1. ሽዑ የሱስ ሹድሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዘለዋናብ ቢታንያ መጸ

2. ኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉማርታውን ተገልግል ነበረት። ካብቶም መቓምጡ ሓደ ኸኣ ኣልኣዛር እዩ

3. ማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ደረዘቶእታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤት

4. ካብ ቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥

5. እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፡ በለ።

6. እዚ ዝበለሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበርንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝአተወውን የልዕል ነበረ።

7-8. ስለዚ የሱስድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም አለዉንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ፡ ሕደጋበለ

9. ድሕርዚ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰብየሱስ ኣብኡ ምህላዉ ፈሊጦም መጹ። ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛርውን ኪርእዩ እምበርምእንቲ የሱስ ጥራይ ኢሎም ኣይኰኑን ዝመጹ

10-11. ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩ

12. ንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ብዙሕ ህዝቢየሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዚመጽእ ሰሚዑ

13. ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹእናጨደሩ ኸኣሆሳእናብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ።

14-15. ከምቲ፥ ኣቲ ጓል ጽዮንኣይትፍርሂእንሆንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ አሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈየሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ

16. ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገርዚ ቕድም ኣየስተውዓልዎን። የሱስ ምስ ከበረ ግናሽዑ እዚ ነገርዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሕፈ፡ ንሳቶምውን እዚ ኸም ዝገበሩሉ ዘከሩ

17. እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ይምስክሩሉ ነበሩ።

18. ስለዚ እቶም ህዝቢ እዚ ተኣምራትዚ ምግባሩ ሰሚዖምኪቕበልዎ ወጹ።

19. ሽዑ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶምሓንቲ እኳ ኸም ዘይተስልጡ ትርእዩ አሎኹም፡ እንሆብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ አሎ፡ ተባሃሀሉ

20. ካብቶም በቲ በዓል ኪሰግዱ ዝደየቡ ኸኣ ሓያሎ ጽርኣውያን ነበሩ

21. ንሳቶም ናብ ፊልጶስበዓል ቤተ-ሳይዳ ናይ ገሊላመጺኦምጐይታይንየሱስ ክንርእዮ ንደሊ አሎና፡ ኢሎም ለመንዎ

22. ፊልጶስ ከኣ ከይዱ ንእንድርያስ ነገሮእንድርያስን ፊልጶስን ድማ ከይዶም ንየሱስ ነገርዎ

23. የሱስ ድማ መሊሱ በሎምወዲ ሰብ ኪኸብርጊዜኡ በጺሓ እያ።

24. ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን በይና እያ እትነብርእንተ ሞተት ግናብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ

25. ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ።

26. ዜገልግለኒ እንተሎስ፡ ንኣይ ይስዓበኒ። እቲ ዜገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ንእኡውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ።

27. ሕጅስ ነፍሰይ ጕህያ አላእንታይ እሞ ኽብል እየኣቦካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒግናኸ ምእንቲዚ ናብዛ ሰዓት እዚኣ መጻእኩ

28. ኣቦንስምካ ኣኽብሮሽዑ ኻብ ሰማይ፡ ኣነ ኣኽቢረዮ አሎኹ፡ ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ፡ ዚብል ድምጺ መጸ

29. ሽዑ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እዚ ሰሚዖምነጕዲ እዩበሉገሊኦምመልኣኽ እባ ደኣ ተዛረቦ፡ በሉ።

30. የሱስ መሊሱ በሎምእዚ ድምጺ እዚ ምእንታኻትኩም እዩ ዝመጸ እምበርምእንታይ ኣይኰነን

31. ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ በጽሔ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኺድርበ እዩ።

32. ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።

33. ብኸመይ ዝመሰለ ኣማውታ ኸም ዚመውትኬመልክተሎም እዩ እዚ ዝበለ

34. ስለዚ እቶም ህዝቢንሕናስክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ደኣ፡ ካብ ሕጊ ሰማዕናንስኻ ግና ከመይ ኢልካ ኢኻ፥ ወዲ ሰብ ልዕል ኪብል ይግብኦ እዩ፡ እትብል ዘሎኻ፧ እቲ ወዲ ሰብ እቲኸ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም መለሱሉ

35. ሽዑ የሱስገና ንቕሩብ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም አሎጸልማት ከየርከበኩምብርሃን ከሎኩም ተመላለሱእቲ ብጸልማት ዚመላለስ ናብ ዚኸዶ ኣይፈልጥ እዩ።

36. ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑስብርሃን ከሎኩምብብርሃን እመኑ፡ በሎም። የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኻባታቶም ከይዱ ተሐብኤ

37-38. እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ፡ እቲ ነብዪ ኢሳይያስጐይታይ ንምስክርናኸ መን ኣመኖቅልጽም እግዚኣብሄርሲ ንመን ተጋህደዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸምብእኡ ኣይአመኑን

39-40. ድማ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽበዒንቶም ከይርእዩ ብልቦምውን ከየስተውዕሉከይምለሱን ኣነ ኸኣ ከይምሕሮምሲኣዒንቶም ኣዖረ ልቦምውን ኣትረረኢሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ምእማን ሰኣኑ።

41. ኢሳይያስ ክብረት ርእዩ ብዛዕባኡ ምስ ተዛረበእዚ በለ

42-43. ምስናይዚ ግና ብዙሓት ካብ መኳንንቲ ብእኡ አመኑግናኸ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተዉካብ ቤት ጸሎት ምእንቲ ኸይሰጕዎምብሰሪ ፈሪሳውያን ኣየግሃዱን።

44. የሱስ ግና ጨደረ በለውንብኣይ ዚኣምን በቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር፡ ብኣይ ኣይኰነን ዚኣምን።

45. ንኣይ ዚርኢ ነቲ ዝለአኸኒውን ይርእዮ

46. እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብርኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ አሎኹ።

47. ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ እንተሎ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ

48-50. ኣነስ፡ እቲ ዝለአኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞእታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ አሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀፍን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ አሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።