1. ልብኹም ኣይሸበርብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ።

2. ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡

3. ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹምኩምኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስተመሊሰ ኽምጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።

4. ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገድውን ትፈልጥዎ ኢኹም።

5. ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይናበይ ከም እትከይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦበሎ

6. የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

7. ንኣይ እንተ ትፈልጡንስንቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን አሎኹም፡ በሎ።

8. ፊልጶስ ከኣ፥ ጐይታይነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለናበሎ

9. የሱስ በሎፊልጶስእዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፥ ነቦ ኣርእየናትብል አሎኻ፧

10. ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበርእዚ ንኣካትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ።

11. ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒእንተ ዘይኰነስስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ

12. ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብርካብኡ ዚዓብውን ከም ዚገብርብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

13. ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ።

14. ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩምክገብረልኩም እየ።

15. እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ

16. ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ፡

17. ነቲ መንፈስ ሓቂዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦ ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስካትኩም ግናምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩምውን ኪነብር እዩ እሞትፈልጥዎ ኢኹም።

18. ኣነ ዘኽታማት ኴንኩም ኣይሐድገኩምንናባኻትኩም ክመጽእ እየ።

19. ቅሩብ ጊዜ ዓለም ደጊም ኣይክ ትርእየንን እያ፡ ንስኻትኩም ግና ክትርእዩኒ ኢኹም። ኣነ ህያው እየ እሞ፡ ንስካትኩምውን ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም።

20. በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይንስኻትኩም ከኣ ኣባይኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም።

21. እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ

22. እቲ ዘይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ድማጐይታይእቲ ርእስኻንዓለም ዘይኰነንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩበሎ

23. የሱስ ከኣዜፍቅረኒ እንተሎቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።

24. እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናብቲ ዝለአኸኒ ኣቦ እዩ እምበርናተይ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሉ።

25. ምሳኻትኩም ከሎኹእዚ ነገርኩኹም

26. እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒመንፈስ ቅዱስንሱ ዅሉ ኺምህረኩምዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።

27. ሰላም እሐድገልኩምሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነንልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን

28. ኣነ ክኸይድ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም አሎኹምካባይ ኣቦይ ይዐቢ እዩ እሞእተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም።

29. ሕጂ ድማምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስከይኰነ ነጊረኩም አሎኹ።

30. ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ አሎ እሞኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉንደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ።

31. ግናኸ ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮንከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርንዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምዚ ይኸውን አሎ። ተንስኡ ኻብዚ ንኺድ