1. ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይሓለቓ ኣይሁድ ነበረ

2. ንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡረቢብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካንፈልጥ አሎና፡ በሎ

3. የሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከምዜልቦብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹኢሉ መለሰሉ

4. ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎመሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ አትዩስ ኪውለድ ይከአሎ እዩ፧ በሎ

5. የሱስ መለሰብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይ ተወልደኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን

6. ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ

7. ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም።

8. ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስደሃይ ኸኣ ትሰምዕካበይ ከም ዚመጽእ ናበይውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ

9. ኒቆዲሞስ ከኣእዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይከኣልኢሉ መለሰሉ

10. የሱስ ድማ መሊሱ በሎንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻእዚዶ ኣይትፈልጥን

11. ብሓቂብሓቂ እብለካ አሎኹእንፈልጦ ንዛረብዝርኤናዮውን ንምስርክር አሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎ ኢኹም።

12. ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዝይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ

13. ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን።

14-15. ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ።

16. ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

17. ኣምላኽ ንወዱዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን

18. ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግናብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነድሮ ተፈሪድዎ አሎ።

19. እቲ ፍርዲ እዚ እዩብርሃን ናብ ዓለም መጸሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ

20. ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍናብ ብርሃን ኣይመጽእን

21. እቲ ሓቂ ዚገብር ግናብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኺግለጽናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ

22. ድሕርዚ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ።

23-24. ዮሃንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይአተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ።

25. ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ምጽራይ ክርክር ተንስኤ

26. ናብ ዮሃንስ መጺኦምመምህርእቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉእንሆንሱ የጥምቕኵሉ ኸኣ ናብኡ ይኸይድ አሎ፡ በልዎ

27. ዮሃንስ ከኣ መሊሱ በለሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋህቦስ ሓንቲ እኳ ኺወስድ ኣይክእልን እዩ።

28. ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም።

29. እቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩእቲ ደው ኡሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ

30. ንሱ ኺዓቢኣነ ግና ክንእስ ይግባእ

31. እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ እዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዚመጽእ ዘሎ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ።

32. ነታ ምስክሩ ደኣ ዚቕበላ የልቦን እምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዚምስክር

33. እቲ ነታ ምስክሩ እተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሐተመ

34. ኣምላኽ መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ዝለኣኾንሱ ቓል ኣምላኽ እዩ ዚነግር

35. ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ኵሉ ኣብ ኢዱ ሃቦ

36. ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።