1. ጐይታ ኸኣ፡ እቶም ፈሪሳውያንሲ የሱስ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዝገበረን ዘጥመቐን ምስማዖም ምስ ፈለጠ፦
2. ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፡ የሱስ ባዕሉስ ኣየጥመቐን፦
3. ምድሪ ይሁዳ ሐዲጉ ናብ ገሊላ ተመልሰ።
4. ብሰማርያ ንምሕላፍ ከኣ ናይ ግዲ ኰኖ።
5. ኣብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ ሲካር ናብ እትብሀል ከተማ ሰማርያ መጸ።
6. ኣብኡ ኸኣ ዔላ ያእቆብ አሎ። የሱስ ከኣ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ተቐመጠ። እቲ ጊዜኡ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ።
7. ካብ ሰማርያ ኸኣ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ድማ፥ ማይ ኰታ ኣስትይኒ፡ በላ።
8. ደቀ መዛሙርቱ ግና ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ።
9. ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ንስኻ ኣይሁዳዊ ክነስኻስ፡ ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን አሎኻ፧ በለቶ።
10. የሱስ ድማ፥ ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ግዳ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ፡ ኢሉ መለሰላ።
11. እታ ሰበይቲ ድማ፥ ጐይታይ፡ መቕድሒ የብልካን፡ እዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቝ እዩ፡ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ትረኾቦ፧
12. ንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሃበና፡ ንሱውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ፡ ትዓቢ ኢኻ፧ በለቶ።
13. የሱስ ድማ፥ ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ።
14. እቲ ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ፡ ኢሉ መለሰላ።
15. እታ ሰበይቲ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ ካብቲ ማይ እቲ ሃበኒ፡ በለቶ።
16. የሱስ ከኣ፥ ኪዲ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ፡ በላ።
17. እታ ሰበይቲ መሊሳ፥ ሰብኣይ የብለይን፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፡ ሰብኣይ የብለይን ብምባልክስ ቅኑዕ ተዛረብኪ።
18. ሓሙሽተ ሰብኣይ ነይሮምኺ እዮም እሞ፡ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ። እዝስ ሓቂ ተዛረብኪ፡ በላ።
19. እታ ሰበይቲ በለቶ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ አሎኹ።
20. ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፡ እታ ኺስገደላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ፡ ኢኹም እትብሉ።
21. የሱስ በላ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ከም እትመጽእ፡ እመንኒ።
22. ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና፡ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፡ ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ።
23-24. ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።
25. እታ ሰበይቲ ድማ፡ ክርስቶስ ዚብልዎ መሲህ ከም ዚመጽእ፡ እፈልጥ አሎኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኵሉ ኪነግረና እዩ፡ በለቶ።
26. የሱስ ከኣ፥ ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ፡ በላ።
27. ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መጹ፡ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡውን ተገረሙ። ግናኸ ሓደ እኳ፥ እንታይ ትደሊ፡ ወይስ፥ ንምንታይ ምስኣ ትዛረብ አሎኻ፡ ዝበሎ የልቦን።
28. እታ ሰበይቲ ኸኣ ዕትሮኣ ሐዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ነቶም ሰብውን፥
29. ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ በለቶም።
30. ካብ ከተማ ወጺኦም ናብኡ መጹ።
31. ኣብ መንጎ እዚ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ መምህር፡ ብላዕ፡ ኢሎም ለመንዎ።
32. ንሱ፥ ኸኣ ኣነስ ንስኻትኩም ዘይ ትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ አሎኒ፡ በሎም።
33. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሓድሕዶም፥ ሰብ ደዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧ ተባሃሀሉ።
34. የሱስ በሎም፥ ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ።
35. ንስካትኩምዶ፥ ቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ አሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም አለኹ።
36-37. ሓደ ኸም ዚዘርእ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዚዓጽድ፡ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ ዘራእን እቲ ዓጻድን ውዕለቱ ይቕበል፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ።
38. ኣነ ንኣኻትኩም ኣብ ዘጸዓርኩምሉ ኽትዓጽዱ ለኣኽኩኹም። ካልኦት ጸዓሩሉ፡ ንስኻትኩም ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም።
39. ስለቲ እታ ሰበይቲ፥ ዝገበርክዎ ዘበለ ነጊሩኒ፡ ኢላ ዝመስከረቶ ቓል፡ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ አመኑ።
40. እቶም ሳምራውያን ናብኡ መጺኦም፡ ምሳታቶም ኪቕመጥ ለመንዎ። ኣብኡ ኸኣ ክልተ መዓልቲ ወዐለ።
41. ኣዝዮም ዚበዝሑ ድማ ስለ ቓሉ ኣመንዎ።
42. ነታ ሰበይቲውን፥ ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡ ይብልዋ ነበሩ።
43-44. ነብዪ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይከብር፡ የሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረ እሞ፡ ድሕሪ እተን ክልተ መዓልቲ ኻብኡ ወጺኡ ናብ ገሊላ ኸደ።
45. ናብ ገሊላ ምስ መጸ፡ እቶም ሰብ ገሊላ፡ ባዕላቶም ከኣ ናብ በዓል መጺኦም ነበሩ እሞ፡ በቲ በዓል ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረኣዩ፡ ተቐበልዎ።
46. የሱስ ድማ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ፡ ናብ ቃና ናይ ገሊላ፡ መጸ። ኣብ ቅፍርናሆም ከኣ ወዱ ዝሐመሞ ሓደ ኣገልጋል ንጉስ ነበረ።
47. ንሱ፡ የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመጸ ምስ ሰምዔ፡ ናብኡ ኸደ፡ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ ወሪዱ ኼሕውየሉ ንየሱስ ለመኖ።
48. ሽዑ የሱስ፡ ትእምርትን ተኣምራትን እንተ ዘርኤኹም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም፡ በሎ።
49. እቲ ኣገልጋል ንጉስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ወደይ ከይ ሞተ ውረድ፡ በሎ።
50. የሱስ ድማ፥ ኪድ ወድኻ ሐውዩልካ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ በታ የሱስ እተዛረባ ቓል ኣሚኑ ኸደ።
51. ኪውርድ ከሎ፡ በሮቱ ተቐበልዎ እሞ፥ ወድኻ ሐውዩ፡ ኢሎም ኣበሰርዎ።
52. ንሱ ኸኣ እታ ዝሐወየላ ሰዓት ሐተቶም። ንሳቶም ድማ፥ ትማሊ ብሳብዐይቲ ሰዓት ዓሶኡ ሐዲጋቶ፡ በልዎ።
53. ሽዑ ኣቦኡ በታ የሱስ፥ ወድኻ ሐውዩ፡ ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ። ንሱ ኸኣ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ኣመነ።
54. የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ምስ መጸ ዝገበሮ ተኣምራት፡ እዚ ኻልኣዩ እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...