1. ሽዑ ጲላጦስ ንየሱስ ወሲዱ ገረፎ

2. እቶም ጭፍራ ኸኣ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎም፡ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉቀይሕ ባርኖስውን ከደንዎ

3. መመጺኦም ከኣ፥ ዎ ንጉስ ኣይሁድከመይ ኢኻይብልዎ ገጹውን ይጸፍዕዎ ነበሩ።

4. ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ ወጻኢ ወጺኡ፥ እዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ኽትፈልጡእንሆ፡ ናብ ወጻኢ ኤውጽኣልኩም አሎኹ፡ በሎም

5. ሽዑ የሱስ ኣኽሊል እሾኽ ደፊኡን ቀይሕ ባርኖስ ተኸዲኑን ናብ ወጻኢ ወጸጲላጦስ ድማእንሆ እቲ ሰብኣይ፡ በሎም።

6. ሊቃውንቲ ካህናትን እቶም ገላውን ምስ ረአይዎስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉጲላጦስ ከኣ፥ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉንንስኻትኩም ወሲድኩም ስቐልዎ በሎም

7. ኣይሁድ ከኣ፥ ንሕና ሕጊ አሎናንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ እዩ እሞ፡ ከም ሕግና ኺመውት ይግብኦ እዩ፡ ኢሎም መለሱሉ

8. ጲላጦስ እዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔኣዝዩ ፈርሄ

9. ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ እሞ ንየሱስ፥ ኣታ፡ ካበይ ኢኻበሎ። የሱስ ግና ኣይመለሰሉን

10. ጲላጦስ ከኣንኣይከ ኣይትዛረበንን ዲኻ፧ ክሰቕለካን ክፈትሓካን ስልጣን ከም ዘሎኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ በሎ

11. የሱስ ከኣ፥ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሀበካስኣባይ ስልጣን ኣይምሀለወካን ነይሩ። ስለዚ እቲ ኣባኻ ዘትሕዘኒ ሓጢኣቱ ዝገደደ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ

12. ካብኡ ንነጀው ጲላጦስ ኪፈትሖ ደለየኣይሁድ ግናነዚ እንተ ፈታሕካዮፈታው ቄሳር ኣይኰንካንርእሱ ኼንግስ ዚደሊ ዘበለ ዅሉ መቐናቕንቲ ቄሳር እዩ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ።

13. ጲላጦስ ነዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔንየሱስ ናብ ወጻኢ ወሲዱኣብቲ ጸፍጸፍ ዚብልዎ፡ ብእብራይስጢ ገበታ ዚብሀል ስፍራ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ

14. ድሮ ፋስጋ፡ ኣስታት ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረንኣይሁድ ከኣ፥ እንሆ ንጉስኩምበሎም

15. ሽዑ ንሳቶም፥ ንየው በሎንየው በሎስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉጲላጦስ ከኣ፥ ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎበሎምእቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ፥ ብዘይ ቄሳር ንጉስ የብልናን፡ ኢሎም መለሱ

16. ሽዑ ኺሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሀቦምተቐቢሎም ድማ ወሰድዎ

17. መስቀሉ ጾይሩ ኸኣ፡ ቀረንቀራ ርእሲ ናብ እትብሀል ስፍራብእብራይስጢ ድማ ጐልጎታ እትብሀልወጸ

18. ኣብኣ ሰቐልዎክልተ ኻልኦት ድማ ምስኡሓደ በዚ፡ ሓደ በቲየሱስውን ኣብ ማእከሎም

19. ጲላጦስ ድማ ጽሕፈት ጽሒፉ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮእቲ ጽሕፈት ኸኣ የሱስ ናዝራዊንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል እዩ

20. እታ የሱስ እተሰቕለላ ስፍራ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ኣንበብዎእቲ ጽሕፈት ኸኣ ብቛንቛ እብራይስጥን ሮሜን ጽርእን እዩ

21. ስለዚ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድ ንጲላጦስንሱ ባዕሉ፥ ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ፡ ከም ዝበለ ደኣ እምበር፡ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ኢልካስ ኣይትጽሐፍበልዎ

22. ጲላጦስዝጸሐፍክዎ ጸሐፍኩ፡ ኢሉ መለሰ

23. እቶም ዓቀይቲ ግና ንየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ክዳውንቱ ኣልዒሎም ኣብ ኣርባዕተ ምስ መቐልዎነንሓደ ዓቀይታይ ግዲኡነቲ ቐምሹውን ከምኡ። እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን

24. ንሓድሕዶም ከኣ፥ ንዝበጽሔ ኪበጽሖስ ዕጭ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፡ ኣይንቕደዶተባሃሀሉ። እቲ ክዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎንቐምሸይውን ዕጭ ተዋደቑሉዝብል ጽሑፍ ምእንቲ ኪፍጸም እዮም እቶም ዓቀይቲ እዚ ዝገበሩ።

25. ኣብ ጥቓ መስቀል የሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓብቲኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀሌዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ።

26. የሱስ ነዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረአየነዲኡኣቲ ሰበይቲእንሆ ወድኺበላ

27. ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፥ እንሃ ኣዴኻበሎእቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ

28. ድሕርዚ የሱስ ኵሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፡ እቲ ዝሑፍ ምእንቲ ኪፍጸምጸማእኩበለ

29. ኣብኡ መጺጽ ዝመልኤ ኣቕሓ ነበረ፡ ሽዑ መጺጽ ዝመልኤ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ።

30. የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ዝመልኤ ምስ ጠዐመተፈጸመበለርእሱ ኣድነነነፍሱውን ወጸት

31. ስለዚድሮ ሰንበት ነበረ እሞ፡ እታ ሰንበት እቲኣ ክብርቲ በዓል ዓመት ስለ ዝዀነትእቲ ስጋኦም ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሐድርመሓዅልቶም ሰሰቢሮም ኬውርድዎም፡ እቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ

32. ሽዑ እቶም ዓቀይቲ መጺኦም መሓዅልቲ እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ እተሰቕለ ካልኣይን ሰበሩ

33. ናብ የሱስ ምስ መጹ ግናሽዓ ኸም ዝሞተ ርእዮምመሓዅልቱ ኣይሰበርዎን

34. ሓደ ካብቶም ዓቀይቲ ግና ጐድኑ ብዅናት ወግኦብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ

35. እቲ ዝረአየ ኸኣ መስከረምስክሩውን ሓቂ እዩንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑሓቂ ኸም እተዛረበ ይፈልጥ አሎ።

36. እቲ፥ ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪሰብሩን እዮም፡ ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ እዚ ዝዀነ

37. ካልእ ጽሑፍውን እቶም ዝወግእዎ ኺርእይዎ እዮም፡ ይብል እዩ።

38. ድሕርዚ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ፡ እቲ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሄ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ፡ ንሱ ስጋ የሱስ ኪወስድ ንጲላጦስ ለመኖጲላጦስ ከኣ ፈቐደሉ። ሽዑ ኸይዱ ንስጋ የሱስ ወሰዶ

39. እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን መጸ እሞ ኣስታት ሚእቲ ነጥሪ ዚኣክል ከርበን ዓልወን እተሖሰ ኣምጽኤ

40. ንስጋ የሱስ ወሲዶምከምቲ ልማድ ቀብሪ ኣይሁድን ኣጋናንዛኦምን ብበፍታ ምስ ሽቱ ገይሮም ገነዝዎ

41. ኣብታ እተሰቕለላ ስፍራ ድማ ኣታክልቲ ነበረ። ኣብታ ኣታኽልቲ ኸኣ እተቐብረሉ ዜብሉ ሓድሽ መቓብር ጸንሔ።

42. እቲ መቓብር ቀረባ ነበረ እሞ፡ ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣንበርዎ