1. የሱስ እዚ ኢሉምስቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ርባ ቄድሮንናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ መጸ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወ

2. የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ብዙሕ ጊዜ ናብኣ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ነታ ቦታ እቲኣ ይፈልጣ ነበረ።

3. ይሁዳ ነቶም ጭፍራ ሮማውያንን ንገላዉ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ተቐቢሉፋናታትን መብራህትታትን ኣጽዋርን ሒዙ ወጸ

4. ሽዑ የሱስ ዚመጾ ዘበለ ፈሊጡ ወጸ እሞ፡ ንመን ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም

5. ንሳቶም፡ ንየሱስ ናዝሬታዊ፡ ኢሎም መለሱሉየሱስ ከኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎምእቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ምሳታቶም ደው ኢሉ ነበረ።

6. ሽዑኣነ እየ፡ ምስ በሎምኣድሐርሐሩ ናብ ምድሪውን ወደቑ

7. ከም ብሓድሽ ድማንመን ትደልዩ አሎኹም፡ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣንየሱስ ናዝሬታዊበሉ

8-9. እቲ፡ ካብዞም ዝሀብካኒ ሓደ እኳ ኣየጥፋእኩን፡ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸምየሱስኣነ እየ ኢለኩም ንኣይ ትደልዩ እንተ ኣሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም

10. ሽዑ እቲ ሰይፊ ዝነበሮ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ሰይፉ መሊሑንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾስም እቲ ባርያውን ማልኮስ እዩ

11. የሱስ ከኣ ንጴጥሮስሰይፍኻ ናብ ሰፈሩ ምለሶነታ ኣቦይ ዝሀበኒ ጽዋእሲ ኣይሰትያንዶ እየ፡ በሎ

12. ሽዑ እቶም ጭፍራን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ገላዉ ኣይሁድን ንየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ

13. ሃና ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፋ ሓሙኡ ስለ ዝዀነ፡ ቅድም ናብኡ ወሰድዎ

14. ቀያፋ ኸኣ እቲኣብ ክንዲ ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ እንተ ሞተ ይሐይሽ፡ ኢሉ ንኣይሁድ ዝመኸሮም እዩ

15. ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ምስቲ ሓደ ኻልእ ወደ መዝሙር ኰይኑ ንየሱስ ሰዐቦ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙርውን ምስ የሱስ ናብ ገዛ ሊቀ ኻህናት ኣተወ

16. ጴጥሮስ ግና ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ብወጻኢ ደው በለ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙር ከኣ ወጸ እሞ ነታ ዐጻዊት ደገ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎ

17. ሽዑ ሓንቲ ገረድ፡ ንሳ እታ ዐጻዊት ደገንጴጥሮስንስኻውንዶ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኢኻ፡ በለቶ። ንሱ ግና፥ ኣይፋለይን፡ በለ

18. ብዙሕ ቍሪ ነበረ እሞ፡ እቶም ባሮትን ገላውን ሓዊ ኣጕሂሮም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምሳታቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ።

19. ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ንየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ሐተቶ

20. የሱስ ከኣ፥ ኣነ ንዓለም ብግሁድ እዛረብኵሉ ሳዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዚእከቡሉ ዘበለ፡ ኣብ ቤት ጸሎትን ቤተ መቕደስን እምህር ነይረ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን

21. ንምንታይከ ንኣይ ትሐተኒ አሎኻ፧ ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ሕተቶምእንሆንሳቶም ነቲ ኣነ እተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም፡ ኢሉ መለሰሉ።

22. እዚ ምስ በለ፡ ካብቶም ገላው ሓደ ኣብኡ ደው ኢሉ ዝነበረ፥ ንሊቀ ኻህናትዶ ኸምዚ ኢልካ ትመልሰሉ አሎኻ፡ ኢሉ ንየሱስ ጸፍዖ

23. የሱስ ከኣ፥ ክፉእ እንተ ተዛሪበክፉእ ምዃኑ መስክርጽቡቕ ተዛሪበ እንተ ዀይነ ግናስለምንታይ ትወቕዓኒ አሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ

24. ሃና ኸኣ ናብ ቀያፋ፡ እቲ ሊቀ ኻህናትብእሱሩ ሰደዶ

25. ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ደው ኢሉ ሓዊ ይስሕን ነበረስለዚንስኻስ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ደዀን ትኸውን፧ በልዎ ንሱ ግና፥ ኣይፋለይ፡ ኢሉ ኸሐደ

26. ካብቶም ባሮት ሊቃውንቲ ካህናት ሓደነቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረጾስ ዘመዱኣብቲ ኣታኽልቲዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይርኤኹኻን፧ በሎ

27. ሽዑ ጴጥሮስ ከም ብሓድሽ ከሐደብኡብኡውን ደርሆ ነቀወ

28. ሽዑ ንየሱስ ካብ ቀያፋ ናብ መጋባእያ ወሰድዎንግሆ ድማ ነበረንሳቶም ግና፡ ገንሸል ፋስጋ ምእንቲ ኺበልዑስከይረኽሱ ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉን

29. ሽዑ ጲላጦስ ናባታቶም ናብ ወጻኢ ወጺኡነዚ ሰብኣይዚ እንታይ ክሲ ተምጽኡሉ አሎኹም፡ በሎም

30. ንሳቶም፥ እዚ ገባር ክፉእ እንተ ዘይከውንሲናባኻ ኣይመሕለፍናዮን ኔርና፡ ኢሎም መለሱሉ

31-32. ሽዑ ጲላጦስ ንስካትኩም ውሰድዎከምቲ ሕግኹም ጌርኩምውን ፍረድዎበሎምየሱስ በየናይ ሞት ኪመውት ከም ዘለዎ ኼመልክት ከሎ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸምእቶም ኣይሁድንኣናስ ንሓደ እኳ ኽንቀትል ከቶ ኣይተፈቐደልናንበልዎ

33. ሽዑ ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወንየሱስ ጸዊዑ ኸኣ፥ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻበሎ

34. የሱስ ድማ፥ እዚ እትዛረቦስ ካብ ርእስኻ ዲኻ እትብሎ ዘሎኻ፡ ወይስ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ እዮም፡ ኢሉ መለሰ

35. ጲላጦስ ከኣ፥ ኣነ እሞ ኣይሁዳዊ ደዀይነ፡ ህዝብኻን ሊቃውንቲ ካህናትን ደይኰኑን ናባይ ዘሕለፉኻእንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ

36. የሱስ ከኣ፥ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን ካብዛ ዓለም እዚእ እንተ ትኸውንሲብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮምሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንትን፡ ኢሉ መለሰ

37. ጲላጦስ ድማ፥ እምብኣርከስ ንስኻ ንጉስ ኢኻበሎየሱስ ከኣ፥ ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ። ኣነ ብሓቂ ኽምስክርምእንትዚ ተወለድኩምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝኰነ ኵሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ፡ ኢሉ መለሰ

38. ጲላጦስ ከኣ፡ ሓቂ እንታይ እዩበሎእዚ ኢሉ ከም ብሓድሽ ናብ ኣይሁድ ወጺኡኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን

39. ንኣኻትኩም ግና በብፋስጋ ሓደ እሱር ክፈትሓልኩም ልማድ አሎኩምእምብኣርሲ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፡ በሎም።

40. ሽዑ ኸም ብሓድሽ ዓው ኢሎምንበርባን ደኣ እምበር፡ ነዝስ ኣይኰነንበሉበርባን ግና ከታሪ እዩ ዝነበረ