኩም እየ፡ ናብቲ ዝለአኸኒ ኸኣ ክኸይድ እየ።
34. ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኸኣ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ በሎም።
35. ስለዚ ኣይሁድ፥ ንሕና ኽንረኽቦ ዘይኰነልናስ እዚ ናበይ ኪኸይድ ኰን ሐሊኑ እዩ፡ ናብቶም ኣብ ሃገር ጽርኢ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ደዀን ኪኸይድ እሞ ነቶም ጽርኣውያን ኪምህር ሐሲቡ ዀይኑ፧
36. ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኽትመጹ ድማ ኣይኰነልኩምን፡ ዚብሎ ቓልሲ እንታይ እዩ፧ ተባሃሀሉ።
37. በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል የሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውን፥ ዝጸምኤ እንተሎ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ።
38. ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።
39. የሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ እዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝአመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ።
40. ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓያሎ እዚ ዘረባዚ ሰሚዖም፥ እዚ ብሓቂ እቲ ነብዪ እዩ፡ በሉ።
41. ካልኦትውን፥ እዚ ክርስቶስ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም ግና፥ ክርስቶስ ደዀን ካብ ገሊላ ዚመጽእ ኰይኑ፧
42. እቲ ጽሑፍዶ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፡ ካብታ ዳዊት ዝነበራ ዓዲ፡ ካብ ቤት-ልሄም፡ ከም ዚመጽእ፡ ኣይነግርን እዩ፡ በሉ።
43. ሽዑ ኣብቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ምፍልላይ ኰነ።
44. ገሊኦም ከኣ ኪሕዝዎ ደለዩ፡ ኢዱ ዘልዓለሉ ግና የልቦን።
45. እቶም ገላዉ ኸኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን መጹ። ንሳቶም ድማ፡ ከመይከ ዘየምጻእኩምዎ፧ በልዎም።
46. እቶም ገላዉ፥ ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን ኢሎም መለሱ።
47. ፈሪሳውያን ከኣ፥ ንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፡
48. ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያንከ ብእኡ ዝአመነዶ አሎ፧
49. እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ፡ ኢሎም መለሱሎም።
50. ሓደ ኻባታቶም፡ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ የሱስ ዝመጸ ኒቆዲሞስ፥
51. ሕግናኸ ንሰብዶ፡ ቅድም ከተሰምዔን እቲ ዝገበሮ ኸተፈልጠን ይፈርዶ እዩ፧ በሎም።
52. ንሳቶም፥ ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሎም መለሱሉ።
53. ኵሎም ከኣ ነናብ ቤቶም ከዱ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...