1. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊትገና ጸልማት ከሎኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸትነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረአየቶ

2. ስለዚ ንሳ ጐይያናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዜፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣንጐይታና ካብ መቓብር ወሲዶምዎኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን በለቶም

3. ጴጥሮስን እቲ ሓደ ወደ መዝሙርን ከኣ ወጹናብቲ መቓብርውን ከዱ

4. ክልቲኣቶም ብሓንሳእ ጐየዩ እሞ እቲ ሓደ ወደ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀደሞ፡ ኣብቲ መቓብርውን ቅድም በጽሔ።

5. ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸኣ፡ ኣብኡ መጋንዝ ረአየ፡ ግናኸ ኣይኣተወን

6. ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ ደድሕሪኡ መጺኡናብቲ መቓብር ኣተወ ነቲ መጋንዝውን ተነቢሩ ረኣዮ

7. እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መኣረምያ ኸኣ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፡ ምስቲ መጋንዝ ኣይነበረን

8-9. ሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ ኣተወነቲ ኻብ ምዉታት ኪትንስእ ይግብኦ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ ግና ኣየስተውዐልዎን ነበሩ እሞ፡ ርእዩ ኣመነ

10. ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ቤቶም ተመልሱ

11. ማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ

12. ኣብቲ ስጋ የሱስ ዝነበሮጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ መልኣኽሓደ ብትርኣስ ሓደ ብትርጋጽረአየት

13. ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲእንታይ የብክየኪ አሎ፧ በልዋ። ንሳ፡ ንጐይታይ ወሲዶምዎኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥንበለቶም

14. እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንየሱስ ደው ኢሉ ረአየቶየሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን

15. የሱስ ከኣ፥ ኣቲ ሰበይቲእንታይ የብኪየኪ አሎንመንሲ ትደልዪ አሎኺበላንሳ ኸኣ ሓላዉ ኣታኽልቲ መሲልዋጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒበለቶ

16. የሱስ ከኣ፥ ማርያምበላንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእስራይስጢ፥ ረቡኒትርጕሙ መምህረይ ማለት እዩ።

17. የሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ አሎኹ፡ በልዮምበላ

18. ማርያም መግደላዊትንጐይታ ኸም ዝረአየቶን እዚውን ከም ዝበላንከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ነገረቶም

19. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርሁዎምመዓጹ ተሸጕሩ ነበረ እሞ፡ የሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉሰላም ንኣኻትኩም ይኩንበሎም

20. እዚ ምስ በሎም ከኣ፡ ኣእዳዉን ጐድኑን ኣርኣዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲውን ንጐይታ ምስ ረአይዎተሐጐሱ

21. ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽሰላም ንኣካትኩም ይኹንከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለአኸኒኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ፡ በሎም

22. እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ

23. ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎምንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡ በሎም።

24. እቲ ዲዲሞስ ዚብሀል ቶማስሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ግና፡ የሱስ ኪመጽእ ከሎምሳታቶም ኣይነበረን

25. እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ንጐይታ ርኢናዮበልዎ። ንሱ ግና፡ ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኤኹ፡ ኣጻብዔይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ፡ በሎም

26. ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ኣብ ውሽጢ ነበሩቶማስውን ምሳታቶም ነበረ። መዓጹ ተሸጕሩ ኸሎየሱስ መጸኣብ ማእከሎም ደው ኢሉውን፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹንበሎም

27. ደሓር ከኣ ንቶማስኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይውን ርኤኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐድነይ ኣእትዋኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ በሎ

28. ቶማስ መሊሱ ከኣጐይታይን ኣምላኸይንበሎ

29. የሱስ ከኣ፡ ሳላ ዝርኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚአምኑ ብጹኣን እዮም፡ በሎ

30. የሱስ ድማ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ።

31. ግናኸ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑኣሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ