1. ድሕርዚ የሱስኣይሁድ ኪቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺዘውር ኣይፈተወን እሞኣብ ገሊላ ይዘውር ነበረ።

2. እቲ ናይ ኣይሁድ በዓል ዳስ ድማ ቀሪቡ ነበረ

3-5. ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይአመኑን ነበሩ እሞስለዚ እቶም ኣሕዋቱባዕሉ ኺገሃድ እናደለየስ ብሕቡእ ዚገብር ያልቦን እሞ፡ እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ንዓለም ግለጽደቀ መዛሙርትኻ እትገብሮ ግብሪ ምእንቲ ኺርእዩስካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድበልዎ

6. የሱስ ከኣጊዜይ ገና ኣይበጽሔን ጊዜኹም ግና ኵሉ ሳዕ እተዳለወት እዩ

7. ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከኣላንንኣይ ግናግብራ ኽፉእ ምዃኑ እምስክር እየ እሞ፡ ትጸልኣኒ እያ።

8. ንስኻትኩም ደኣ ናብቲ በዓል ደይቡኣነስ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን እዩ እሞናብዚ በዓልዚ ገና ኣይድይብን እየ፡ በሎም።

9. እዚ ምስ በሎምኣብ ገሊላ ተረፈ

10. እቶም ኣሕዋቱ ምስ ደየቡ ኸኣ፡ ንሱ ድማ ሽዑ ናብቲ በዓል ደየበግናኸ ተሐቡኡ እምበር፡ ብግሁድ ኣይኰነን

11. ኣይሁድ ግና በቲ በዓልኣበይ አሎ ንሱእናበሉ ይደለዎ ነበሩ።

12. እቶም እኩባት ህዝቢ ድማገሊኦምሕያዋይ እዩይብሉገሊኦም ድማ፡ ኣይኰነንንህዝቢ ደኣ የስሕት አሎ፡ እናበሉ ብዛዕባኡ ይካትዑ ነበሩ

13. ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ እተዛረበ የልቦን

14. የሱስ ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ ይምህር ነበረ።

15. ስለዚ ኣይሁድእዝስ ከይተማህረ ኸመይ ገይሩ ጽሑፋት ይፈልጥኢሎም ተገረሙ

16. ሽዑ የሱስ መሊሱ በሎምትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን

17. ፍቓዱ ኺገብር ዚደሊ እንተሎ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ኪፈልጥ እዩ።

18. እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግናንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን

19. ሙሴዶ ሕጊ ኣይሃበኩምን እዩ፧ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ነቲ ሕጊ ዚገብሮ የልቦን። ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ አሎኹም፧

20. እቶም ህዝቢ ኸኣ፥ ጋኔን አሎካመን እዩ ኪቐትለካ ዚደሊኢሎም መለሱሉ

21. የሱስ ከኣ፥ ሓደ ግብሪ ገበርኩንዅላትኩም ድማ ኣስተንከረኩም

22. ምእንትዚ ሙሴ ግዝረት ሰርዓልኩም፦ እዚ ድማ ካብ ኣቦታት እዩ እምበር፡ ካብ መሴ ኣይኰነንንሰብ ብሰንበት ትገዝርዎ አሎኹም።

23. እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይፈርስሲሰብ ብሰንበት ዚግዘር ካብ ኰነ፡ ኣነ ንሰብ ኵለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕዌኽዎ ደኣ፡ ስለምንታይ ትዅርዩለይ አሎኹም፡

24. ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም።

25. ገለ ኻብ ሰብ የሩሳሌም ድማ፡ እቲ ኪቐትልዎ ዚደልዩስእዚዶ ኣይኰነን

26. እንሆ፡ ንሱ ብግሁድ ይዛረብ አሎ፡ ንሳቶምውን ገለ ኣይብልዎን፡ እዞም መኳንንቲ ደዀን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብሓቂ ፈሊጦም ኰይኖም፧

27. ግናኸ እዚ ካበይ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና፡ ክርስቶስ ኪመጽእ ከሎ ግና፡ ካበይ ምዃኑ ዚፈልጥ የልቦን፡ በሉ።

28. የሱስ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎዓው ኢሉንኣይ ትፈልጡኒካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ብርሰይ ኣይመጻእኩን እቲ ዝለአኸኒ ግና ሓቀኛ እዩንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም።

29. ኣነ ግና ካብኡ እየ፡ ንሱውን ልኢኹኒ እዩ እሞእፈልጦ እየ፡ በለ።

30. ስለዚ ኺሕዝዎ ደለዩጊዜኡ ስለ ዘይበጽሔ ግናኢዱ ዘልዐለሉ የልቦን።

31. ካብቶም ህዝቢ ኸኣ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ፡ ካብዚ ንሱ ዝገብሮ ትእምርቲ ዚበክሕዶ ኺገብር ኢሉ፧ በሉ

32. ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ እዚ ኢሎም ከም ዘጕረምረሙ ሰምዑሊቃውንቲ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ኪሕዝዎ ገላዉኦም ለአኹ

33. ስለዚ የሱስገና ቕሩብ ዘመን ምሳኻትኩም እየናብቲ ዝለአኸኒ ኸኣ ክኸይድ እየ።

34. ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኸኣ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ በሎም።

35. ስለዚ ኣይሁድንሕና ኽንረኽቦ ዘይኰነልናስ እዚ ናበይ ኪኸይድ ኰን ሐሊኑ እዩ፡ ናብቶም ኣብ ሃገር ጽርኢ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ደዀን ኪኸይድ እሞ ነቶም ጽርኣውያን ኪምህር ሐሲቡ ዀይኑ፧

36. ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኽትመጹ ድማ ኣይኰነልኩምንዚብሎ ቓልሲ እንታይ እዩተባሃሀሉ

37. በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል የሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውንዝጸምኤ እንተሎ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ

38. ብኣይ ዚኣምንእቲ ጽሑፍ ከም ዝበለካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።

39. የሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞእዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝአመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ

40. ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓያሎ እዚ ዘረባዚ ሰሚዖምእዚ ብሓቂ እቲ ነብዪ እዩበሉ

41. ካልኦትውን፥ እዚ ክርስቶስ እዩበሉገሊኦም ግናክርስቶስ ደዀን ካብ ገሊላ ዚመጽእ ኰይኑ፧

42. እቲ ጽሑፍዶ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊትካብታ ዳዊት ዝነበራ ዓዲካብ ቤት-ልሄም፡ ከም ዚመጽእኣይነግርን እዩ፡ በሉ

43. ሽዑ ኣብቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ምፍልላይ ኰነ

44. ገሊኦም ከኣ ኪሕዝዎ ደለዩኢዱ ዘልዓለሉ ግና የልቦን

45. እቶም ገላዉ ኸኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን መጹንሳቶም ድማከመይከ ዘየምጻእኩምዎ፧ በልዎም

46. እቶም ገላዉከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን ኢሎም መለሱ

47. ፈሪሳውያን ከኣንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም

48. ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያንከ ብእኡ ዝአመነዶ አሎ

49. እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ፡ ኢሎም መለሱሎም።

50. ሓደ ኻባታቶም፡ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ የሱስ ዝመጸ ኒቆዲሞስ

51. ሕግናኸ ንሰብዶቅድም ከተሰምዔን እቲ ዝገበሮ ኸተፈልጠን ይፈርዶ እዩ፧ በሎም።

52. ንሳቶም፥ ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻመርምር እሞ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሎም መለሱሉ

53. ኵሎም ከኣ ነናብ ቤቶም ከዱ