1. ጐይታ ኸኣ፡ እቶም ፈሪሳውያንሲ የሱስ ካብ ናይ ዮሃንስ ዚበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዝገበረን ዘጥመቐን ምስማዖም ምስ ፈለጠ

2. ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፡ የሱስ ባዕሉስ ኣየጥመቐን፦

3. ምድሪ ይሁዳ ሐዲጉ ናብ ገሊላ ተመልሰ

4. ብሰማርያ ንምሕላፍ ከኣ ናይ ግዲ ኰኖ።

5. ኣብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ ሲካር ናብ እትብሀል ከተማ ሰማርያ መጸ

6. ኣብኡ ኸኣ ዔላ ያእቆብ አሎየሱስ ከኣ ብምኻድ መገዲ ደኺሙኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ተቐመጠ። እቲ ጊዜኡ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ

7. ካብ ሰማርያ ኸኣ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸትየሱስ ድማ፥ ማይ ኰታ ኣስትይኒበላ

8. ደቀ መዛሙርቱ ግና ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ።

9. ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲንስኻ ኣይሁዳዊ ክነስኻስካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን አሎኻ፧ በለቶ

10. የሱስ ድማ፥ ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዚብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስንስኺ ግዳ ምለመንክዮ ኔርኪንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ፡ ኢሉ መለሰላ

11. እታ ሰበይቲ ድማ፥ ጐይታይመቕድሒ የብልካንእዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቝ እዩ፡ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ትረኾቦ

12. ንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሃበናንሱውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብትዓቢ ኢኻ፧ በለቶ።

13. የሱስ ድማ፥ ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ።

14. እቲ ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግናእቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ፡ ኢሉ መለሰላ።

15. እታ ሰበይቲ ኸኣ፥ ጐይታይከይጸምእ እሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ ካብቲ ማይ እቲ ሃበኒበለቶ

16. የሱስ ከኣ፥ ኪዲ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒበላ

17. እታ ሰበይቲ መሊሳሰብኣይ የብለይን፡ በለቶየሱስ ከኣ፡ ሰብኣይ የብለይን ብምባልክስ ቅኑዕ ተዛረብኪ

18. ሓሙሽተ ሰብኣይ ነይሮምኺ እዮም እሞ፡ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩእዝስ ሓቂ ተዛረብኪ፡ በላ።

19. እታ ሰበይቲ በለቶጐይታይንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ አሎኹ።

20. ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱንስኻትኩም ግና፡ እታ ኺስገደላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ፡ ኢኹም እትብሉ

21. የሱስ በላ፥ ኣቲ ሰበይቲኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ከም እትመጽእእመንኒ

22. ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱንሕና ግና፡ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፡ ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ

23-24. ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦምኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ

25. እታ ሰበይቲ ድማ፡ ክርስቶስ ዚብልዎ መሲህ ከም ዚመጽእእፈልጥ አሎኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኵሉ ኪነግረና እዩ፡ በለቶ

26. የሱስ ከኣ፥ ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ፡ በላ

27. ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መጹምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡውን ተገረሙግናኸ ሓደ እኳእንታይ ትደሊወይስንምንታይ ምስኣ ትዛረብ አሎኻ፡ ዝበሎ የልቦን።

28. እታ ሰበይቲ ኸኣ ዕትሮኣ ሐዲጋ ናብ ከተማ ኣተወትነቶም ሰብውን

29. ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ በለቶም።

30. ካብ ከተማ ወጺኦም ናብኡ መጹ

31. ኣብ መንጎ እዚ እቶም ደቀ መዛሙርቱመምህርብላዕኢሎም ለመንዎ

32. ንሱ፥ ኸኣ ኣነስ ንስኻትኩም ዘይ ትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ አሎኒበሎም

33. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሓድሕዶምሰብ ደዀን ገለ ዚብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧ ተባሃሀሉ

34. የሱስ በሎምብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ

35. ንስካትኩምዶቀውዒ ኽሳዕ ዚመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ አሎትብሉ ኣይኰንኩምንኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርኣዩእብለኩም አለኹ።

36-37. ሓደ ኸም ዚዘርእ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዚዓጽድ፡ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ ዘራእን እቲ ዓጻድን ውዕለቱ ይቕበል፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኺሕጐሱ ኸኣንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ

38. ኣነ ንኣኻትኩም ኣብ ዘጸዓርኩምሉ ኽትዓጽዱ ለኣኽኩኹምካልኦት ጸዓሩሉንስኻትኩም ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም

39. ስለቲ እታ ሰበይቲዝገበርክዎ ዘበለ ነጊሩኒ፡ ኢላ ዝመስከረቶ ቓልካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ አመኑ

40. እቶም ሳምራውያን ናብኡ መጺኦምምሳታቶም ኪቕመጥ ለመንዎኣብኡ ኸኣ ክልተ መዓልቲ ወዐለ

41. ኣዝዮም ዚበዝሑ ድማ ስለ ቓሉ ኣመንዎ

42. ነታ ሰበይቲውንደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡ ይብልዋ ነበሩ።

43-44. ነብዪ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይከብርየሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረ እሞ፡ ድሕሪ እተን ክልተ መዓልቲ ኻብኡ ወጺኡ ናብ ገሊላ ኸደ

45. ናብ ገሊላ ምስ መጸ፡ እቶም ሰብ ገሊላባዕላቶም ከኣ ናብ በዓል መጺኦም ነበሩ እሞ፡ በቲ በዓል ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረኣዩተቐበልዎ

46. የሱስ ድማ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላናብ ቃና ናይ ገሊላመጸኣብ ቅፍርናሆም ከኣ ወዱ ዝሐመሞ ሓደ ኣገልጋል ንጉስ ነበረ

47. ንሱ፡ የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመጸ ምስ ሰምዔናብኡ ኸደወዱ ንሞት ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ ወሪዱ ኼሕውየሉ ንየሱስ ለመኖ

48. ሽዑ የሱስ፡ ትእምርትን ተኣምራትን እንተ ዘርኤኹምኣይትኣምኑን ኢኹም፡ በሎ

49. እቲ ኣገልጋል ንጉስ ከኣ፥ ጐይታይወደይ ከይ ሞተ ውረድበሎ

50. የሱስ ድማ፥ ኪድ ወድኻ ሐውዩልካበሎእቲ ሰብኣይ ከኣ በታ የሱስ እተዛረባ ቓል ኣሚኑ ኸደ

51. ኪውርድ ከሎበሮቱ ተቐበልዎ እሞወድኻ ሐውዩኢሎም ኣበሰርዎ

52. ንሱ ኸኣ እታ ዝሐወየላ ሰዓት ሐተቶም። ንሳቶም ድማትማሊ ብሳብዐይቲ ሰዓት ዓሶኡ ሐዲጋቶበልዎ

53. ሽዑ ኣቦኡ በታ የሱስወድኻ ሐውዩዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠንሱ ኸኣ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ኣመነ

54. የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ምስ መጸ ዝገበሮ ተኣምራትእዚ ኻልኣዩ እዩ።